Fagersta

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ፈየርስታ ምንባር ቀሊል እዩ። ኣብኡ ውሕስነትን ተሓባበርነትን ተስፋን ኣሎ። ናብ ተፈጥሮን ባህልን ቀረባ እዩ። ኣብኡ ንኹሉ ግዜ ይርከቦ እዩ። ምውህሃድ ናይ ፈየርስታ ባህርያዊ ክፋል ውጥን ማሕበረሰብ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ዕራርቦ ጸሓይ ኣብ ሓደ ሓጋያዊ መንበሪ ከባቢ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ፈየርስታ ኮሙናውን ብሕታውን ዝካረ ገዛውቲ ኣሎ። ኣብኡ ናይ ወነንቲ ኣባይቲ ማሕበራት ኣሎ። ንመንበሪ ኣባይቲ ብዚምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ክትረክብ ትኽእል።

ሓደ ሓምላይ ናይ ቪላ ከባቢ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ፈየርስታ እተን ብብዝሒ ዝዝረበለን ቋንቋታት፡ ፊንላንድ፡ ዓረብን ሶማልን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ፈየርስታ ብዙሓት እተፈላለያ ንስፖርትን ምዝዋር በረኻንን ባህልን ዚምልከታ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብኡ ንኣብነት ናይ እስልምና ናይ ፖላንድ ኦርናስተትን ናይ ሶማልን ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት፡ ናይ ኩለን ማሕበራት ዝርዝር ዘለዎ ደብተር ኣሎ።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ባሕሪ ዌክቦርድ ይጕዓዝ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ፈየርስታ መግብን ካልእ ንገዛ ዘድሊ ነገራትን እትዕድገሉ ብዙሕ ድኳናት ኣሎ። ኣብኡ ናይ ክዳውንቲ፡ማኪና፡ መብራህትን ናይ ኩሉ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነን ነገራት ዝሸይጥ ድኳናት ኣሎ። ብሕሱር ዋጋ እትዕድገሉ ብዙሕ ሰከንድሃንድ ቡቲካት ኣሎ። ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈት፡ መድህን ቤትጽሕፈትን ናይ ቅረጽ ቤትጽሕፈትን ኣብኡ ይርከብ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ እተፈላለያ ዋኒናት ክትደሊ ትኽእል።

ሓደ በግራብ ዝተኸበ ዓዘቕቲ። ነዊሕ ዘንጊ ዘለዎም ኣግራብ ነቲ ዓዘቕቲ ጥውይውይ ኢሎሞ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ፈየርስታ ኮምዩን ሓያሎ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ምሉእ መዓልትን ለይትን ክፉት ዝኾነት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣላ። ኣብቲ ናይ ኮምዩንና ወብሳይት ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትና ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ናይ ወለዲ ጉጅለትኣ ዘለዎ ማእከል ስድራቤትውን ኣሎ። ንሱ ነቶም ካብ 0-1 ዓመት ዝዕድመኦም ውሉድ ዘለዎም መኣከቢ ቦታ እዩ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ንጥፈታቱ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

ብቤትክርስትያን ዚካየድ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትውን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ቨስታንፉሽ ቨስተርቮላ ናይ ማሕበር ወብሳይት ብዛዕባኡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብቲ ኮምዩን 4 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባኡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ። ፍሉይ ጠለብ ንዘድልዮም ህጻናት ዚኸውን ፍሉይ መባእታ ቤትትምህርቲውን ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ንጥፈታቱ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ፋየርስታ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ሽወደን ንወጻእተኛታት ወይ ኤስኤፍኢ እውን ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ኤስኤፍኢን ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ሽወደን ንወጻእተኛታት ወይ ኤስኤፍኢ ኣለዎ። ኣብኡ ምስ እተፈላለያ ኮለጃት ዝተሓባበር ትምህርቲ ንዓበይቲ(vuxenutbildning) እውን ኣሎ። ኣብ ፈየርስታ ኮለጅ የልቦን።ኣብ መንጎ ናይቲ ከባቢ ዋኒናትን ቤትትምህርትን ግሩም ምትሕብባር ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብዚ ኮሙን ብኽፋል ብብሕታዊ ትካል ዝመሓደር ሓደ ሆስፒታል ኣሎ። ከምኡ'ውን እቲ ኣገልግሎት ጥዕና ምስ ናይ ቬስትሮስን ሾፒንግን ሆስፒታላት ብምትሕብባር እዩ ዝመሓደር። ብዛዕባ ዞባ ቬስትማንላንድን በርይስላግስሽዩክሁሰት ሚት የርታን ኣብ ነናቶም መርበብ ሓበሬታ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስቲ ኮምዩን ኣብ እትረኸበሉ ግዜ ተርጓማይ ምስ ዘድሊ፡ እቲ ኮምዩን እዩ ነዚ ዘዳሉዎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ፈየርስታ ጥቓ ቨስተሮስ፡ ስቶክሆልን ካልኦት ኣገደስቲ ቦታታትን እዩ። ናብ ዝደለኻዮ ዚወስዳኻ ፈጣናት ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ኣለዋ። ብዛዕባ ናይ ቨስትማንላንድ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ኣብቲ ናይ Västmanlands Lokaltrafiksወብሳይት ተመልከት። ብዛዕባ መስመራት ከኣ ኣብTågkompanietከምኡውን ኣብ SJ. ተመልከት።

SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ፈየርስታ ኮምዩን ብእተኻእለ ኩሉ ሰብ ናይ ባዕሉ ዋኒን ኪህሉዎ ንደሊ፡ ነዚ ዕላማዚ ድማ ኣበርቲዕና ንሰርሕ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።