Ydre

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኢድረ፡ ሓንቲ ካብቶም ነኣሽቱ ምምሕዳራዊ ከተማታት ሽወደን እያ። ጽዑቕ ኣግራብ ዘለዎ ከባቢታት፡ ሰፊሕ ናይ መገሃጫ መሬትን ብኣማኢት ዝቍጸሩ ወሓይዛት ገለ ካብ መለዪታት ናይታ ከተማ እዩም። ኣብዚ ከተማ’ዚ፡ መሳጢ ተፍጥሮኣዊ ከባብን ማሕበርራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ጥቓኻ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እቲ መለለዪ ዓበይቲ ከተማታት ዝኾነ ሸበድበድን ጭንቀትን ኣብዚ ቦታ’ዚ ፈጺሙ ብኹር እዩ። መብዛሕትኦም ነባሮ ከተማ ኢድረ፡ ኣብ መዳይ ምስናዕ ኣብ እንዱስትሪታት፡ ኣብ ንግዲ፡ ምስ መሬትን ኣግራብን ዝተተሓሓዘ ስራሓውትን ከምኡ ውን ኣብ መዳይ ህዝባዊ ምምሕዳርን ዝሰርሑ እዮም።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ምምሕዳር ከተማ ኢድረ ንኣርባዕተ ንኡሳት ዓድታት ኦስተርቢሞ፡ ሄስትራ ሩድስነስን ኣስቢን ይሓቁፍ። ካብዘን ዓዲታት ኦስተርቢሞ እታ ዝዓበየት ኮይና፡ ኣስታት 860 ተቐማጦ ኣለዉዋ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ብርክት ዝበለ ዝካረ ኣባይቲ ይርከብ። ኣብ ሄስትራ ኣስታት 480 ተቐማጦ ኣለዉዋ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ሄስትራ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቪላታት ይቕመጡ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ውን እንተኾነ ዝካረ ኣባይቲ ኣሎ። ሪድስኔስ ብወገና ኣስታት 290 ተቐማጦ ሃልዮማ መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቪላታት ይቕመጡ። ኣስቢ ብወገና 190 ተቐማጦ ሃልዮማ መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቪላታት ይቕመጡ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ውን እንተኾነ ዝካረ ኣባይቲ ኣሎ። መብዛሕትኡ ኣብዚ ቦታ ዝርከብ ክራይ ኣባይቲ በታ ብምምሕዳር ናይቲ ከባቢ እትውነን ኢድረስቡስታደር ዝውነን ዝመሓደርን እዩ። እዛ ትካል እዚኣ፡ ኣስታት 270 ዝካረ-ኣባይቲ ኣለዋ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ ኣስታት 1800 ስድራ-ቤታትን 1200 ድማ፡ ናይ መዘናግዒ ወይ መናፈሲ ኣባይቲ ይርከብ።

ሓደ ክልተ ኣፍራስ ዝሓዘ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ኦስብይ ዱኳን ሃገረ ሰብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሽወደነኛ፡ ጀርመነኛ፡ ዳች (ሆላንደኛ)፡ ቋንቋ ደንማርክ፡ ፊንላንድ ቦስንያ፡ ሶማለኛ፡ ዓረበኛ፡ ዳሪ፡ ፋርሲ (ኢራነኛ) ገለ ካብቶም ኣብዚ ቦታ ዝርከቡ ወይ ዝዝዝረበሎም ቋንቋታት እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ፡ ናይ ሽወደን ቤተ-ክርስትያን፡ ናይ ፒንጋውያን ቤት-ክርስትያን፡ ናይ ሚስዮናውያን ቤተ-ክርስትያን ከምኡ ውን ኣስታት 100 ማሕበራት ምንጥፈት ኣብ ምውሳእ ይርከባ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ንኡስ-ዞባ ኦስተርቢሙ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ቤት-ጽሕፈት መቐበሊ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ማእከል-ጥዕና፡ ፋርማሲ፡ ማእከል ሓበሬታ ንበጻሕቲ፡ ድኳናት ዘገልገል ንብረትን ኣቍሑን፡ ድኳናት መዓልታዊ ሃለኽቲ (ኣስቤዛ)፡ ባንኪ፡ ድኳን ዕንባባታት፡ ቤት-መሸጣ ሓጺነ-መጺን፡ ኣብያተ-መግብን እንዳ-ሻሂታትን ይክረብ። ካብ ንኡስ-ዞባ ሄስትራ ናብ ኦስተርቢሙ ወይ ትራኖስ ብኣውቶቡስ ኣስታት 20 ደቒቕ ኣቢሉ ይወስድ። ኣብ ንኡስ-ዞባ ኣስቢ ከባብያዊ ዕዳጋን ድኳናት ዘገልገለ ንብረትን ውን ይርከብ። ኣብቲ ኣብ ኣስቢ ዝርከብ ዓቐበት ኣብ እዋን በረደ ዝተፈላለየ ናይ በረድ ጸወታታት ከም ምንሽርታት ይካየድ። ኣብ ምሉእ ምምሕዳር ከባቢታት ዳርጋ ብቐረባ ኣብ ባሕሪ ናይ መሐንበሲ ቦታታት ኣሎ። ኣብ እዋን ሓጋይ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ባሕሪ ሌገርን ባሕሪ ሱምመን ዝካየድ፡ ንኹሎም ተመሃሮ ናይ ምሕንባስ ትምርህቲ የዳልወሎም።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኦስተርብይሙ ሰንትሩም ኣብ ሓደ ነዊሕ ኮፍ መበሊ ኮፍ ኢላ ኣላ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዘሎ ህንጻ ካልእ ገዲፍካ ቤት ንባብን ማእከል ክንክን ጥዕናን ኣሎ።
እቲ ኦስተርብይሙ ዘሎ ዕዳጋ ብዙሓት በጻሕቲ ስሒቡ ኣሎ።
ትርኢት ናይ ባሕሪ ሶመንን መሬት መስፍንን (ኣብ ማእከሉ ዓቢ ገዛ ዘለዎ መሬት)። ብድሕሪት ጫካ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኩለን ንኡሳን ዓዲታት ምምሕዳር ከተማ ኢድረ፡ ነጻ መውዓሊ-ህጻናትን ናይ መዘናግዒ-ማእከላት ህጻናትን ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ቤት-ትምህርቲ ኢድረ (ኣብ ኦስተርቢሙ ትርከብ) - ኣዚለ ክሳብ 3ይ፡ 4ይ ክሳብ 5ይ፡ 6ይ ክሳብ 9ይ ተመሃሮ ተአንግድ።

ሄስትራስኩላን (ኣብ ሄስትራ ትርከብ) - ኣዚለ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ተመሃሮ ተአንግድ።

ናይ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ከተማታት ትራኖስ ከምኡ ውን ኤክሾ ይርከባ።

ዕድላት ትምህርቲ

ምምሕዳር ከተማ ኢድረ ትምርህቲ ዓበይትን ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ካብ ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ከተማታት ይዕድጎ። ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ኣብቲ ኣብ ከተማ ትራኖስ ዝርከብ ቬስትራ ቩክስ ላርሰንትሩም ዝበሃል ማእከል ትምህርቲ ይወሃብ እዩ። ካብ ኦስተርቢሙ ናብዚ ማእከል'ዚ ንምኻድ 45 ደቂቓ ኣቢሉ ዝወስድ ኮይኑ፡ ኣውቶቡስ ቁጽሪ 630 ሒዝኩም ክትከዱ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኦስተርቢሙ፡ ማእከል-ጥዕና፡ ሕክምና ህጻናት፡ ሕክምና ኣዴታት፡ ሕክምና-ስኒ ከምኡ ውን ፋርማሲ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ክፍሊ ምምሕዳር ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ካልእ መንግስታዊ ትካላትን ኣብ ዝግበር ርኽክባት፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ብተለፎን ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ ብዝምልከት፡ ኣውቶቡስ ቁጽሪ 630 ንኣብነት ካብን ናብን ኦስተርቢሙን ትራኖስን ትመላለስ። ካብ ትራኖስ ብባቡት ናብ ከተማታት ሊንሾፒን ስቶክሆልም ወይን ናብ ኔኾ ወይ ውን ዮንሾፒን ክትከዱ ትኽእሉ። ኣውቶቡስ ቁጽሪ 631 ካብን ናብን ኦስተርቢሙን ኤክኾን ትመላለስ። ካብ ኤክኾ ብከባብያዊ ነኣሽቱ ባቡራት (ክሮሳ-ቶገት) ናብ ኔኾ፡ ዮንሾፒንግ፡ ዮተቦሪ ቨክኾን ወይ ውን ካብኡ ናብ ካልእ ከተማታት ክትቕይሩ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ ብነኣሽቱን መእከሎትን ትካላት ዝተዓብለለ እዩ። መብዛሕትአን ኣብዚ ከባቢ ዝርከባ ትካላት ብሓደ ሰብ ዝወነና ወይ ውን ኣዝዮም ውሑዳት ሰራሕተኛታት ዝቆጸራ ትካላት እየን። ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከተማ ኢድረ ኣብ መዳይ መሬትን ኣግራብን ዝሰርሑ ሰባት ኣዝዩ ዓቢ እዩ። መብዛሕታኦም ነባሮ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ መዳይ ኢንዱስትሪ ተቆጺሮም ዝሰርሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ፡ ኣብ መዳይ ሕክምናን ክንክንን ተቆጺረን ይሰርሓ። ብተመሳሳሊ ህንጻዊ መዳይ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ክኸውን እንከሎ፡ ትምህርታዊ ጽላት ከኣ ብደቂ-ኣንስትዮ ዝተባሕተ እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ፡ እቶም ዓበይቲ ወሃብቲ-ስራሕ ትካላት ካምፊል፡ ኢድረ ስኮፕ፡ ኢድረ ግሪንደን ይርከብዎም። መብዛሕትኦም ነባሮ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ፡ ናብ ከተማታት ትራኖስን ኤክኾን እንዳተመላለሱ ይሰርሑ። ኣብ ጽላት ህዝባዊ ምምሕዳር እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ፡ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ ባዕሉ እዩ። ኣብ ብሕታዊ ጽላት በቲ ሓደ ወገን እቲ ዝዓበየ ኣስራሒ ትካል ቦሽ ተርሞተክኒክ፡ ስትሮምስሆልመን፡ ኦኢኤም ከምኡ ውን ኢኤፍጂ ይርከብዎም። ኣብ ከተማ ኤክኾ መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይሰርሑ።