Staffanstorp

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ምምሕዳር ስታፋንስቶርፕ ኩሉግዜ ኣብ ቀረባ ኢኻ። ቀረባ ንጽቡቕ ተፈጥሮ፣ መልክዕ ምድሪ ወይ ከተማ። ቀረባ ንስራሕ፣ ኣገልግሎትን ድኳናትን። ስታፋንስቶርፕ ንብዙሓት ከተማታት ከም ሸፐንሃምን፣ ማልመን ሉንድን ቀረባ እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ምምሕዳር ኩባንያያታት ኣባይቲ ኣለዋ እብአን ከኣ ገዛ ክራይ፣ ገዛ ዋኒን ወይ ካልእ ዓይነት መንበሪ ክትደልይ ትኽእል። መብዛሕትኡ ብመንበሪ ደቡብ ይሰጋገር እዩ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ምምሕዳር ዝተፈላልየ ጉጅለ ቋንቋታት ይርከባ። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ ብኣልባንኛ፣ ዓረብኛ፣ ብቋንቋ ዳንማርክ፣ እንግሊዝኛ፣ ብቋንቋ ፊንላንድ፣ ብቋንቋ ግሪኽ፣ ኢስላንዲኛ፣ ጥልያን፣ ብቋንቋ ክሮኣሲያ፣ ብቋንቋ ኩርዲ/ባዲናኒ፣ ብቋንቋ ማንዳሪን፣ ብቋንቋ ሆላንድ፣ ፋርስኛ፣ ብቋንቋ ፖላንድ፣ ሮማንኛ፣ ስፓኛ፣ ብቋንቋ ታይላንድ፣ ብቋንቋ ገርመንን ሃንጋሪኛን፣ ይውፈይ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ምምሕዳር ብዝሕ ዝበላ ዝተፈላልየ ኣትኵሮታት ዘለወን ማሕበራት ኣለዋ። ኣብነት ናይ ስፖርት ማሕበራት፣ ባህላዊ ማሕበራት፣ ቤተ-ክርስትያናትን ዝተፈላልያ ሃይማኖታዊ ማሕበራትን።

ኣርባዕተ ሰባት ተር ኢሎም ነናቶም ኵዕሶ እግሪ ይሃርሙ ኣለዉ። ብድሕሪት ደው ዝበሉ ተዓዘብቲ ይርእዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ምምሕዳር መብዛሕትኡ ከድልየካ ዝኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ቤተ-መጽሓፍቲ፣ ዕዳጋ ምግቢን ዝተፈልዩ ዓይነት ኣገልግሎትን ድኳናትን ኣለዉ። ኣብዚ ናይ ስፖርት ኣዳራሻት እውን እለዉ፣ ከምኡ'ውን ሃደ ሰፊሕ ወፈያ ናይ ዝተፈላለየ ናይ መዘናግዒን ባህላዊ ንጥፈታት። ኣብ ብሮሆግ-መሕንበሲ ኣብ ውስትን ግዳምን ክትሕምብስ ትኽእል። ናይ ስፖርት ማዕከናት፣ ቤት-መጽሓፍቲ፣ ከምኡ'ውን ሙዚቃዊ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ስታፋንስቶርፕን ህያሩፕን ኣሎ። ኣዳራ ስነ-ጥበብ ኣብ ስታፋንስቶርፕ ንጡፍን ብዙሕ ምሪታትን ዘለዎ እዩ።

ዝቐረበ ኣገልግሎት ካሳ መድሕን፣ ቤት-ጽሕፈት ግብሪን ቤት-መራኸቢ ስራሕን ኣብ ሉንድ ይርከብ።

ቈልዑ ኣብ ጋብላ መሓንበሲ ዝሕንብስሉ ዘለዉ ሓደ ኣዳራሽ መሓንበሲ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቲ ምምሕዳር ንዓኻ ኣብ ገዛ ምስ ህጻናት ንዘለኻ ኣጸዳ ህጻናት የወፍይ። እቲ ምምሕዳር ንነ-ምምህርናዊ ንጥፈታት ከም ኣጸዳ ህጻናትን ኣጸዳ ህጻናት ኣብ ስድራን ን1-5 ዓመት ዝዕድመኦም ኣለዎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር መርበብ ብዙሃን ተመለከት።

ኣብ ስታፋንስቶርፕን ህያሩፕን እውን ክፉት ኣጸዳ ህጻናት ንህጻናት 0-6 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ዘሎዎም ስድራቤታት መራኸቢ ዝኾውን ኣሎ። ንስሓ ከም ወላዲ ምስ ህጻንካ ሓቢርካ ናብቲ ክፉት ኣጸዳ ህጻናት ምስ ካሎት ህጻናት ክትጻወት፣ከተንብብ፣ ክትደርፍን ክትዘናጋዕን ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ጕጅለ ናእሽቱ ቈልዑ ኣብ ትሕቲ ሓደ ቴንዳ ደው ኢሎም ኣለዉ። ኣብ ቅድሚ እቶም ቈልዑ ሓደ ሳፍትን ፍሩታታትን ተቐሪብሉ ዘሎ ጣውላ ኣሎ። ብድሕሪት ሓደ መጻወቲ ቦታ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ምምሕዳር ስታፋንስቶርፕ መባእታዊ ትምህርቲታት ኣብ ከተማታት ስታፋንስቶርፕን ህያሩፕን ይርከባ። እቲ ምምሕዳር መባእታዊ ትምህርቲ ክሳብ 9ይ ክፍሊ የወፍይ።

ኣብ ስታፋንስቶርፕ ሃገራዊ ፕሮግራም ዝሓዘ ምምሕዳራዊ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃ የለዋን፣ ግን በቲ ናይ መባእታዊ ትምህርቲ ደምዳሚ ዲፕሎምካ ገይርካ፣ ናብ ዝደለኻዮ ኣብ ስኮነን ምዕራብ ብለኪንገ ዝርከብ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲታት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ዕድላት ትምህርቲ

ቪላን ትምህርቲ ኣብ ምምሕዳር ስታፋንስቶርፕ ይርከብ ከምኡ'ውን ንናይ ዩቨርሲቲ ፕሮግራምን ሞያዊ ትምህርትታትን የቀራርብ።

ትምህርቲ ኣባጽሕ ስታፋንስቶርፕ ንተቐማጦ ምምሕዳር ብናይ ትምህርቲ ቦታታት ኣብ ካልእ ምምሕድዳራት ብምግዛእ ናይ ኣባጽሕ ትምህርቲ የወፍይ። ናይ ትምህርቲ ቦታታት ኣብ ካልእ ምምሕድዳራት ብምግዛእ፣ ብቐንዲ ኣብ ቡርለቭ፣ ሉንድን ማልመን ቋንቋ ንወጻእተኛታት ትምህርቲ ነወፍይ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ስታፋንስቶርፕን ህያሩፕን ናይ ሓፈሻዊ ጉዳያት ክንክን ማከን ኣሎ ከምኡ'ውን ናይ ህጻናትን ኣደታትን ክንክን እውን ኣሎ። ህዝባዊ ናይ ስኒ ክንክን ኣብ ስታፍንስቶርፖ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ርክባት ምስ መግስታዊ ትካል፣ ምምሕዳር ወይ ክንክን ጥዕና፣ መሰል ናይ ተርጓሚ ሓገዝ ምርካብ ኣሎካ። እዚ ኸኣ በቶም ዝምልከቶን ትካላት ኣቐዲሙ ይቑጸር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ ከተማ ስታፋንስቶርፕ ክትከይድን ክትመጽእን ብኣውቶቡስ እዩ ዝቐለለ፣ ስኮነ ትራፊከን እዮም ነቲ ከባቢ ኣገልግሎት ዘስንቑ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምምሕዳር ስታፋንስቶርፕ ሓደ ዓበይትን ናእስቱን ወሃብቲ ስራሕ ዘለዎ ሃብታም ናይ ኩባንያታት ክሊማ ኣለዎ። እቲ ምምሕዳር ጽቡቕ ናይ ስራህ ዕዳጋ እዩ ዘለዎን ስራህ እልቦነት ውሑድ እዩ ስለዚ ኣብቲ ምምሕዳር ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላት ዓቢ እዩ። ናብ ዓበይቲ ምምሕዳራት ከም ማልመን ሉንድን እንዳኸድካ ክትሰርሕ'ውን ጽቡቕ ዕድላት ኣሎ።