ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ኰነ ኣብ ዓለም ይላባዕን ንሕማም ኮቪድ-19 የስዕብን ኣሎ። ዝርግሓ ናይዚ ቫይረስ ምግታእ ናይ ኵሉ ሰብ ሓላፍነት እዩ። ካብ ካልኦት ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ርሕቀትካ ሓሉ። ነቲ ዝርግሐ ለበዳ ደው ንምባሉ ምእንቲ ክትሕግዝ ተኸተብ። ምኽታብ ኣይክፈሎን እዩ።

ኣገደሲ ቍጽሪ ተለፎናት

  • ሃገራዊ መስመር ተሌፎን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ ብብዙሕ ቋንቋታት 08-123 680 00
  • ንሓፈሻዊ ሕቶታት ብዛዕባ ኮቪድ-19 ናብ 113 13 ደውል።
  • ኣብ ገዛኻ ኴንካ ነብስኻ ክትከናኸን ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንምኽሪ ሕክምናን ክንክንን ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ክትድውል ኣሎካ።
  • ንሂወት ኣብ ዘስግእ ኵነት ናብ 112 ደውል።

ተውሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይርስን ኮቪድ-19ን፤