Haparanda

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሃፓራንዳ ምስታ ኣብ ፊንላንድ ዘላ ቶርኒዮ እትዳወብ ኣብ ቦረንትስ ከባቢ እትርከብ ናይ ንግዲ ከተማ እያ። ንኸተማታትና ምስተን ኣብ ዶባት ዘለዋ ከተማታት ከም ዚሓብራ ጌርና ኢና እንሰርሐን። ኣብኡ ብዘይካ ዕዳጋታት: ትካላት: ሆቴላትን ካልእን: ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ኣደራሽን ኪስራሕ እዩ። ስራሕና ነቲ ናይ ኮምዩን ዕዮታት ይጥርንፍ ስለዚ ኣብ ዓለም ፍሉያት ኢና። ኣብቲ ኣብ ዓለም ኣዚዩ ሰላምዊ ዝኾነ ዶብ ኢና እንርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ከተማ ሃፓራንዳ ካብ ላዕሊ ኣየር ክትርኣ ኸላ። እዛ ከተማ ኣብ ጥቓ ፈለግ ቶመን ተዶኵናን ምስ ናይ ፊንላንድ ከተማ ቶርንዮን ተዳዊባ ትርከብ።

መንበሪ-ገዛ

ንሕና እተፈላለየ ናይ መንበሪ ቅርጽታት ኣሎና: ካብ ኣፓርትማ ጀሚሩ ናብ ኮምዶሚኒዩንምን ቪላታትን። እዚ ኣብ ውሽጢ ከተማ: ኣብ ጥቓቲ ዶብ: ኣብ ጥቓ ወሓዚ ወይ ባሕሪ ከምኡውን ኣብ ገጠር ይርከብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብኡ ሽወደን: ፊንላንድ: ስፓኛ: ዓረብ: ፋርስ: አስቲንስካ: ታይላን: ትግርኛ: እንግሊዝ: ሮማኒ ቺብ: መኣንኪየሊ ይዝረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ: ሽወደናዊት ቤትክርስትያን: ናይ ቶርኒዮ ናይ ተዋህዶ ቤትክርስትያን: ናይ ቶርኒዮ መስጊድ: ናይ ሰላም ማሕበር: ናይ ፊላደልፍያ ማሕበር ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሃፓራንዳ: ቤትጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ: መድህን ድርጅት: ቤትጽሕፈት ዕዮን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ግብርን: ከምኡውን ናይ ምጽምባር ኣሃዱ ምስ መቐበሊ ስደተኛታት: ዓበይቲ ድኳናትን ኢከያን። ናይ ህደሳ ፋብሪካ ዝኣረገ ኣቕሑ ኣሓዲሱ ይሸይጥ። ከምኡ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ድማ ኣብ ቶርኒዮ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሃፓራንዳ ነቶም ኣብቲ ኮምዩን ዚቕመጡ ናጻ ዝኾነ ናይ ህጻናት ክንክን ይህብ።

ዓሰርተ ሰለስተ ቈልዑ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኩምራ በረድ ኣብ ሓደ ተራ ጥቓ ንጥቓ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ሃፓራንዳ ሓያሎ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ: ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት 6 ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 9። ከምኡውን ሞንተሶሪ መባእታን ናይ ቋንቋ ቤትትምህርትን ኣሎና። ኣብቲ ናይ ቋንቋ ቤትትምህርቲ እቶም ተመሃሮ ካብ ሃፓራንዳን ካብ ቶርኒዮን ይመጹ። ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ።

ናይ ኣብያተትምህርትና ናይ ትምህርቲ ኩነታት ጽቡቕ ብምዃኑ ኩሉ ህጻን: ተመሃራይ: ሰራሕተኛ ናይ ዕቤት ሓጎስን: ናይ ምዕባለን ስጉምትን ዕግበት ይስምዖ።

ህጻናትን መንእሰያትን ዓበይትን ኣህጉራዊ ርክባት ኣለዎም ከምኡውን እቲ እተፈላለየ ናይ ባህሊ ዓይነታት ንፈጠራነትን ኣካላውኢ ንጥፈታትን ይቕስቅሶ። ኣወንታዊ ናይ ህይወት ኣገባብን ትርጉም ዘለዎ መጻኢ ዕድላትን ንሃፓራንዳ ምስ ኩሉ ኣውራጃ ዘሕብር ቀዪሕ ገመድ እዩ።

ኣብ ናይ ሃፓራንዳ ቤትትምህርቲ ባህሊ: ንግዜኡ ናይ ሙዚቃን ስእልን ዳንስን ተያትርን ትምህርቲ ይውሃብ። ናይቲ ቤትትምህርቲ መምህራን ኣብቲ ናይ ኮምዩን መባእታ ቤትትምህርትን ማእከላይ ደረጃን ዚወሃብ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ይነጥፉ እዮም። ኣብቲ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ኩሎም ተመሃሮ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን 20 ደቓይቕ በቲ መሳርያኦም ጌሮም ኪለማመዱ ከም ዕላማ ተወሲዱ እዩ። ብውልቂ ወይ ብጉጅለ። ከምኡውን ካብ ትምህርታዊ ዓመት 3 ጀሚሮም ኣብ ናይ ኦርከስትራን ካልእ ንጥፈታትን ኪሳተፉ ይኽእሉ። ናይ ዳንስ ትምህርቲ ንእተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ድሕሪ ቀትሪን ምሸትን ይውሃብ። ጥበብ ዝመልኦ ዳንስ እዩ ዚስዕሳዕ። ዕላማኡ ነቲ ኣብ ኮምዩን ዘሎ ሰብ ነቲ ናይ ዳንስ ተገዳስነቱ ንምዕባይ እዩ። እቲ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ መንእሰያት ሁስ ስታሹን እዩ ዚካየድ። ክልተ ናይ ስእሊ ጉጅለ ሰኑይ ሰኑይ ይቕጽል ኣሎ። ናይ ስእሊ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ሽወደን-ፊንላንድ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኢዩ ዚካየድ። እዚ በቶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ መምህራን ይኽፈት። ናይ ትያትር ንጥፈታት ኣብ ናይ ስታረን ኣደራሽ ኣብ ግረንስስኩላን ምሸት እዩ ዚካየድድ።

ዕድላት ትምህርቲ

ምስ ሕብረተሰብ ምልላይ ንዚወሃብ ሓበሬታ ብመራኸቢ ቪደዮ ኢዩ ዚካየድ። ኮምቩክስን ኤስኤፍኢ።

ኣገልጎት ጥዕና

ንኽትዓግብን ካብቶም ፈላጣት ሰራሕተኛታትና ድማ ጽቡቕ ኣገልግሎትን ክንክንን ንኽትረክብ ኩሉ ክንገብር ኢና። ማእከል ጥዕናና ኣብ እተፈላለየ ዓውዲ ፍልጠት ሰፊሕ ክእለትን ነዊሕ ተመክሮን ዘለዎም እዮም: ስለዚ ብቑዕ ክንክንን ጽቡቕ ኣቀባብላን ክንገብረልካ ንኽእል ኢና።

ብዘይካ ናይ ኣውራጃ ሓኪም: ናይ ኣውራጃ ነርስ: ናይ ሕማም ሽኮር ነርስ: ናይ ኣምቡላንስ ነርስ: ተቐባሊት ነርስ: ምክትል ነርስ: ናይ ሓኪም ሰክረታሪ: ሳይኮሎጂስት: ናይ ጭዋዳታትት ሓኪምን ናይ ስራሕ ሓኪምን ናይ እግሪ ክኢላን ድማ ኣሎና። ኣብቲ ስራሕና: ናይ ኣምቡላንስ ንጥፈታት እውን እቱው እዩ። ኤክስ ረይን ናይ ላቦራቶሪ ክፍልን ናይ ጨረር ሕክምናን ድማ ኣሎና።

ኣብቲ ናይ ስድራቤት ገዛ ኣሕረስቲ ወይ BVC ኣለይቲ ኣለዋ። ኣብቲ ናይ ስድራቤት ገዛ ብዘይካ ኣሕረስትኢ ወይ BVC ኣለይቲ: ዕሉማት ናይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ሰራሕተኛታት ኣለዋ: ኣብኡ ድማ ኣብ ገለ ሰዓታት ናይ ህጻናት ትምህርቲ ይካየድ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ናይ ትካላት ኣብያተጽሕፈት: ተርጓማይ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ እዚ ዚስዕብ ይርከብ፤ ኢከያ ሃፓራንዳ: ፖላሪካ: ሃፓራንዳ ኮምዩን: ኦኡቶኩምፑ ከምኡውን ቢለሩድ ካርልስቦርይ።

ኩባንያ ኣብዚ ኮሙን