Åtvidaberg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦትቪዳባሪ ምሩጽ ኣቀማምጣ ሃልይዋ፡ ኣብ መንጎ ገምገም ባሕሪን ዓበይቲ ከተማታትን ትርከብ። ሃብታም ተፈጥሮኣዊ ኣከባቢ፡ ባሕሪ፡ መሐንበሲ ቦታታት፡ እንስሳዊ ሃብትን ጽሩይ ኣየርን ገለ ካብ መለለዪ ጸጋታት ኦትቪዳባሪ እዩ። ብዜካዚ ኦትቪዳባሪ ብኡንድስትርን ኩዕሶ እግርን ውን ሃብታም ታሪኽ ኣለዋ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ስእሊ ካብ ነፋሪት ናይ ቁሸት ኦትቪዳበርይ።  ብርሑቕ ሓደ ባሕርን ጫካን ይርኣ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ንመንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ንሓላፊ ናብዚ ዝስዕብ ቁጽሪ-ስልኪ ወረዳ (ኮምዩን) ብምድዋል፡ መስርሕ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ክትውከሱ ትኽእሉ።

ቁጽሪ ስልኪ 0120-830 00

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብመሰረት ስምምዕ ምስ ምምሕዳር ኣውራጃ እዚ ከተማ'ዚ ኣብ ዓመት 20 ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ስደተኛታት ይቕበል። እቶም ተዛረብቲ ናይ ዘተፈላለየ ቋንቋታት ዝኾኑ ኣብዚ ዝርከቡ ጉጅሌታት ምስ ምምጻእን ምግዓዝን ብዝተተሓሓዘ ቁጽሮም ክንእስን ክዓብን ይኽእል። ኣብዚ ቦታ ዝርከቡ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ንሓላፊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሕተቱ።

ኣደባባይ ኣብ ኦትቪዳበርይ። ብድሕሪት ኣብ ጥቓ ሓደ ኣረጊት ገዛ ዝዓሸጋ መኻይን ይርኣያ ኣለዋ። ብቕድሚት ሓደ ግድብ ኣሎ።
ደሴት ትራፊክ ኣብ ኦትቪዳበርይ። ኣብቲ ደሴት ትራፊክ ዕንባባታትን ሓደ ናይ ኵዕሶ እግሪ መልክዕ ዘለዎ ስርሓት ጥበብን ኣሎ። ብድሕሪት ሓደ ቀይሕ ድልድል ይርኣ ኣሎ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ማሕበራት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት እምበር ኣብዚ ቦታ ህልዋት ኣይኮናን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ኦትቪዳባሪ ድኳናት መዓልታዊ ሃለኽቲ፡ ነኣሽቱ ቡቲካት፡ ቤት-ንባብ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ድኳን ሓራጅ ንብረት፡ ቤት-ትምርህቲ ህጻናት፡ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት፡ ኣገልግሎት ፖስጣ ይርከብ። ዓበይቲ ናይ ክዳውንቲ ቡቲካት ኣብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማታት ኦትቪዳበሪ፡ ግረቡን ብዩርሰተርን ኣብየተ-ትምርህቲ ወይ መውዓሊ ህጻናት ኣሎ። መውዓሊ ናይ ህጻን ቦታ ንኽትረክብ ኣስታት 4 ወርሒ ኣቢሉ ይወስድ። ንመውዓሊ ህጻናት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ሓላፊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ማእከል

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ማእከል ከተማ ናይቲ ከባቢ ዝኾነ ኦትቪዳባሪን ከምኡ ውን ኣብ ዓዲታት ግረቦን ብዩርሰተርን መባእታዊ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ኣሎ። ኣብ ኦትቪዳበሪ ከኣ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምርህቲ ኣለዋ። እዛ ቤት-ትምህርቲ ዚኣ ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓይነት ትምርህቲ ካልኣይ ደረጃ ተአንግድ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብ ኦትቪዳበሪ ኣሎ። ንኣብነት ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ከምኡ ውን ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ውን ኣብዚ ቦታ ይእንገድ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኦትቪዳበሪ ማእከል ጥዕና፡ ማእከል ክንክን ኣዴታት፡ ሕክምና ቆልዑ ከምኡ ውን ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትራኸቡሉ ግዜ ናይ ቋንቋ ድጋፍ ብተርጓማይ ይግበረልኩም እዩ። ተርጎምቲ ብቀሊሉ ብተለፎን ክግበር ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ኦትቪዳበሪ መሳለጥያ መጎዓዝያ ብዝምልከት ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ኣለዋ። ንኣብነት ካብን ናብን ኦትቪዳበሪን ሊንሾፒንን ዘጎዓዕዛ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። ባቡራት ውን ብተመሳሳሊ ካብ ኦትቪዳበሪን ሊንሾፒንን ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ኦትቪዳበሪን ቨስተርቪክን ኣለዋ።

ንሰዓታት ንቅሎ ወዘተ ብዝምልከት ኣብዝ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ምብራቕ ዮታ ናይቲ ዞባ ብምእታው ትረኽብዎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

መብዛሕትኦም ዓበይቲ ኣስራሕቲ ኣብቲ ኣብ ጥቓና ዝርከብ ከተማ ሊንሾፒን እዮም ዝርከቡ። ኣብ ኦትቪዳበሪ ከኣ፡ ብዙሓት ወነንቲ ነኣሽቱ ትካላት ወይ ነኣሽቱ ኣስራሕቲ ኣለዉ። ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ኦትቪዳበሪ ዳርጋ ከም ካልኦት ትመሳሳሊ ዕብየት ዘለወን ከተማታት ሽወደን እዩ።

ዓቢ መሬት ሕርሻ ኣደልስኔስ ብርሑቕ። ኣብ ቅድሚ እታ ጽብቕቲ በእማን ዝተሰርሐት ገዛ፡ ሓደ ሰፊሕ ዕንባባ ጽድያ ዘለዎ ናይ ሳዕሪ መሬት ይርኣ ኣሎ።
ናብ ባሕሪ ገጹ ዘምርሕ ናይ ዕንጨቲ ድልድል። በቲ ኻልእ ሸነኽ ናይቲ ባሕሪ ሓደ ጻዕዳ ህንጻ ይርኣ ኣሎ።