Ragunda

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ራጉንዳ ኮምዩን ኣብቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ የምትላንድ እያ ዘላ። ንእሽቶ ኮምዩን ብምዃኑ ኩሉ ይፋለጥ እዩ። እዚ ድማ ናይ ድህንነትን ቅርበትን መንፈስ ይፈጥር። ንሕና ነንሕድሕድና ንተሓላለ ኢና። ናብቶም ሰበስልጣን ወይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቀረባ ኢና፡ ሪጋ ወይ መስርዕ ከኣ ኣይንፈልጥን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብድሕሪት ሓደ ጎቦ ዘለዎ ናይ ራጉንዳ ስንጭሮ ምስ ፋሕ ዝበለ ህንጻታት፡ ሸኻታትን ናይ ኢንዳል ፈለግን ዘርኢ ካብ ነፋሪት ስእሊ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ራጉንዳ፡ ኣብ ከተማታትና ቢስፕጎርደን፡ ስቱጉንን ሃማርስትራንድን ኣፓርትማታት ኣሎ። ራጉንዳ ቡስታድ፡ ገዛውቲ ዘራኽብ ሓደ ኮሙናላዊ ትካል ኣባይቲ እዩ፣ ግን ናይ ግሊ ወነንቲ ኣባይቲ ከም ንኣብነት ሱንድስቫልስ ቡስቴደርን ኮኣ ድሪፍትተክኒክ ናይ ብርኪ ትካልን (KA Driftteknik AB) ኣብ ቢስፕጎርደን ኣለዉ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከተማታት፡ መንበሪ ኣባይቲ ክትካረን ክትዕድግን ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ብብሕታዊ ረክላማት እዩ ዚቃላሕ፡ ከም Blocket ን Hemnet ን።

ብዛዕባ መንበሪ ኣብዚ ኮሙን ብዝያዳ ኣንብብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ራጉንዳ ኣስታት 30 ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ኣለዋ፡ ከም ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ዓረብ፡ በርማ፡ ስፓኛ፡ ፋርስ/ዳሪ፡ ቸክ፡ ስሎቫክን ነዘርላንድን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ብተፈጥሮ ምጭውቲ ራጉንዳ ብዙሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንጥፈታት ኣሎ። ኣርቲፊሻል ሳዕሪ፡ እተፈላለየ ናይ ስፖርት መሳለጥያታት፡ ናይ ኣፍራስ መጋለቢ፡ መወሳወሲ፡ ናይ ምንሽርታት ጎቦታት፡ ናይ በረድ ማኪና፡ ናይ መንሸራተቲ መገዲ ወዘተ። ብዛዕባ ደጋዊ ህይወት ዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ማሕበራት ከምኡውን ስካውት ኣብኡ ኣሎ።

ዓይነታት ባህሊ ሰፊሕ እዩ፡ ስለዚ ኣብኡ ንኹሉ ዕድመ ዝምሽኣን ግሩም ገጠራዊ ህይወት ዚፈጥራን ብዙሓት ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ናይ ባህሊ ቤትትምህርትና እቲ ኣብ ሽወደን ዝበለጸ እዩ!

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሰለስተ ከተማታትና፡ ማለት ቢስፕጎርደንን ሃማሽስራንድን ስቱጉንን፡ ግሮሰሪታት፡ ኣብያተመግቢ፡ ካፈታትን ቤትንባብን ኣሎ። ኣብ ሃማርሽስትራንድ ናይቲ ኮምዩን ቤትጽሕፈት፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ሲነማ፡ ፋርማሲ፡ መደበር ፖሊስን ብዙሕ ድኳናትን፡ ሰከንድሃንድ ቡቲክን ይርከብ። ናይቲ ኮምዩን ናይ ምውህሃድ ኣገልግሎት ኣብ ቢስፕጎርድን ሃማርሽስትራንድን ናይ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ኣለዎ።

ዓበይትን ቈልዑን ኣብ በረድ ይጻወቱ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ካብ ሓደ ዓቐብ ኣብ ስኖው ረሰር ንታሕቲ ገጾም ይወርዱ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኩለን ናይ ራጉንዳ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣብ ራጉንዳ ኮምዩን ወብሳይት ተጠርኒፈን ኣለዋ። እቲ ኮምዩን ኣብ ሃማሽስትራንድ ናይ ስድራቤት ማእከል፡ ኣብ ቢስፕጎርደን ድማ ወለዲ ምስ ደቆም ዚኸዱሉ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣለዎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ራጉንዳ ኮምዩን ኣርባዕተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ፤ ናይ ስቱጉን ሃንስኦከር ቤትትምህርቲ F-9፡ ናይ ቢስጎርደን ያሮስ ስኩላን F-6፡ ኩሉስታትስኩላን F-5 ከምኡውን ናይ ሃማሽስትራንድ ኣንደሽ-ኦሎፍ ቤትትምርህቲ 6-9።

ናይ የምትላንድ ዪምናስዩም ቢስፕጎርደን (JGY) ናይ ኤለትሪክን ጽዓትን ፕሮግራም፡ ኢንዱስትሪያዊ ተክኒክ ፕሮግራምን መእተዊ ፕሮግራም፡ ከም IM-språk ኣለዎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ቢስፕጎርደን ብመባእታውን ካልኣይ ደረጃን ጽፍሒ ዚወሃብ ናይ ዓበይቲ ትምህርትን ናይ ሞያ ስልጠናን፡ ከም ቶርኒቶረን ተሓጋጋዚ ነርስን ኣሎ። ናይ ኤስኤፍኢ ስልጠና ኣብ ሃማሽስትራንድ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሃማሽስትራንድን ስቱጉንን ማእከል ጥዕናን ሕክምና ስንን ኣሎ። ኣብ ቢስፕጎርደን ናይ ዞባ ነርስ መቐበሊ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ እተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ፡ ምስ ኮምዩንን እዚ ዞባን ምርኻብ እንተ ኣድልዩካን ናይ ተርጓማይ ኣድላይነት ኣለካ ኾይኑን፡ ክግበረልካ ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ራጉንዳ ኮምዩን ኣብ መንጎ ሱንድስቫልን ኦሰተርሱንድን፡ ኣብ መንጎ ኣኽራናትን ባሕርን፡ ኣብቲ ምጩው ኢንላንድስደለን ይርከብ። ካብ ከተማ ሃማሽስትራንድ ክሳብ ሱንድስቫል 110 ኪ/መ እዩ፡ ክሳዕ ኦስተርሱንድ ድማ 100 ኪ/መ፡ ክሳዕ ኸለፍተዮ ድማ 70 ኪ/መ። ናብ ራጉንዳ ንምኻድ ባቡር ኪወሰድ ይከኣል ወይ ከኣ ክሳዕ ኦስተርሱንድ ወይ ሱንድስቫል ብነፋሪት ደሓር ብማኪና ወይ ብኣውቶቡስ ምቕጻል። ኣብቲ Länstrafiken Jämtland መዓልታዊ ናይ ኣውቶቡሳት ሰለዳ ሰዓታት ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ራጉንዳ ኮምዩን እቲ ቁጠባ ኣብ ኣስታት 450 ዋኒናትን ውድባትን እተመርኮሰ እዩ። መብዛሕትአን ዋኒናት ነኣሽቱን ብሕታውያንን እየን። እቲ ኮምዩን ንእሽቶ ብምዃኑ ውሳነ ንምርካብን ናይ መስርሕ ግዜን ሓጺር እዩ። ገለ ካብተን ዓበይቲ ዋኒናትና ንምጥቃስ፤ Fors industrier, SCA Timber ከምኡውን Moderna försäkringar. ከም ውድብ፡ ራጉንዳ ኮምዩን ዓቢ ወሃብ ስራሕ እዩ። ብፍላይ ንትምህርትን ክንክን ጥዕናን ብዚምልከት።

ኩባንያ ኣብዚ ኮሙን