ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ
እቲ ኣብ ዝሓለፈ 10ታት ዓመታት ዘጋጠመ ብዝሒ ህዝቢ ኣብዚ ዞባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደስቲ ገዛውቲ ናይ ምህናጽ መደባት ኣይተራእየን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ካብ ዓመተ 2000 ንንዮው ኣብቲ ዞባ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ክርአ ግድን ኮይኑ። እዚ ሕጽረት'ዚ ብፍላይ ኣብ ማእከሎት ከተማታት ናይቲ ኣውራጃን፡ ኣብተን ኣብ ከባቢ ገማግም-ባሕሪ ዝርከባን ከተማታት'ዩ፡ ጎሊሑ ዝተራእየ። ብሓፈሻ እቲ ሕጽረት ከኣ፡ ኣብ ነኣሽቱ ገዛውቲ ምርካብ'ዩ ዝያዳ ኸሪሩ። ጸገም ምርካብ ገዛውቲ ብፍላይ ነተመሃሮ፡ መንእሰያት ካልኦት ፍሉይ ናይ መንበሪ-ገዛ ድልየታት ዘለዎም ኣካላትን እዩ፡ ገኒኑ ዝተራኣየ።
ህዝቢ-ተቐማጦ
ዕብየት ቁጽሪ ህዝብን ዕድላት ስራሕን ኣብ ኣውራጃ ሃላንድ ካብ ማእከላይ ሃገር-ለኸ ደረጃ ቁሪብ ብልጽ ኢሉ ይርከብ። ቁጽሪ ህዝቢ ናይ'ዚ ኣውራጃ ኣብ ዝሓለፈ 10ታት ዓመታት'ዩ ክንህር ጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ 2013 ቁጽሪ ህዝቢ ኣውራጃ ሃላንድ ናብ 306840 ደዪቡ። ኣብዚ ኣውራጃ፡ እታ ዝዓበየት ከተማ ሃልምስታድ ኮይና፡ ኣስታ 94000 ተቐማጦ ሃልይዋ፡ እታ ዝዓበየትን ብዙሕ ህዝቢ'ቲ ዞባ ዝርከበላን ከተማ እያ። ብጽሖት ወይ ቱሪስም ኣብዚ ዞባ'ዚ ህቡብ ኮይን፡ ኣብ እዋን ክራማት ኣብዚ ዝርከብ ቁጽሪ ህዝቢ ዕጽፊ ብምዃን ናብ ፍርቂ-ምልዮን ይበጽሕ።