Ödeshög

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ኦደስሆግ፡ ብሰጣሕ ጎልጎል፡ ጎቦታትን ብባሕሪን ዝተኸበትን ዝማዕረገትን ከተማ እያ። እቲ ከተማ ንእሽቶይ ኮይኑ ቁጽሪ ነባሮ ንምዕባይ ዝሓልም ከተማ’ዩ። ብዜካ’ዚ ከተማ’ዚ ምስኡ ዝጽንበራ ንኣሽቱ ዓዲታት ከም ትረሆርና ሄስትሆልመንን ውን ኣለዋ። ከተማ ኦደስሆግ ኣብ ከባቢቲ ብ ኢፊራ ዝፍለጥ ዓቢ ጽርግያ ምህላዉ ኣብ ሰዓት ኣብ ዘይከውን ግዜ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ሊንሾፒንን ዮንሾፒንን ንምጕዓዝ ቀሊል ይገብሮ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ከተማ ኦደስሆግ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም መምበሪ-ኣባይቲ ይቕመጡ። እታ ብኹሉ እትውነን ትካል ክራይ ኣባይቲ ኦደስሆግ ኣስታት 279 ኣባይቲ-ክራይ ትውንን። መብዛሕትኡ እቲ ገዛውቲ ኣብ ኦደስሆግ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ሄስትሆልመን ውን ገለ ገዛውቲ ኣለዋ። ብዜካ'ዚ ብርክት ዝበላ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ።

ኣብ ዝባን ባይታ ሓደ ሓምላይ ገደና ዘለዋ ሓንቲ ቀያሕ ጎጆ ኣብ ገጠር። ኣብ ልዕሊ እታ ጎጆ ቀስተደበና ይርኣ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ኦደስሆግ ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰደተኛታት ተቐማቶ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ተዛረብቲ ቋንቋታት ዓረበኛ፡ ሶማል፡ ትግርኛ፡ ዳሪ፡ ታይላንድ፡ ፍሊፒንስ፡ ፖላንድ፡ ሌትስ፡ ሊትወንያ፡ ራሻን ሩማንያን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ከተማ ኦደስሆግ ብምእታው፡ ዝርዝር ናይተን ኣብቶ ቦታ ዝርከባ ማሕበራት ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ከተማ ኦደስሆግ ኩሉ ዘድልየኩም ነገራት ዳርጋ ብቐረባ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። ንኣብነት ኣብ ማእከል ናይታ ከተማ፡ ድኳን ማዓልታዊ ሃለኽቲ ማለት ኢካ ኣሎ። ኢካ ከም ወኪል ናይ ኣገልግሎት ፖስታ ውን ኮይኑ የገልግል። ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ወይ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምኡ ውን ቤት-ንባብን ይርከብ። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ውን እንተኾነ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣብ ማእከል ከተማ ክፍት ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣለዎ። ኣብ ማእከል ከተማ ካብ ዝርከቡ ቦትካት ንኣብነት ማእከል መሽጢ መጻወቲ ነገራት፡ ክዳውንቲ ቆልዑ ሳእንን ወዘተ ይርከቦም።

ካብ እምባ ኦምበርይ ዝርኣ ትርኢት ናይ ባሕሪ ቬተርን። ኣብ ዝባን ባይታ ደባን ሰማይ ዘለዎ ሓደ ልሙዕ ጫካ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ኦደስሆግ፡ መንግስታውን መውዓሊ-ህጻናትን ግላዊ ክሪስትያናዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ መውዓሊ-ህጻናትን ይርከብ። ካብ ኣዚለ ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ ዘለዉ ህጻናት ቅድምን ድሕርን ትምርህቲ ኣብ ነጻ መውዓሊ-ህጻናት ክጸንሑ ይኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

እታ ብምምሕዳር ከተማ እትውነንን እትመሓደርን ቤት-ትምርህቲ ኦደስሆግ፡ ሓደ ዓይነት ስርዓትን ክብርታትን ዘለዋ ቤት-ትምርህቲ እያ። እቲ ዝዓበየ ትምህርታዊ ክፍሊ፡ እቲ ካብ ኣዚለ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ትምርህቲ ዝወሃበሉ ቤት-ትምርህቲ ፍሪድጁቭ በርስኩላን እዩ። ቤት-ትምርህቲ ሊሲንግ ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ደረጃ ትምርህቲ ይወሃብ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝምልከት ኣብ ከተማ ኦደስሆግ፡ እቲ ሓፈሻዊ መስመር ትምርህቲ ጥርያ እዩ ዝወሃብ። ካልእ ዓይነት መስመራት ትምርህቲ ካልኣይ ደረጃ ዳርጋ መብዛሕትኡ ኣብ ካልኦት ከተማታት እዩ ዝወሃብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ኦደስሆግስ ኣማኻሪ ትምርህትን ሞያን ኣሎ። እዚ ኣማኽሪ'ዚ፡ ንቀጻሊ ትምርህትን ሞያዊ ምርጫታትን ከዛራርበኩምን ክመያየጠኩምን ድሉው እዩ። ነቲ ኣብቲ ከተማ ዝወሃብ ትምህርታት ከትምዝምዝዎ ዕድላት ክፉት እዩ። ብቐረባ እትርከብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ከተማ ሊንሾፒንን ኮይና፡ ኣብ ዮንሾፒንን ውን ትካል ላዕለዋይ ደረጃ ትምርህቲ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኦደስሆግ ናይ ዞባ ሕክምና ኣላ። እዛ ሕክምና እዚኣ ፍሉይ ናይ ቆልዑ ክፍሊ ውን ኣለዋ። ኣብ ተመሳሳሊ ህንጻ ፋርማሲ ከምኡ ውን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣላ። ህጹጽ ጥዕናዊ ጸገም ወይ ውን መጕዳእቲ ምስ ዘጋጥም ግን ብቕጽበት ናብ ህጹጽ ሕክምና ከተማ ሞታላ ክትከዱ ኣለኩም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርክባት ተርጓሚ ክቁጸረልኩም ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

መኪና ምስ ዘይህልወኩም፡ ብኣውቶቡስ ካብን ናብን ክትጎዓዙ ትኽእሉ። ዝቐረበ መውፈሪ-ባቡራት ኣብ ከተማ ምዮልቢ ይርከብ። ኣውቶቡስ ምስ ናይ ኣውራጃ ምብራቕ ዮታ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ክትጎዓዙ ትኽእሉ። ባቡር ከኣ ምስ ሃገራዊ መስመር ባቡራት ሽወደን ማለት ኤስጀይ ክትጎዓዙ ትኽእሉ።

SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ዝበዝሐ ዕድላት ስራሕ ኣብ ክተማ ኦደስሆግ ኣብ ሕርሻን ኣግራብን፡ ፋብሪካታት፡ ምጕሓፍን ከምኡ ውን ኣብ ምእላይ ዓበይትን ሕሙማትን እዩ። እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ከኣ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ እዩ። ዓበይቲ ትካላት ኣብ ከተማታት ምዮልቢ (ንኣብነት ከም ፋብሪካ ቶዮታ ኣውሮጳ) ከምኡ ውን ኣብ ከተማ ቨደሽታድ (ፋብሪካ ቨደሽታድ) ይርከባ።