ቤት ትምህርትን ደሞክራስን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ብዛዕባ ደሞክራሲ ብዙሕ ይዝረበሉ። ሓደ ካብቲ ዕላማታቱ ድማ፡ እቶም ተምሃሮ ምስ ዓበዩ፡ ተሳተፍትን ኣብቲ ሕብረተሰብ ድማ ሓላፍነት ዝስመዖምን ንክኾኑ እዩ።

    ቀደም ዝነበረ ኩነታት ትምህርቲ

    ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ካብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመንኣትሒዙ ኣዝዩ ብዙሕ ለውጢ ኣርእዩ'ዩ። ቀደም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ጽኑዓት መምርሒታት ነይሮም። መምህር፡ ንተማሃሮ ክሃርም መሰል ነይሩዎ። እዚ ኸኣ፡ 'ምቕጻዕ' ይብሃል። ክሳብ 1958 ዓ.ም ድማ፡ ይስርሓሉ ነይሩ። ድሕሪ'ዚ ዓመት'ዚ ግን ከም ዝኽልከል ተገይሩ።

    ተማሃሮ ንመምህሮም፡ ብስሙ ኣይጽውዑዎን ወይ "ኣታ" ኣይብሉዎን ነይሮም። ኣብ ክንድኡ ግን 'መምህር (fröken, magistern)' ይብሉዎ ነይሮም። ተማሃሮ፡ ካብ ቀዳመይቲ ዓመተ ትምህርቲ ኣትሒዞም፡ ከመይ ከም ዝሰርሑ ዝገልጽ ነጥቢ ይውሃቡ ነይሮም። ብኽልተ ወይ ሰለስተ ዓይነታት ትምህርቲ ዘይሓለፉ ተማሃሮ፡ ትምህርቲ ክደግሙ ይግደዱ ነይሮም።

    ቤት ትምህርቲ ሎሚ

    ሎሚ፡ ተማሃሮ ናጻ ክሓስቡ፡ ክምሃሩን ኣብ ትምህርቶም ባዕላቶም ክውስኑን ዘኽእላ ደሞክራሲያውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎዋና። መምህር፡ መራሒ ጒጅለ ናይ ተማሃሮ'ዩ። እቲ ኣብ መንጎ መምህርን ተማሃሮን ዘሎ ርክብ ግን ምዕሩይ እዩ።

    ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ካብ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ሰብኣውያን መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝብገሱ ክብርታት ኣሎወን። ክብሪ ክብሃል ከሎ፡ ከም መጠን ቆልዑ፡ መንእሰያትን ኣባጽሕን ንሕድሕድና ዘሎና ኣተሓሕዛ ይምልከት። እዚ ክብሃል ከሎ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፡ ዝኾነ ሰብ ብሕማቕ ክተሓዝ የብሉን ማለት'ዩ። ኣዋልድን ኣወዳትን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ዓይነት ዕድል ክህሉዎም ይግባእ። ተማሃሮ፡ ኣብ ኣኼባታትን ቤት ምኽሪ ተማሃሮን (klassmöten, klassråd) ብምስታፍ ነቲ ዝውሃብ ትምህርቲ ክጸልዉዎ ይኽእሉ።

    ቤት ትምህርትን ስድራቤትን

    ኣብ ሽወደን፡ ወለዲ፡ ኣብ ናይ ውላዶም ናይ ትምህርቲ ስራሓት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም። ወለዲ፡ መማህራንን ተማሃሮን፡ እቶም ቆልዑ ብዝተኻእለ መገዲ ደስ ኢሉዎም ክምሃሩ ዝኽእሉሉ ሃዋሁው ንምፍጣር፡ ብሓደ ሓቢሮም ይሰርሑ። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ነቶም ወለዲ፡ ኣብቲ ናይ ውላዶም ህይወት ንጡፋት ክኾኑ፡ ውላዶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እንታይ ይገብር ወይ ከመይ ከም ዘሎን ክፈልጡ ይደልዩዎም።

    ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንፈቐ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ወለድን ተማሃሮን ብሓደ ኮይኖም ዘተ ምዕባለ (utvecklingssamtal) የካይዱ። ኣብቲ ዝግበር ዘተ፡ ወለዲ ብህድኣት ምስ መማህራን ይዝትዩ። ቆልዑ እንታይ ሓገዝ ከም ዝደልዩ፡ ብኸመይ ከም ዝምዕብሉን ከም ዝምሃሩን ናይ ምዝርራብ ዕድል ኣሎ። ኣብቲ ዝግበር ዘተ ምዕባለ፡ እቲ መምህር 'ውልቃዊ መደብ ምዕባለ (utvecklingsplan, IUP)' የውጽእ። ካብ ሽወደንኛ ወጻኢ ዝኾነ ቋንቋ ኣደ እንተለካ: ኣብቲ ዝግበር ዘተ፡ ኣስተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ኣሎካ።

    እቲ ቤት ትምህርቲ: ወለዲ ሓበሬታ ንኽረኽቡን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝትግበሩ ስርሓት ድማ ኣበርክቶ ምእንቲ ክገብሩን 'ኣኼባታት ወለዲ (föräldramöten)' የካይድ'ዩ።

    ከም መጠን ወላዲ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ መጺእካ ኩሉ ነገራት ብኸመይ ከም ዝካየድን፡ ደቅኻ ከመይ ይኸዱ ከም ዘለዉን ክትዕዘብ ዕዱም ኢኻ። ሕቶታት ከተቕርብ ወይ ብዛዕባ ውላድካ ክትዘራረብ እንተ ደሊኻ'ውን ናብ መምህር ወይ ዳይረክተር ክትድውል ትኽእል ኢኻ።