Orsa

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኡርሻ 7000 ተቐማጦ ዘለዋ ንእሽቶ ኮምዩን እያ። ብስፍሒ ግን ዓባይ እያ።ኣብ ሰሜን ዓበይቲ ዱርን ድንግል መሬትን ኣሎ። ኣብ ደቡብ ድማ ንእሽቶ ኢንዱስትሪን ሕርሻን ዘለወን ዓድታት ኣለዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኡርሻ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቪላታትን ግራውትን ይነብሩ። ኣፓርትማ እውን ኣሎ። ነቶም በይኖም ዝመጹ ህጻናትን መንእሰያትን መንበሪ ኣሎ። Orsabostäder ዚብሃል ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣሎ፡ ከምኡውን ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ። ገዛ ክትካረ ወይ መሬት ክትዕድግ ምስ እትደሊ ንሓደ ደላላይ ወይ ኣወዓዓላይ ርኸቦ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብታ ንእሽቶ ኡርሻ ብዙሓት ብሔራት ኣለዉ። ኣብዚ ካብ እተፈላለየ ዓሌታዊ ድሕረባይታ ዝመጹ ሰባት ብሓደ ይነብሩ። ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ብዙሓት እዮም፡ ምኽንያቱ እቲ ኮምዩን ካብ ነዊሕ ግዜ ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ነይሩዎ እዩ። ኣብኡ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ስዋሂሊ፡ ታይላንድ፡ ፊሊፒን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ሰርብያ፡ ክሮሽያ፡ ሃንጋሪ፡ ፋርስ፡ ላንከሲስካ፡ ትግርኛ፡ ስፓኛ፡ ቱርኪ፡ ኩርድን ፖላንድን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኡርሻ እተፈላየን ህይወት ዘለዎን ማሕበራዊ ህይወት ኣለዋ። ኩሉን ንጡፋት ማሕበራት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ክትረኽበን ትኽእል። ኣብኡ ኣስታት 140 ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ፡ ባህልን ሃይማኖትን ዘተኮራ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ኮምዩን ስፖርትን ምንቅስቓስን ኩሉ ግዜ ኣሎ። ከምኡውን ናይ እግሪ ጕዕዞ ኣብ ተፈጥሮ።

ዝተፈላለየ ዓለታዊ መበቈል ዘለዎም ባህላዊ ክዳን ዝተኸድኑ ሓሙሽተ ቈልዑ፡ ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ቪዮሊን ይጻወቱ ኣለዉ።

ኣብቲ ኮምዩን ንነኣሽቱን ዓበይትን ዘሳትፍ ፍሉጥን ሃብታምን ዝዓቢ ዘሎን ናይ ሙዚቃ ህይወት ኣሎ። ኣብ ካምፒን ናይ ሞረዩስን ወዘተን ፕሮግራም ይረአ። እቲ ኮምዩን ናይ ኡርሻ ስፐልማን ዓዲ እዩ ከምኡውን ናይታ ኣብ ተለቪዥን ዝሰዓረት ኮርስላገት። ኩሉ ግዜ ሮቡዕ ኣብ ሓምለ ኡርሻይራን ነቲ ጎደናታትን ኣደባባይን ይወሮ። ኣብ ከተማታት፡ ንስነጥበብን ባህልን ቀዳምነት ይውሃቦ። ኣብኡ ኣህጉራዊ ማሕበራትን ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን፡ ፊላደልፍያን ናይ ኡርሻ ባፕቲስ ሰበኻን ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብዚ ግሩም ግሮሰሪታት፡ ባህላዊ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ፡ ቤትመግብን ካፈን ይርከብ።

ኣብቲ ማእከል ከተማ፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ኣሎ። ኢካ፡ ኩፕ፡ ዊሊስ ኣብኡ ኣለዋ። ስካቱንቢን (ኣስታት 15 ኪ/መ ካብ ማእከል ከተማ) ግሮሰሪን ካልእን ኣለዋ። ኣብ ማእከል ከተማ፡ ኣቕሑ ገዛን ክሽነን ክዳውንትን ዚዕደጎ ሰከንድሃንድ ቡቲክ ኣሎ።

ኡርሻ ካብ ሙራ መገዲ 20 ደቓይቕ ብማኪና ርሒቓ ትርከብ። ኣብኡ ናይ ቀረጽን መድህንን ኣብያተጽሕፈት ኣለዋ። ኣብ ሙራ ኖረት ዓቢ ናይ ገዛን ክሽነን ኣቕሑ ዚሽየጦ ድኳን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኩሉ ኮምዩን ናይ ህጻን ክንክን ኣሎ።

ኣብ ኡርሻ 5 ኣብ 14 ክፍልታት እተመቕላ ኮሙናዊ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ከም መማረጺ ድማ ክልተ መውዓሊ ስድራቤትን ሓንቲ ድማ ናይ ህጻናት ቤትትምህርትን ኣለዋ። ናይቲ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ደስ ዘብላን ጥቓ ተፈጥሮን እየን። ዝበዝሓ ናብ ዱርን ግሩም ትርኢትን ቀረባ እየን።

ንደቅና ዝኸውን ቀጥታ ምስ መባእታ ቤትትምህርቲ እተኣሳሰረ 4 ናይ ዕረፍቲ ክፍልታት ኣሎ (ሰለስተ ኮሙናዊ፡ ሓደ ብሕታዊ)። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ናይ ስድራቤት ገዛን ዝያዳ ኣንብብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ምምሕዳር-ከተማ፡ ካብ ኣዚለ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘጠቓልል ናይ መባእታዊ ደረጃ-ትምህርቲ ኣለዎ። ንመባእታውን ናይ ካልኣይ-ደረጃን ቤት-ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኦሻ ሌርሰንትሩም ንዓኻ በጽሒ ዝኾንካ ንኽትምሃር ዕድል ኣሎ። ኣብዚ ተሓጋጋዛይ ትምህርቲ ዘለዎ ናይ ርሑቕ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ፡ ኤስ.ኤፍ.ኢ፡ መባእታዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕ፡ ፍሉይ ትምህርቲ ንኣባጽሕን ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ንኣባጽሕን ኣሎ። ኣብ ሙራ ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርትን ብናይ ኮለጅ ደረጃ ናይ ርሑቕ ትምህርቲ ትምሃረሉ ሲልያንስ ኡትቢልዳርና ኣሎ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኡርሻ ሓደ ብዛዕባ ሕማምን ክንክንን ምኽሪ ዚህብ ማእከል ጥዕናን ናይ ሓኪም መቐበልን፡ ናይ ነርስ መቐበልን፡ ናይ ኣነባብራ መቐበልን፡ ናይ ምይይጥ መቐበልን፡ መሕረሲትን ናይ ኣደታት ጥዕናን ህጻናትን መንእሰያትን፡ ምሕዳስ ጥዕናን፡ ናይ ስደተኛታት ጥዕናን፡ ናይ በዓል ተራ መቐበልን፡ ናይ እግሪ ክንክንን ናይ ደም ምርመራን ኣሎ። እቲ ኣብ ሙራ ዘሎ ሆስፒታል ብዙሕ ናይ ክኢላታት ሓከምቲ መቐበሊ ኣለዎ። ንሱ ናይቲ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ዳላርና ዘሎ ህዝብን በጻሕን ናይ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል እዩ። እቲ ካልእ ናይ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል ኣብ ፋሉን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ኣደኻ ብዘይካ ሽወደን ካልእ ምስ ዚኸውን፡ ምስቲ ኮምዩን ወይ ምስ ካልኦት ሰበስልጣን ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ኣድላዪ ምስ ዚኸውን ተርጓማይ ኪህልወካ መሰል ኣሎካ። ናይ ትርጉም ሓገዝ ብብዙሕ ቋንቋት ይወሃብ። ነቶም እተመደቡ ስደተኛታት እቲ ኣገልግሎት ትርጉም ብናይ ቡርለንገ ቤትጽሕፈት ዕዮ ይወሃብ። ተርጓማይ ምስ እትደሊ ነቲ ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ተወከሶ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ኡርሻ ናይ Inlandsbanan መነሃርያ ባቡር ኣሎ። ንሱ ነቲ ናይ ሙራ-ኦስተርሱንድ-ሙራ መስመር የገልግሎ። ዝቐረበ ብ SJ ከምኡውን ብ Tåg i Bergslagen ዚመሓደር በዓል ክልተ መነሃርያ ባቡር፡ ኣብ ሙራ ይርከብ። ናብኡ ብኣውቶቡስ ብ Dalatrafik ይኽየድ።

ብዛዕባ ኣብዚ ኮሙን ዘሎ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝያዳ ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ኡርሻ ቁጠባዊ ህይወት ብናይ ውሑዳት ሰብ ዋኒናት ዝቖመ እዩ፡ ግን ከኣ ኣብኡ ዓበይቲ ኢምብረዛታት ኣለዉ። ናይ ቱሪስት ንጥፈታት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣብ ኡርሻ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ዘለዎ Grönklittsgruppen ከኣ ናይ ምዕባለና ሞቶር እዩ።

ብዙሓት ተቐማጦ ኡርሻ ናብ ሙራን ኣልቭዳለን ራትቪክን ናብ ካልኦት ናይቲ ከባቢ ከተማታትን መዓልታዊ ሰሪሖም ይምለሱ።