ደገፍን ቍጠባዊ ሓገዝን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 5 2023

ኣብ ሽወደን ከተመልክተሉ ትኽእል ብዙሕ ዓይነት ቍጠባዊ ደገፍን ቍጠባዊ ሓገዝን ኣሎ። መሰል ናይ ክፍሊት ንኽህልወካ ናይ ግድን ከተማልኦም ዘሎካ ሓደ ሓደ ጠለባት ኣሎዉ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ ዝዓበየ ክፋል ናይ ሽወደን ስርዓት ውሕስነት ሓላፍነት ዘለዎ መንግስታዊ ብዓል መዚ እዩ። እቶም ዝበዝሑ ክፍሊታት፡ ኣብ ሽወደን ውሑስ ምስ ምዃን ዝተተሓሓዙ እዮም።

ዝተፈላለየ ዓይነት ቍጠባዊ ደገፍ

ቍጠባዊ ሓገዝ ቀደም ማሕበራዊ ቍጠባዊ ሓገዝ ዝብሃል ዝነበረ። ቍጠባዊ ሓገዝ ንስኻ ቍጠባዊ ጸገም ዘሎካ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብታ ትነብረላ ኮሙን ከተመልክቶ ትኽእል ደገፍ እዩ። ንኣ-ካሳ፡ መነባበሪ ተምሃራይ( studiemedel) ወይ ካልእ ኣታዊ ወይ ቍጠባዊ ሓገዝ መሰል እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ናይ ግድን መጀመርታ ምስኦም ርክብ ክትገብር ኣሎካ።

ደገፍ መነባብሮ ሓደ ክፋል ናይቲ ቍጠባዊ ሓገዝ እዩ። መነባብሮኻ ንኽትኽእል ደገፍ መነባብሮ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ግን ቍጠባዊ ሓገዝ ንኻልኦት ዘድልዩ ነገራት ከም ንኽንክን ስኒ፡ መድሃኒት፡ መነጽር ዓይኒ ወይ ኣቑሑት ገዛ እውን ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

መተካእታ ደሞዝ ወላዲ፡ ወለዲ ኣብ ክንዲ ዝሰርሑ ወይ ዝምሃሩ ምስ ውላዶም ኣብ ገዛ ንኽጸንሑ ክወሃቦም ዝኽእል ገንዘብ እዩ። ንመተካእታ ደሞዝ ወለዲ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ተመልክት። መተካእታ ደሞዝ ወላዲ እንተ በዝሐ ንሓደ ቈልዓ ን450 መዓልታት ይኽፈል።

ናይ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ መሰል ንኽህልወካ ኣብ ሽወደን ትነብርን ማሕበራዊ ውሕስነት እቱውን ክትከውን ኣሎካ።

ናይ ሓበሬታ ፊልም ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት

ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ፡ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡን ትሕቲ 16 ዓመት ቈልዓ ንዘለዎምን ወለዲ ብቐጥታ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዝኽፈል ሓደ ቍጠባዊ ደገፍ እዩ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዓ 1250 ክሮነር ንወርሒ ኾይኑ ኣብ ዕለት 20 ናይ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ይኽፈል። ብዙሓት ቈልዑ እንተ ኣሎዉኻ ኾይኖም፡ ናይ ብዙሓት ቈልዑ ወሰኽ ትኽፈል ኢኻ።

መናበዪ ደገፍ፡ እቲ ካልኣይ ወላዲ እቲ ናቱ መናበዪ ቍጠባዊ ሓገዝ ዘይከፍል እንተ ኾይኑ ንዓኻ ንበይንኻ ምስ ቈልዓ ትቕመጥ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክኽፈለካ ዝኽእል ቍጠባዊ ደገፍ እዩ።

መናበዪ ደገፍ ክትረክብ ንኽትክእል፡ ካልእ ገዲፍካ ንስኻን እቲ ቈልዓን ኣብ ሽወደን ተቐመጥቲ ንኽትኮኑ ይሓትት። እቲ ቈልዓ ትሕቲ 18 ዓመትን ምሳኻ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ክኸውንን ድማ። መናበዪ ደገፍ ንኽትረክብ ናይቲ ቈልዓ መጕዚትነት ክህልወካን ንስካን እቲ ካልኣይ ወላድን ብሓደ ዘይትቕመጡን ድማ ክትኮኑ ኣሎኩም።

ናይ ሓበሬታ ፊልም ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት

ሓገዝ ክራይ ገዛ ንዓኻ ትሑት ኣታዊ ዘሎካን ንወጻኢታት መንበሪኻ ሓገዝ ዘድልየካን ክኽፈል ዝኽእል ሓደ መንግስታዊ ደገፍ እዩ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ነዞም ዝስዕቡ ክኽፈሎም ይኽእል፡

  • ቈልዑ ዘለዎም ስድራ
  • ኣብ መንጎ 18-28 ዓመት ዕድሚኦም መንእሰያት።

ክንደይ መጠን ገንዘብ ክወሃበካ ከም ዝኽእል፡ ኣብቲ ስድራ ክንደይ ሰባት ከም ዝቕመጡ፡ ኣታዊኻን ሃብትኻን፡ ወጻኢታት ናይቲ ገዛን ስፍሓት ናይቲ ገዛን እዩ ዝውስኖ።

ምልክታ ንሓገዝ ክራይ ገዛ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት እዩ ዝግበር። ምስቲ ምልክታ፡ ወጻኢታት ናይ መንበሪኻ ዘርእዩ ሰነዳትን ሓበሬታ ናይ ኣታዊኻን ምትሕሓዝ ከድልየካ እዩ።

ኣታዊኻ ወይ ናይ መንበሪ ኵነታትካ እንተ ተቐይሩ፡ እቲ ልክዕ ቍጠባዊ ሓገዝ ምእንቲ ክወሃበካ ምስ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውህስነት ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ብዙሕ ገንዘብ እንተ ተዋሂቡካ ተመሊስካ ንኽትከፍሎ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

ንዓኻ ተወሳኺ ብዛዕባ ሓገዝ ክራይ ገዛ ክትፈልጥ ንእትደሊ፡ ናይ ሓበሬታ ፊልምታት ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ኣብዚ ኣሎ።

ሓገዝ ክራይ ገዛ ንመንእሰያት

ሓገዝ ክራይ ገዛ ንመንእሰያት

ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ፕሮግራም መትከል እግሪ ትካፈል እንተዄንካ፡ ንኽፍሊት መትከል እግሪ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ቈልዓ እንተ ኣለካ ኾይኑ ወይ ኣብ ናይ በይንኻ ገዛ ትቕመጥ እንተ ዄንካ ንካልኦት ክፍሊታት እውን መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

መተካእታ ደሞዝ ሕሙም፡ ንዓኻ ስለ ዝሓመምካ ክትሰርሕ ንዘይከኣልካ ይኽፈለካ። ንመተካእታ ደሞዝ ሕሙም ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ተመልክት። መተካእታ ደሞዝ ሕሙም፡ ክሳብ ሓዊኻ ክትሰርሕ ትጅምር ንዝኸሰርካዮ ናይ ስራሕ ኣታዊታት ዝትክእ ግዝያዊ ክፍሊት እዩ። መጠን ዝወሃበካ መተካእታ ደሞዝ ሕሙም በቲ ናትካ ኣታዊ እዩ ዝውሰን። ነቶም ሕግታት ናይ መተካእታ ደሞዝ ሕሙም ዝውስንዎም፡ ንስኻ ስራሕ ኣልቦ፡ ቍጹር ሰራሕተኛ ወይ ወናኒ ናይ ባዕልኻ ትካል እንተ ዄንካ፡እዮም።

ቍጹር ሰራሕተኛ እንተ ዄንካ፡ እቲ ወሃብ ስራሕካ ኣብተን ሓሚምካለን ዘሎኻ ቀዳሞት 14 መዓልታት ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ደሞዝካ ናይ ሕማም ደሞዝ ይኸፍለካ። ድሕሪኡ ንመተካእታ ደሞዝ ሕሙም ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

መተካእታ ደሞዝ ሕሙም ንኽግብኣካ ኣብ ሽወደን ናይ ግድን ውሑስ ክትከውን ኣሎካ።

ምስ ሸምገልካን ናይ ስራሕ ዓለም ምስ ገደፍካዮን ዝኽፈለካ ክፍሊት፡ ጥሮታ ይብሃል። እቲ ናትካ ጥሮታ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ክመጽእ ይኽእል እዩ። እቲ ኩሎም ዝሰርሑን ግብሪ ዝኸፍሉን ሰባት ዝወሃቦም ክፋል ናይ ጥሮታ፡ ሓፈሻዊ ጥሮታ ይብሃል።እቲ ሓፈሻዊ ጥሮታ ብብዓል መዚ ጥሮታ ይእለን። ከምኡ'ውን ሓበሬታ ብዛዕባ ጥሮታ ናይ ምሃብ ዕማም ኣሎዎም።

መናበዪ ደገፍ ንኣረጋውያን

ትሑት ወይ ጨሪሹ ጥሮታ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ንመነባብሮካን መንበሪካን ክትከፍል ንኽትክእል መናበዪ ደገፍ ንኣረጋውያን ክትርክብ ትኽእል ኢኻ።

ብሂወት ናይ ዝተረፉ ጥሮታ፡ ናይ ቀረባ ዘመድ እንተ ሞይቱካ ክኽፈል ዝኽእል ቍጠባዊ ደገፍ እዩ። እቲ ብሂወት ናይ ዝተረፉ ጥሮታ፡ እቲ ዝሞተ ዘበርክቶ ዝነበረ ክፍል ናይ መነባብሮ ክሽፍን ዝተሓሰበ እዩ።