Östergötlands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እታ 428,379 (2011) ተቐማጦ ዘለዋ ኦስተርዮትላንድ ናይ ሽወደን ራብዓይቲ ዝዓበየት ወረዳ እያ። ኣብኡ ገጠራትን ከተማታትን እኩባት ደሴታትን ዱርን እተፈላለየ ባህልን ቁጠባዊ ንጥፈታትን ኣሎ። ኣብቲ ወረዳ ብድምር 13 ኮምዩናት ኣለዋ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Östergötlands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Östergötlands län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ኦስተርዮትላንድ ኮምዩናት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዳርጋ ፍርቂ ናይተን ከተማታት ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሕጽረት ኣሎ። ኣብቲ ወረዳ ቍጽሪ ህዝቢ ካብቲ መንበሪ ኣባይቲ እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብቲ ቅድም ግሩም ናይ መንበሪ ዕዳጋ ዝነበሮ ቦታ፡ ኣብኡ እዩ እቲ ሕጽረት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዚ ዞባ እዩ። ንሱ ኣስታት 11,000 ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ብድሕሪኡ እቲ ኣስታት 8,700 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኖርሾፒንግ ኮምዩንን ኣስታት 6,800 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሊንሾፒንግ ኮምዩን እዩ። እተን ዝዓበያ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ ድማ Saab Aerospace i Linköping, Siemens Industries i Finspång, Btproducts i Mjölby እየን።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ናይ ኦስተርዮትላንድ ምምሕዳር ወረዳ ብመጠን ናይ ኣወሃሃዲ ተልእኾኡ፡ ንናይ ስደተኛታት ምቕባልን ምክትታልን ብዚምልከት ኣብተን ዓሰርተ ሰለስተ ኮምዩናት ናይ ኣተሓባባርን ወጋንን ተራ እዩ ዚጻወት። ኣብቲ ወረዳ ኣብ መንጎ ሰበስልጣንን ናይቲ ወረዳ ኮምዩናትን ዋኒናትን ዘይመንግስታዊ ትካትን ንነባራይን ንውልቃውያንን ዋኒናትን ሓደስቲ መጻእትን ግሩም ሃዋህው ንምፍጣር ግሩም ምትሕብባር ይካየድ ኣሎ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ሊንሾፒንግ ዩኒቨርሲቲ (LiU) ኣብ ሽወደን ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ትምህርቲ ቦታ እዩ። ኣብኡ ኣከባቢ 27,000 ተምሃሮን ኣስታት 3,900 ሰራሕተኛታትን ኣለዉ። LiU ካምፓስ ኣብ ሊንሾፒንግን ኖርሾፒንግን ይርከብ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከኣ ናይቲ ዞባ ናይ ምዕባለ ሞቶር እዩ። LiU ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ናይ ክኢላነት ማለት ከም ናይ ሓኪም፡ መምህር፡ ኢንጂነርን ስነቁጠባን ትምህርቲ ዚህባ ዩኒቨርሲታት ሽወደን እዩ። ብመንግዲ ምስ ኣህጉራዊ ርክባቱ፡ ሰፊሕ ናይ ተመሃሮ ልውውጥ ፕሮግራም ይካየድ።

ኣብ አስተርየትላንድ ብፍላይ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካን ኣብ ዞባ አስተርየትላንድ ትነብርን ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኣሎና። እቲ መርበብ ሓበሬታ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ከመይ ከም ዝሰርሕን ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ ናበይ ከምእትኸይድን ከም ሓባር ዘገልግል እዩ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብቲ ኣውራጃ ሰለስተ ሆስፒታላት ኣለዋ፤ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ሊንሾፒንግ፣ ናይ ኖርሾፒንግ ቭሪነቪ ሆስፒታልን ናይ ሙታላ ሓፈሻዊ ሆስፒታልን። እቲ ናይ ሊንሾፒንግ ዩኒቨርሲታዊ ሆስፒታል 600 ናይ ሕክምና ክፍልታት ኣለዎ፡ እቶም ልዕሊ 5000 ሰራሕተኛታት ከኣ ካብ መላእ ደቡባዊ ምብራቕ ሽወደን ኣብ ዓመት 40,000 ሕሙማን የስተናግዱ። እቲ ልዕሊ 300 ናይ ሕክምና ክፍልታትን ኣስታት 2,200 ሰራሕተኛታትን ዘለዎ ናይ ኖርሾፒንግ ቭሪነቪ ሆስፒታል፡ ሰፊሕ ንጥፈታት ዘለዎ ናይ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል እዩ። ናይ ሙታላ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ልዕሊ 100 ናይ ሕክምና ክፍልታትን ኣስታት 1,100 ሰራሕተኛታትን ኣለዎ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ኦስተርዮትላንድ ህያውን ግሩምን እተፈላለየን ባህሊ ኣሎ። ኣብኡ ትያትርን ሙዚቃን ዳንስን ኤክስፖን ቤትንባብን ፊልምን ፈስቲቫልን ኣሎ። ሽወደን ሓያል ማሕበራዊ ህይወት ኣለዋ። ማሕበራት በቶም ኣባላተን እየን ዚመሓደራ። ካባታተን ናይ ስፖርት ክላብን ባህላዊ ማሕበራትን ናይ ስራሕ ማሕበራትን ይርከባ። ካብ ኩሉ ሸነኻት ዓለም ዝመጹ ሰባት እትራኸበለን ማሕበራትውን ኣለዋ። ገለ ካብተን ማሕበራት ብመገዲ Immigrantinstitutet ክትረኽበን ትኽእል።