Linköping

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ፡ ብደረጃ ሽወደን፡ ብዕብየቱ ሓሙሻይ ደረጃ ዝስራዕ ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣብ ፈጣን ናይ ምምዕባል መድረኽ ዝርከቡ ከተማታት ውን እዩ። ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ፡ 150,000 ተቐማጦ ኣለዉዎ። ማእከል ዓለማዊ ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ሓድሽ ሓሳብ ዝተሰረተት ዩኒቨርስቲ፡ ዉዕዉዕ ንግዳዊ ንጥፈታት ገለ ካብ መለለዪታት ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ ብድሕሪት ኣግራብ ብዮርክ ዘለዎ ህንጻታት ኣብ ሊንሾፒን።

ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሞተረታት ፈጣን ዕብየት ናይ'ዚ ዞባ፡ እቲ ኣብ መንጎ ንግዳዊ ጽላት፡ ምምሕዳር ከተማን እታ ኣብቲ ከተማን እትርከብ ዩኒቨርስትን ዘሎ ምውህሃድን ከምኡ ውን ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ከተማታት ዝግበር፡ ምትሕግጋዛትን እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ሊንሶፒንግ፡ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ የላን። ንባዶ ዝካረ-ኣባይቲ ዝምልከት ሕቶታት ከምኡ ውን ገዛ ንምርካብ ዝግበር መስርዕን ባዕለን እተን ትካላት እየን ዘመሓድርኦ። እዚ ኾይኑ ግን፡ ምምሕዳር ከተማ ምስተን ትካላት ብምትሕብባር፡ እተን ትካላት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ምልክታታተን ክልጥፋ ምእንቲ ዝተሰመማዕሎም፡ ክማልኡ ዝግብኦም ቅጥዕታት፡ ኣለዉ። ምምሕዳር ከተማ ብወገኑ፡ ሪጋ ናይ ዝግዛእ ነጻ መሬት ኣለዎ። መሬት ክገዝእ ንዝደሊ ብዙሕ ኣብ ሪጋ ምጽባይ ኣየድልን እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ሊንሶፒንግ ብርክት ዝበሉ ካልኦት ቋንቋታት ዝዛረቡ ነባሮ ኣለዉ። እተን ዝዓበየ ኣብዚ ዞባ ዝዝረበለን ቋንቋታት ከኣ፡ ሶማለኛ፡ ዓረበኛ፡ ሮማኒ፡ ኢራነኛ፡ ሶራኒንን እንግሊዝኛን ይርከብአን።

እቶም ካልእ ቋንቋ-ኣደ ዘለዎም ህጻናት ይኹን ቆልዑ፡ ኣብ መባእታዊ ይኹን ካልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ፡ ናይ ቋንቋ-ኣደ ትምህርቲ፡ ክወሃቦም ይኽእል።

ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ ነቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬትኡ ዝርከብ ዝተፈላለየ ኣገዳሲ ሓበሬታታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ከም ዝትርጎም ጌሩ ቀሪብዎ ይርከብ። እዚ ሓበሬታ'ዚ፡ ንኣገልግሎት ክንክን ቆልዑ፡ ትምህርቲ፡ ቁጠባዊ-ሓገዝ፡ ተሓባበርቲ ወልዲ (ጉድማን)፡ ኣገልግሎት ክንክንን ምሕብሓብን ዓበይቲ ከምኡ ውን ንቤት-ንባብን ዝምልከት ሓበሬታታት ዝሓዘለ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ በዘን ዝስዕባ ቋንቋታት ኣለኩም፡ ዓረበኛ፡ ሶማለኛ፡ ኢራነኛ፡ ሩማኒ፡ ሱራኒ፡ እንግሊዝኛ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

መብዛሕትኦም ተቐማጦ ከተማ ሊንሾፒንግ፡ ኣብተን ኣብቲ ከተማ ዝርከባ ማሕበራት ተጸንቢሮም ብንጥፈት ይዋስኡ። እተን ኣብዚ ከተማ ዝርከባ ማሕበራት፡ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ መዳይ ስፖርት፡ ጸወታ ቼስ፡ ሚዚቃ፡ ስነ-ጥበብ፡ እንስሳታትን ተፈጥሮ፡ ጽወታታት ኣልፒንን ታሪኽን፡ ይነጥፋ። ተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ እዘን ማሕበራት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው፡ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ፡ ክልተ ኣብያተ-ጽሕፈት ዜጋታት (ሜድቦርያር-ኮንቱር) ይርከባ። እታ ሓንቲ ኣብ ማእከል ከተማ እታ ካልኣይቲ ከኣ፡ ኣብ ዃገቶርፕ ይርከባ። እዘን ኣብያተ ጽሕፈታት ንዘለኩም ሕቶታት ክምልሱን ዝተፈላለየ ሓበሬታን ምኽርን ክህቡኹም ውን ይኽእሉ። ብዜካ'ዚ ኣብ ከተማ ሊንሾፒንግ ውን ኣብያተ-ጽሕፈታት መንገስቲ ማለት፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ቤት-ጽሕፈት በዓል-መዚ ቐረጽ ከምኡ ውን ቤት-ጽሕፈት ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት) ይርከብ። ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሊንሾፒንግ፡ ብርክት ዝበላ ድኳናት፡ ኣብያተ-መግብን ይርከብ። ካብ ከተማ ውጽእ ኢልካ ውን ኣብቲ ብቶርንቢ ዝፍለጥ ከባቢ፡ ሰፊሕ ማእከል-ዕድጊ ኣሎ። ብዜካ'ዚ ኣብዚ ከተማ'ዚ ውን ብርክት ዝበላ ድኳናት ዘገልገለ ንብረት፡ ክዳውንትን ካልእን ይርከባ። ኣብ ሊንሶፒንግ፡ ብርክት ዝበለ መሐንበሲ-ማእከላት፡ ማእከል ስፖርታዊ ንጥፈታትን መጻወቲ ሜዳታት ኩዕሶ፡ ኢስሆኪ ካልእ ሜዳታት ስፖርታዊ ንጥፈታትን ይርከብ። ነቶም፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 13 ክሳብ 16 ዘለዉ ትሕቲ-ዕድመ ህጻናት ዝዓለመ ንጥፈታት ውን ብምምሕዳር ከተማ ዝምእከል ኣሎ።

ኣብ ሓደ ኣደባባይ ናይ ሊንሾፒን ሓደ ጕጅለ ሰባት ኣብ ዙርያ ሓደ ዝሽየጥ ኣቑሑት ዝርኣየሉ ዕዳጋ ተኣኪቦም ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝኸውን ናይ መውዓሊ-ህጻናትን ማእከል-ክንክን ህጻናትን ኣብዚ ምምሕዳር ከተማ'ዚ ኣሎ እዩ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ፡ መንግስታውን ናይ ብሕትን ማእከላት መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ፡ ኣገልግሎታት ንምውድዳር እትጥቀሙሉ ገጻት ብምእታው ነቲ ብተን ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ዝርከባ መውዓሊ-ህጻናት፡ ማእከል-ክንክን ህጻናት፡ መጽንሒ-ህጻናት ከምኡ ውን ክፉት ማእከል ንጥፈታት ህጻናት፡ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ብሉጽነቱ ከተወዳድሩ ትኽእሉ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ ብርክት ዝበላ ክፉት መውዓሊ-ህጻናትን ማእከል-ስድራቤታትን ውን ኣለዋ። ኣብ ክፉት መውዓሊ-ህጻናት፡ ነኣሽቱ ህጻናት ዘለዎም ወለዲ ክራኸቡ ይኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሊንሾፒንግ፡ ኣስታት 56 ናይ መባእታዊ-ደረጃ፡ 17 ከኣ ናይ ማእከላይ-ደረጃ ኣብያተ ትምህርታት ይርከብ። ኣዘን ኣብያተ-ትምህርታት መንግስታውያንን ብሕታውያንን ኮይነን ኣተፈላለየ ትምህርታዊ ኣንፈታት ኣለወን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ፡ ኣገልግሎታት ንምውድዳር እትጥቀሙሉ ገጻት ብምእታው ነቲ ብተን ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ዝርከባ መባእታዊ-ኣብያተ ትምህርታት፡ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት፡ ከምኡ ውን ፍሉይ ኣብያተ-ትምህርታት፡ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ትምህርቲ ብሉጽነቱ ከተወዳድሩ ትኽእሉ። ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ ተመሃሮ ቅድሚ ናብ ስሩዕ ትምህርቲ ምጽንባሮም ኣብ ኣህጉራዊ መእተዊ-መደብ ከም ዝሳተፉ ይግበር።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ከተማ ሊንሾፒንግ፡ ሓንቲ ዓባይ ዩኒቨርስቲ፡ ብርክት ዝበላ ህዝባዊ ኣብያተ-ትምህርትታት (ፎልክሆግስኩላ) ከምኡ ውን ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ይርከብ። መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ)፡ ነቶም ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጻእኩም ሰባት ዝምልከት ኮይኑ፡ መሰረታት ቋንቋ ሽወደን ንኽትመሃሩ ድማ፡ ይሕግዘኩም።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ 1177 ቮርድጋይደን ሕቶታት ክትሓትትን ምኽሪ ክትረክብን፡ ከምኡ'ውን ዝተኣከበ ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕናንን ኣገልግሎት ሕክምናን ኣብ ሊንክሾፒንግ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናብ መርበብ ሓበሬታ www.1177.se ክትበጽሕ ወይ ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ናብ ምምሕዳር ዞባ ኦስተርዮትላንድ እውን ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ኣብ መዳያት ኣኼባ ወለዲ፡ ምምዕባላዊ-ዝርርብ ከምኡ ውን ኣብ ጽላት ማሕበራዊ ምምሕዳር፡ ወትሩ ምምሕዳር ከተማ ተርጎምቲ ይቕርብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ማእከል ከተማ ሊንሾፒንግ፡ ሕምብርቲ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን መጎዓዝያ ዝኾነ፡ ማእከል መጎዓዝያ ዞባ ይርከብ። እቲ ብትካል መጎዓዝያ ኦስተርዮትላንድ ዝውነን ትካል ኦስትዮታትራፊክ ኣብ መንጎ ከተማታት፡ ኖርሾፒንግ፡ ሊንሶፒንግ፡ ምዮልቢን ትራኖስን ዝመላለሳ ስሩዓት ባቡራት መጎዓዝያ ኣለዎ። እቲ ብግቡእ ዝተሰረተ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ናይዚ ከባቢ፡ ካብን ናብን ከተማ ሊንሾፒንግ ብቐሊሉ ንምኻድን ምምላስን ስሉጥ ይገብሮ። ከባቢ ዘይሃስያ መካይን ክትልቕሑ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይታ ከተማ፡ ኣብቲ ቢልፑለር ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከላት ኣለዋኹም። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣብዛ ከተማ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኦስትዮታትራፊክ፡ ኣለኩም።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሊንሾፒንግ ኮሙን እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ፡ ሊንሾፒንግ ኮሙን፡ ዞባ ኦስተርጎትላንድ፡ ትካል ሳብ፡ ሊንሾፒንግ-ዩኒቨርስቲ ከምኡ'ውን ትካል ኤሪክሰንን እዮም።