Söderköping

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሶደርሾፒንግ ኮምዩን ካብተን ናይ ዩኒቨርሲቲ ከተማታት ኖርሾፒንግን ሊንሾፒንግን ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ኮይና፡ ኣብ ኦስተርዮታኩስተን ትርከብ። ኣብዛ ናይ ማእከላይ ዘመን ሱር ዘለዋ ምጭውቲ ከተማ ፍርቂ ናይቲ ተቐማጣይ ይነብር። እቲ ካልእ ፍርቂ ድማ ኣብቲ ከባቢ ገጠራትን ነኣሽቱ ዓድታትን ይነብር።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ኣብ እዋን ምሸት ዝበርሃት ሶደርሾፒን።

እቲ ናይ ዮታ ካናል ብማእከል ሶደርሾፒንግ ይሓልፍ፡ ብግዜ ሓጋይ ድማ ኣብቲ ገማግም ካናል ዘሎ ቦታ ብኣብያተመግን ድኳናትን በቲ "Smultronstället". እተባህለ ናይ ሽወደን ዝዓበየ ናይ ቨትሮ ቤትመግብን የንጸባርቕ። ናይ ቅድስቲ ሃና እኩብ ወደባት፡ ሓደ ካብ ናይ ሽወደን ገማግም ባሕሪ ዝጸበቐን ደሴታት ዝበሖን ኮይኑ ብዙሓት በጻሕትን ናይ ግዜ ሓጋይ ተቐማጦን ኣለዉዎ። ገለ ኣማኢት ኣብቲ ከባቢ ምሉእ ዓመት ይቕመጡ፡ መብዛሕትኦም ናይተን ኣብ ቱሪዝምን ኢደጥበብን እተዋፈራ ነኣሽቱ ዋኒናት ወነንቲ እዮም። ውሕስነት፡ ክፉትነትን ምትሕልላይን ናይ ኮምዩና ሕላገት እዩ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምና!

ጕጅለ ሰባት ኣብ ጐኒ ዮታ ካናል ንዙረት ተኣኪቦም ኣለዉ።
ሰባት ኣብ ወሰናስን ዮታ ካናል ብእግሮም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ኣብ ሓደ ወሃብ ኣገልግሎት ሰባት ጀላቶ ይበልዑ ኣለዉ። ብድሕሪት ጀላቡ ኣብቲ መትረብ ዓሺገን ኣለዋ።

መንበሪ-ገዛ

Ramunderstaden እተባህለ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣብቲ ከተማ ብዙሕ ዝካረ ገዛ ኣለዎ፡ ን2015 ድማ ብዙሕ ኪሰርሕ ውጥን ኣለዎ። ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣባይቲውን ኣለዉ።

ትርኢት ናይ ኣግራብ ብድሕሪት ዘለዎ ህንጻታት ናይ ሶደርሾፒን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

በቶም ኣብ ወጻኢ እተወልዱ ናይ ኮምዩንና ተቐማጦ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ቦስንያ፡ ስፓኛ፡ ታይላንድ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ናይ ሶደርሾፒንግ ወብሳይት ብዛዕባተን ኣብ ስፖርትን ባህልን ካልእን እተዋፈራ እተፈላለያ ማሕበራት ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

እቲ ኣብ ናይ ስቲንሰን ረሰሳንትሩም ዘሎ ናይ ሓበሬታ ቤትጽሕፈት ብዛዕባ ማሕበራዊ ርክባት ይተሓባበር። ኣብኡ ናይ ሶደርሾፒንግ ቤትንባብ ኣሎ። እቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣብ ሃጋቶርየት ይርከብ። ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ናይ ስደተኛታት መቐበልን ኣብ ሳምቨርካንሁሰት ይርከብ። ኣብቲ ከተማ ሰለስተ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ፤ ቀዪሕ መስቀል፡ ብሮ ባጋግናትን ኦተርቪኒንገንን።

ናይ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈትን ቤት ንባብን ዘለዎ ህንጻ ስቲንሰን። ኣብቲ ብግዳም ዘሎ ኣደባባይ ክልተ መንእሰያት ኣብ ጥቓ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።
ሓደ ብሩህ መዓልቲ ብሰባት ዝመልኣ ኣደባባይ ቤት ምኽሪ ኣብ ሶደርሾፒን።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ምእላይ ህጻናት ከም ኮሙናውን ብሕታውን ኮይኑ ኣብ ኩሉቲ ኮምዩን ኣሎ። ክፉታት ኣብያተትምህርት ህጻናት ኣብቲ ፋሚልየሰንትራለን ከምኡ ድማ ብናይ ክርስትያን ሰበኻን ዚካየድ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብቲ ከተማን ኣብ ገጠር ዚርከባ ነኣሽቱ ከተማታትን ይርከብ። ዋልዶርፍሪስኩላ ኣብቲ ከተማ ኣሎ። ኣብቲ ከተማ ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ሶደርሾፒንግ ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኒስትረምስካ ቤትትምህርቲ እተፈላለየ ናይ ካልኣይ ደረጃ መደባትን ንመንእሰያት ዝዓለመ ናይ ቋንቋ መእተውን ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ጽፍሒ ዘለዎ ኮምቩክስ፡ ከምኡውን ንዓበይቲ ዝዓለመ ብካልኣይ ደረጃ ዚወሃብ ናይ ሞያ ስልጠና፡ ናይ ተልመዴን ስልጠና፡ ናይ ኮለጅ ስልጠና፡ ኤስኤፍኢን ኢንትሮቩክስን ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሶደርሾፒንግ ሓንቲ ብወረዳ እትመሓደር ማእከል ጥዕናን ሓንቲ ብብሕቲ፡ ጀርያ፡ እትመሓደር ማእከል ጥዕናን ኣሎዋ። ኣብቲ ከተማ ህዝባዊ ሕክምና ስንን፡ ብዙሓት ብሕታውያን ሓከምቲ ስንን ኣለዉ።

ኣብኡ ብምትሕብባር ወረዳዊ ቤትምኽርን ኮምዩንን እትመሓደር ሓንቲ ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻንን ዘለዋ ፋሚልየሰንትራል ኣላ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቶም ኣብቲ ምስ ኩሉ ሽወደናውያን ትካላት ዚገብሩዎ ርክባት ተርጓማይ ዘድልዮም፡ ኪህሉዎም መሰል ኣለዎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ኦስትዮታትራፊከን ኣውቶቡሳት ንኹሉቲ ኮምዩን የገልግላ፡ ክሳዕ ቫልደማሽቪክን ኖርሾፒንግን ድማ መስመራት ኣለወን። ካብ ኖርሾፒንግ ክሳብ ሊንሾፒንግን ካልኦት ነኣሽቱ ከተማታትን ናይ ተመላላሲት ባቡር ወይ ፐንደልቶግ ኣገልግሎት ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሶደርሾፒንግ ናይቲ ኮምዩን ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብኡ ብዙሓት ኣብ ንግዲ እተዋፈራ ነኣሽቱ ፋብሪካታትን ዋኒናትን ኣሎዋ፡ ከም ንኣብነት፡ ግሮሰሪታት። ኣብ ኖርሾፒንግ ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት፡ ሓያሎ ዓበይቲ ዋኒናትን ህዝባዊ ትካላትን ኣለዋ።