Motala

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እንቋዕ ናብ ሙታላ ብደሓን መጻእኩም- ናይ ኦስተርዮትላንድ ናይ ቀላይ ከተማ! ኣብ ሙታላ ንጡፍ ህይወት ምንባር ቀሊል እዩ፡ ከመይሲ ኣብኡ ቅልጡፍን ናጻን ንምዃን ቦታ ኣሎ። እቲ ነዚ ዘማልእ ድማ መሐምበሲታት፡ ስፖርታዊ ህይወት፡ ተፈጥሮ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ምጅላብ፡ ባህሊ፡ ማሕበራዊ ናብራ - ካልእውን። ኩሉ ቀረባ ብምዃኑ ነቲ ጸጋታት ይውስኸሉ። ኣብ ንእሽቶ ዓዲ ከም ኣብ ከተማ ዘሎኻ ኴንካ ክትነብር ትደሊዶ? እምበኣር ናብ ሙታላ ምጻእ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ስእሊ ካብ ነፋሪት ናይ ምዮልብይ፡ ቬተርን ብድሕሪት ይርኣ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ጥቓ ማያት ብምዃኑ እቲ ኮምዩን ብዙሕ ግሩም ዝኾነ እትነብረሉ ቦታታት ኣለዎ። ኣብኡ ኣፓርትማን ኮንዶሚንዩምን ቪላታትን ኣሎ። ኮንዶሚንዩም ምስ እተፈላለዩ ወነንቲ ገዛውቲ ይርከብ፡ ከም ናይቲ ኮምዩን Platen. ኣብቲ ናይ ሙታላ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ብዙሓት ኣካረይቲ ሓበሬታ ኣሎ። ነኣሽቱ ገዛውትን ቪላታትን ኣብቲ Hemnet ትረክብ ከምኡውን ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሙታላ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ከባቢታት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ይርከብ። ጥርሑ መሬት ትደሊዶ? ኣብቲ ናይ ጥርሑ መሬት tomtkö ሪጋ ተራ ሓዝ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሙታላ ኮምዩን እተን ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት እዚኣተን እየን፤ ዓረብ፡ ዳሪ/ፓሽቶ/ፋርስ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ፊንላንድ፡ ኪሩንዲ፡ ፈረንሳ፡ ሶራኒ/ኩርማንጂ፡ ፖላንድ፡ ሮማኒ፡ ኣርሊ፡ ሩስያ፡ ስፓኛ፡ ሲርያ፡ ታይላንድን ቬትናምን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሙታላ ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ፡ ከም ንኣብነት፡ ናይ ብሔራት ወይ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንጥፈታት። እትደልዮ ውሱን ማሕበር ክትረክብ እንተ ደሊኻ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ማሕበራት ደብተር ረአ። ገለ ካብዘን ማሕበራት ንምጥቃስ፤

  • ናይ ዓረብ ማሕበር ሕወነት
  • ሊልያን ማሕበር ቦስንያ
  • ናይ ክሮሽያ ማሕበር
  • ናይ ኩርድ ማሕበር
  • ናይ ሶማልያ ባህላዊ ማሕበር
  • ናይ ሲርያ ማሕበር
  • ናይ ሲርያ ኦርቶዶክስ ናይ መንእሰያት ማሕበር
  • ናይ ሲርያ ኦርቶዶክስ ማርያም ቤትክርስትያን
  • ደቡብ ኣፍሪቃ - ኮሚተ

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሙታላ ኮምዩን ነቲ ሕቶታትካ ኣብቲ መቐበሊ ናይቲ ኮምዩን ምምሕዳር ብተለፎን 0141-22 50 00 ወይ ብኣድራሻ Drottninggatan 2, 591 35 Motala ኪቅበሎ ይኽእል።

ብሪጋን Bryggan መእተዊ (መላለዪ) ኣሃዱ ንናይ ሙታላ ኮምዩን ሓደስቲ መጻእቲ

ኣብ ብሪጋን መታን እቶም ኣብ ሙታላ ሓደስቲ መጻእቲ ብቑዕ ኣቀባብላ ኪረኽቡ ምስ እተፈላለዩ ክኢላታት ኴንና ንሰርሕ። ሙታላ ኮምዩን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ረኺባ ምስ ቤትጽሕፈት ዕዮን ምስ ኤስኤፍኢ ስልጠናን ተተሓሕዞም። ኩሎም ህጻናት ወይ መንእሰያት ነቲ ናይ ትምህርቶም ድሕረባይታ ንምግላጽ ንሓደ ካብቶም ናይ ብሪጋን ናይ ስልጠና ተሓጋጋዚ ይረኽቡዎ። ንሱ ብዛዕባ ምእላይ ህጻናትን ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምህርትን ይሕብር፡ ናብቲ ቤትትምህርቲ ይወስዶም የላልዮምን። ናብቲ ናይ ቤትትምህርቲ ኣመሓዳሪ ዚግበር ናይ መጀመርያ ምብጻሕ ብብሪጋን ይከናወን። እንተ ኣድልዩ፡ ምስ እተፈላለያ ማሕበራት ንኺራኸቡውን ንሕግዝ ኢና።

ኮሙን ህንጻ ኣብ ሙታላ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ናይ ሙታላ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ምእላይ ህጻናትን እቲ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ኣንብብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሙታላ ኮምዩን ናይ ቤትምህርቲ ህጻናት ክላስ (ካብ 6 ዓመት ንላዕሊ)፡ መባእታ ቤትትምህርቲ (ካብ 7 ዓመት፡ ክሳዕ ዓመት 9 ግዴታ እዩ) ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ (3 ዓመት ድሕሪ መባእታ) ኣሎ። እተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ከኣ ኣለዎ፤ ህጻናትን ናይ ዕረፍቲ ግዜን፡ ህንጻን መሳለጥያን፡ ቁጠባ፡ ኤለትሪሲቲን ጸዓትን፡ ተሽከርካርን መጎዓዝያን፡ ስልጠና ተልመዴን፡ ህዩማኒስት ፕሮግራም፡ ናይ ኢንዱስትሪ ተክኒክ፡ ናይ መላለዪ ፕሮግራም፡ ባህሊ፡ ናይ ተፈጥሮ ሳየንስ፡ ማሕበራዊ ሳየንስ፡ ተክኒክን ክንክንን ምእላይን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ኩለን ኣብያተትምህርቲ ሓበሬታ ኣሎ።

ኢድ ንኢድ ዝተተሓሓዙ ሓደ ጕጅለ መንእሰያት ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣከባቢ።

ዕድላት ትምህርቲ

ሙታላ ኮምዩን ከም ንኣብነት ኣብ ናይ መምዘኒ ተክኒክ፡ ኣብ ናይ ዝኽሪ ምጥፋእ ክንክን/ነርስ፡ ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ክሊኒክን ክንክንን ዘተኮረ ናይ ሞያ ኮለጅ ትምህርቲ yrkeshögskoleutbildning (YH) ትምህርቲ ንዓበይቲ ይህብ። ከምኡውን ሽወደን ንወጻእተኛታት (SFI)፡ ምኽሻንን፡ ገለ ኣብ ምፍራይ ተክኒክን መምህር ትምህርቲ ህጻናትን ስልጠና ምምህርናን ዘተኮረ ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ይህብ። ነቶም ናይ ውልቆም ዋኒን ኪጅምሩ ዚደልዩ ድማ ናይ ዋኒን ቤትትምህርቲ ኣሎ። ነዚኣቶም ብ Nyföretagarcentrum. እውን ደገፍ ይወሃቦም እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ብዛዕባ ክንክንን ረድኤትን ኣብቲ ናይ ሙታላ ኮምዩን ወብሳይት ኣንብብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቶም ምስ ተሓጋጋዚኦም ዚራኸቡ ግን ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ፡ ናይ ትርጉም ሓገዝ ኪረኽቡ መሰል ኣለዎም። ነዚ እቲ ተሓጋጋዚ እዩ ዘዳሉዎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ማኪና

ካብ ደቡብ፤ E4 ክሳዕ ኦደርስሆግ ካብኡ ድማ ሃገራዊ ጽርግያ 50 ወሲድካ ንኦረብሩ።

ካብ ሰሜን፤ ሃገራዊ ጽርግያ 50 ወሲድካ ንዮንሾፒንግ ካብኡ ክሳዕ ሙታላ።

ካብ ምብራቕ፤ E4 ክሳዕ ሊንሾፒንግ ካብኡ ሃገራዊ ጽርግያ 34 (fd. 36) ክሳዕ ሙታላ

ብድሕሪት ጫካን ሓደ ንእሽቶ ገዛን ዘለዎ ናይ ሓደ ዝዕንብብ ዘሎ ናይ ራፕስ ግራት ናይ ቀረባ ስእሊ፡

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሙታላ እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ እዘን ዚስዕባ እየን፤ ሙታላ ኮምዩን፡ ዞባ ኦስተርጎትላንድ፡ ኣውቶሊቭ ኤለክትሮኒክስ፡ ሙታላ ፋብሪካ፡ ፖፐልስታደን፡ ምምሕዳር ክንክንን ፕሮክሲማ ፍሉይ ሕክምናን። እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ናይ ቦረንስበርይ ከኣ ኣርላ ፕላስት፡ ከምኡውን (ካብ ሙታላ መገዲ 40 ደቓይቕ ብባቡር ከኣ) ኣብ ሊንሾፒንግ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ።