Luleå

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሉለዮ ናይቲ ዳርጋ ናይ ሽወደን ሓደ ርብዒ ዝፍሓት ዘለዎ ዞባ ኖርቦተን ርእሲ ከተማ እያ። እታ ከተማ ብጽቡቕ ኣብ ናይ ኖርቦተን ገምገም ባሕሪ ተደክኵና ትርከብ ኮይና ብማይ እተኸበበት እያ፣ እዚ ከኣ ናይ ሉለዮ ሕላገት እዩ። ኣብዚ ናብ ዘደንቕ ተፈጥሮ ቅርበት ኣሎ። ከምኡ’ውን ናይ ብሓቂ ብዙሕ በረድ ዘለዎ ሓጋይን ብሩህ ናይ ክረምቲ መዓልታትን ዘለዎ ኣርባዕተ ወቕቲ ክትርኢ ዕድል ኣለካ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሉለዮ ሓደ ሃብታም ግዳማውን ባህላውን፡ ከምኡ'ውን ሓያልን ዝተፈላለየን ኢንዱስትሪን ንግድን ኣለዋ። ኣብዚ ናይ ስካንዲናቭያ ኣዚዩ ሰሜናዊ ዝኾነ ኣስታት 19 000 ተመሃሮ ዘለውዎ ናይ ተክኒክ ዩኒቨርሲቲ እውን ኣሎ። ከምኡ'ውን ሱንደርቢ ሆስፒታል ናይ ዞባ ኖርቦተን ሆስፒታል ኣብዚ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሉለዮ እተፈላለየ ቪላታትን ኣፓርትመትን ኮንዶሚንዩምን ዝሓዘ መንበሪ ቦታ ኣሎ። ሉለቡ ናይቲ ኮምዩን ናይ ክራይ ኣባይቲ ቤትጽሕፈት ኮይኑ ገዛውቲ የቕርብ። 91% ናይ ሉለዮ ተኻረይቲ በቲ መንበሪኦም ዕጉባት እዮም። ሉለቡ ኣብ ከትማ ይኹን ኣብ ጥቓ ተፈጥሮ ኣባይቲ የቕርብ እዩ። ናይቲ ኮምዩን ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ነቶም ገዛ ዝደልዩ ስደተኛታት ገዛ ንኪረኽቡ ይሕግዞም።

ትርኢት ብቕድሚት ማይ ናይ ዘለዎ ከተማ ሊለዮ።  ብቕድሚት ሓደ ናይ ሕጡብ ግዳማዊ ገጽን ሓደ ሰገነትን ናይ ሓደ ህንጻ እውን ይርኣ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ካብ 75000 ተቐማጦ ሉለዮ እቶም 6800 ኣብ ካልእ ሃገር እተወልዱ እዮም። እቲ በቶም ናይ ኖርዲክ ዓሌት ዘይብሎም ኣዘውቲሩ ዚዝረብ ቋንቋ፡ ዓረብን ፍርስን ዳሪን ታይላንድ በርማ ቻይና ትግርኛን እንግሊዝን እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሉለዮ 500 ምዝጉባት ማሕበራት ኣለዋ። ንሳተን ኣብዚ ፍጻመታትዚ ይነጥፋ፤ ስፖርት፡ ባህሊ፡ ዝሮት፡ ክንክን ጥዕና። ገለ ኣብያተክርስትያንን ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ኣለዋ።ኣብ ሉለዮ ናብ ስደተኛታት ዝጠመታ ማሕበራትን ውድባትን ኣለዋ፡ ንኣብነት ከም ናይ እስልምና ማሕበር፡ ሽወደን-በርማ ማሕበር፡ ሩስያ-ሽወደን ማሕበር፡ ስፑትኒክ ወዘተ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሉለዮ ምንባር ብዙሕ ምርጫታት ምህላው ማለት እዩ። ካብን ናብን ስራሕን ቤትትምህርትን መዘናግዒ ቦታታትን ቀረባ ብምዃኑ ንህይወት ፈኲስ ይገብሮ። ኣብኡ ኩሉ ይርከብ፤ ተፈጥሮ፡ ስፖርት፡ ባህልን መዘናግዕን፡ ከም ንኣብነት፡ ድኳናት፡ ኣብያተመግቢ፡ ናይ ስፖርትን ጂምን ኣደራሽ፡ ሲነማን ተያትርን። ኣብ ሉለዮ ኩሉቱር ሁስ ዚብሃል ህንጻ ኣሎ፡ ኣብ ውሽጡ ድማ ቤትንባብ፡ ናይ ስነጥበብ ክፍሊ፡ ናይ ኮንሰርት ክፍሊታት፡ ባርን ሪስቶራንተን ኣሎ። ሉለዮ ሃብታም ናይ ሙዚቃ ባህልን ዘመርትን ኣለዎ። ኣብ ጥቓቲ ከተማ ኣብ ሀርትሰትረስከት ናይ ዓሳ መግፈፊ ኣሎ፡ ካብ ሉለዮ ሰንትሩም ቅሩብ ኪሎመትር፡ ከምኡውን ጥቓ ከተማታት ዚርከቡ እተዓቀቡ ናይ ተፈጥሮ ቦታታት ኣለዉ። ሉለዮ ናይ ዕዳጋ ቦታ እያ፡ ኣብቲ ማእከል ከተማን ኣብቲ ስቱርሀደን ዚብሃል ካብ ሉለዮ ወጻኢ፡ ብዙሕ ናይ ዕዳጋ ኣደራሻት ኣሎ። ኣብ ሉለዮ ብዙሕ ናይ ዘገልገለ ኣቕሑ መሸጢ ድኳናት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ነዚ ዚመስል ይሸጣ፤ ዘገልገለ ኣቕሑ ገዛ፡ ናይ ተክኒክን ናይ ስፖርትን መሳርሒ፡ ኣጫርቕ፡ ክዳውንቲ፡ ፈናጅልን መጻሕፍትን። ሉለዮ ናይ ስፖርት ከተማውን እያ፡ ሰለስተ ምሩጻት ጋንታታ ኣለዉዋ፤ ሉለዮ ሆኪ፡ ኤል ኤፍ ባስከትን ኖርዝላንድ ባስከትን። ኣረዩስሃለን ናይ ሽወደን ዝዓበየ ናይ ውሽጢ ገዛ ናይ ስፖርትን ናይ ኤክስፖን ወዘተ. ደምበ እዩ። ሉለዮ 15 ናይ ስፖርት ኣደራሻት፡ 4 ናይ መሓምበሲ ገዛን 5 ናይ መጻወቲ በረድን መጋለብን ኣለዋ።

ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ቤትጽሕፈት መድህንን ኣብ ውሽጢ ከተማ ይርከብ፡ ከምኡውን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይቲ ክፍሊ ምውህሃድ ዝኾነ ናይ ስደተኛታት መቐበልን።

ናይ ኣጋር ጐደና ኣብ ሊለዮ ሓደ ናይ ክረምቲ መዓልቲ። ሓንቲ ሰበይቲ ሓደ ናይ ቈልዓ ዓረብያን ሰለስተ ቈልዑን ብጎና ሒዛ ትኸይድ ኣላ። ሓደ ስብኣይ ኣብ ብኻልእ ሰብኣይ ትድፋእ ዘላ ዓረብያ ስንኩላን ኮፍ ኢሉ ኣሎ።  ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ኮፍ መበሊ ቦታ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሉለዮ ናይቶም ህጻናት ዘለዎም ስድራቤት ምርጫ እያ። ኣብዝ፡ ኩሉ ቀረባ እዩ፡ ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክሳዕ ዩኒቨርሲቲ። ኣብ ሉለዮ ንደቂ 1-5 ዝኾኑ ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ፡ ከምኡውን ኣጸደ ስድረቤት ንህጻናት ካብ 1-5 ዓመት፡ ክንክን ህጻናት ብግዜ ዘይጥዕም ሰዓታት ስራሕ፡ ክፉት መራኸቢ ብታ ንኣኻ ማለት በይንኻ ምስ ህጻን ኣብ ገዛ ዘሎኻ፡ ማእከል ምዝንጋዕ ከምኡውን ናጻ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት። ኣብ ናይ ሉለዮ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ህጻናት ዝዓለመ ክፍሊ ኣሎ፡ ንኣብነት ነቶም ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም፡ ናይ ቋንቋ ጸገም ዘለዎም፡ ከምኡውን ንዝተፈላለየ ስንክልና ዘለዎም።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ሉለዮ ኮምዩን እታ መጻኢት ቤትትምህርቲ እታ ዝበለጸት ክትከውን እዩ ዚደሊ! ናይቲ ኮምዩን ራኢ እተን ናይቲ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ተመሃሮን ከምኡውን ሰራሕተኛታት ንኺዕወቱ ዕድል ምሃብ እዩ።

ኩሉ ናይ ኮምዩን ቤትትምህርቲ ጀዮግራፍያዊ ግዴታ ኣለዎ ስለዚ ኣብያተትምህርቲ ነቶም ኣብኡ ዚቕመጡ ቀዳምነት ኪህብ ይግባእ። ውላድካ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ኣብያተትምህርቲ ቦታ ንኺወሃቦ ውሕስነት ኣለዎ። ናይ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ኣየኽፍላን እየን።

ኣብ ሉለዮ ናይ ባህሊ ቤትትምህርትን ሞንተሶሪን ከምኡውን ናጻ ቤትትምህርቲ ከም ኖርሸነት፡ ኒያ ለሮቨርከትን ናይ ኒየሚሰል ክቫርኖ ናይ ብሕቲ ቤትትምህርቲ።

ኣብ ሉለዮ ኣብ መንጎ ናይ ኮምዩን ዝኾነ ናይ ሉለዮ ይምናስየቢን ወይ ከኣ ገለ ካብቶም ብሕታውያን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል። ናይ ሉለዮ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣብቲናይ ሉለዮ ይምናስየቢ ካምፓስ ይርከብ። ኣብኡ ከኣ 2300 ተመሃሮን 280 ሰራሕተኛታትን ኣለዉ።

ከምኡ'ውን ኣብ ሉለዪ ኣብቲ ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ቤት ትምህርቲ ዝርከቦ ህንጻ፡ ፍሉይ ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ነቶም ኪመሃሩ ዚደልዩ እተፈላለየ ምርጫታት ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣብ ኤስኤፍኢ ክትኣቱ ትኽእል ከምኡውን ንሓደስቲ መጻእቲ ዚወሃብ ናይ ማሕበረሰብ ናይ ምልላይ ትምህርቲ። ኣብዚ፡ መሰረታውን ካልኣይ ደረጃውን ትምህርቲ ክትቀስም ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ሞያ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ክትመሃር ይከኣል። ንሱ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኮይኑ ንስራሕ ተደላያይ እዩ። ትሕዝቶን ዕላማን ስልጠና ይፈላለ እዩ ቀጻሊ ድማ እዩ ዚተዓራረ።

ሉለዮ ፍሉይ ናይ ዓበይቲ ስልጠና ኣለዎ። እቲ ስልጠና ነቶም 20 ዓመት ዝዕድመኦምን ናይ ምዕባለ ጸገም ዘለዎምን ወይ ምስ ዓበዩ ናይ ሕንጎል ጉድኣት ዝወረዶምን ወለናታዊ እዩ።

ኣብ ሉለዮ ሱንደርቢ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ሓፈሻዊን እተፈላለየን ኮርሳት ኣለዎ። ኣብ ዩኒቭርሲቲ ክትመሃር እንተ ደሊኻ ኣብ ናይ ሉለዮ ተክኒካል ዩኒቨርሲቲ ተኽእሎ ኣሎ። ንሱ 19000 ተመሃሮ ኣለዉዎ፡ ሓይሉ ድማ ኣብ ተክኒካዊ ነገራት እዩ። እቲ ዩኒቭርሲቲ ኣጠቓላሊ ናይ ምምሃር ስልጠና፡ ናይ ቁጠባ ስልጠናን ካልእ ናይ ሶሻል ሳየንስን ሙዚቃን ትልሂትን ተያትርን መድያን ይህብ። ምስ ኣህጉራውን ሃገራውን ትካላት ብምትሕብባርውን ኣፕላይድ ሪሰርች የካይድ እዩ።

ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ሓደ ናይ ሓጋይ መዓልቲ ኣብ ሓደ ዝበረደ ናይ በረድ መንገዲ ይኸዱ ኣለዉ። ሓደ ሰብኣይ ሓደ ብገመድ ከልቢ ዝተኣሰረ ብናዊ ከልቢ ሒዙ ይኸይድ ኣሎ። ድሕሪ እቶም ሰባት ሓንቲ ትራክቶር ነቲ ዝበረደ መንገዲ ትጸርጎ ኣላ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሉለዮ ክፋል ናይ ዞባ ኖርቦተን እያ፡ ኣብዚ ግዜዚ ድማ ኣብቲ ኮምዩን ትሽዓተ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣለዋ። እቲ ማእከል ጥዕና ሂወትካ ምሉእ ምሳኻ እዩ። ከም ሓድሽ ውላድ ኣብቲ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ክትምዘንን ክትዕቀንን ከለኻ። ናይ መጀመርያ ሓናት ምስ ሓመምካ ወይ እግርኻ ምስ ተመነኻ ወይ ነድሪ ከስዐ ምስ ገበረልካ። ምስ ኣረግካ እሞ ቀጻሊ ናይ ምርመራን ኣፋውስን ምስ ዘድልየካ። ሓኻይም፡ ነርስታት፡ ናይ ስራሕ ተራፐፍትን ተራፐፍትን ከምኡ'ውን ካልኦት ብወዲሰብ ብምልኡ ክኢላታት ዝኾኑን። ኣብቲ ናይ ጥዕና ማእከል፡ ነቲ ዘድሊ ሕክምና ኣብ ዘድልየሉ ግዜን ክህብዎ ይደልዩ።

ኣብ ሉለዮ ሱንደርቢ ሆስፒታል ኣሎ፡ ንሱ ኣብ ናይ ምሉእ ኖርቦተን ናይ ክኢላታት ማእከል እዩ። ንሱ ናይ ወረዳ ሆስፒታል እዩ ከምኡውን ነቶም ኣብ ሉለዮን ቡደንን ዚነብሩ ናይ ከባቢ ሆስፒታል እዩ። ኣብቲ ሆስፒታል ብዘይካ ቶራክስን ናይ ሕንጎል መጥባሕትን ኩሉ መደባውን ህጹጻውን ሕክምና ይካየድ እዩ።

ናይ ሕርሲ ክፍሊ እቲ ኣብ ሰሜን ኡፕሳላ ዝዓበየ እዩ። ዳርጋ ልዕሊ 1900 ሕርሲ ኣብ ዓመት። እቲ ሆስፒታል ዳርጋ ንኹሉ ናይቲ ወረዳ ህጹጽ መጥባሕቲ ባዕሉ ይወስዶ።

ጽድያ 2011 ሱንደርብይ ሆስፒታል ተመህሮ ሓከምቲ ኪቕበል ጀሚሩ። ንሳቶም ነተን ናይ መወዳ እታ ሰለስተ ዓመት ትምህርቶም ኣብቲ ሆስፒታል የሕልፉወን። ኣብዚ እዋንዚ ኩሉኩሉ 60 ሕጹያት ተመሃሮ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት ኣብቲ ሆስፒታል ይመሃሩ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ምስ ዘይትኽእል ኣብ ኩሉ ኣብያተጽሕፈት ናይ ትርጉም ሓገዝ ይወሃበካ። እቲ ናይ ማሕበረሰብ ኣስተዋጽኦ እዩ ነዚ ዚገብሮ። ናይ ምስማዕን ምዝራብን ጸገም ምስ ዚህልወካውን ተርጓማይ ይግበረልካ እዩ። ኣብ ኡመዮ ናይ ትርጁማን ቤትጽሕፈት ኣሎ። ንሱ ብኣካልን ብተለፎንን ናይ ትርጉም ኣገልግሎት የቕርብ። ናይ ሰነድን ብሮሹርን ናይ ምትርጓም ተኽእሎውን ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሉለዮ ዳርጋ ናብ ኩሉ ቦታ ቀረባ እያ። ናይ ሉለዮ መዓርፎ ነፈርቲ ካብቲ ሰንትሩም ናይ 10 ደቓይቕ ጕዕዞ እዩ። እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብዕብየቱ ኣብ ሽወደን ሓምሻይ ቦታ ይሕዝ ኣብ ሓደ ዓመት ከኣ ሓደ ሚልዮን ተጓዕዝቲ የስተናግድ። ምስ ኣርላንዳ ስቶክሆልም ድማ ኣብ መዓልቲ 15 ግዜ ይራኸብ። ሃገራውን ኣህጉራውን በረራ ከኣ ኣለዎ። ሉለዮ ኣብ ማእከል ከተማ ዝኾነ ግሩም ናይ ባቡርን ኣውቶቡሳትን መደበር ኣለዎ።

ሉለዮ 170 ኪሎመትር ዝምንውሑ ናይ ብሺግለታ መገዲ ኣለዎ። ኣብ ሉለዮ እቲ ኣዚዩ ሰሜናዊ ወደብ ይርከብ። ኣብኡ ድማ ዓመታዊ 600 መራኽብ ይዕሸጋ።

ትርኢት ናይ ከተማ ሉለዮ ካብ ባሕሪ። ክረምቲ እዩ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ከተማ ዘሎ ማይ ድማ የንጸባርቕ ኣሎ። ሓደ ግንቢ ቤተ ክርስትያን ካብቲ ናይ ገዛውቲ ናሕሲ ንላዕሊ ወጺኡ ይርኣ ኣሎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እዚ ኮምዩን ምስቶም 6 500 ሰራሕተኛታቱ ሓላፍነት ናይ ካልእ ገዲፍካ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሓልዮት ኣረጋውያን፡ ጐደናታትን መናፈሻታትን ዘለዎ ሓደ ዓቢ ወሃቢ ስራሕ እዩ። እተን ዝዓበያ ኢንዱስትሪ ንኣብነት ኤስኤስኣበ ቱንፕሎትን (SSAB tunnplåt) ፈሩፎርምን (Ferruform) እየን። ዞና ኖርቦተን ኩፕ ኖርቦተንን (Coop Norrbotten) ካልኦት ዝዓበዩ ዓበይቲ ውሃብቲ ስራሕ እዮም። ናይ ግድን ምስ ናይ ሉለዮ ተክኖሎጂ ዩኒቨርስቲ ዝምድና ዘለወን ብዙሓት ትካላት ንኣብነት ኣብ ጽላት ተክኖሎጂ ሓበሬታ ዝዋስኣ እውን ኣለዋ። ጥቓ ዩኒቭርሲቲ ዝኾነ ናይ ሉለዮ ናይ ሳየንስ ፓርክ ናይ ኖርላንድ ዝዓበየ ናይ ተክኒክ ቍሸት እዩ፡ 80 ናይ ሳየንስ ዋኒናት ከኣ ኣለዉዎ። ፈይስቡክ ንሉለዮ ዝመረጸ በቲ ልዑል ተክኒካዊ ብቕዓታን ተፈጥራዊ ዛሕልን ጽኑዕ ናይ ኤልትሪክ መርበብን እዩ። ኣብ ከባቢ ፖርስኦን ዚርከብ ናይ ኮምፕዩተር ማእከል ኣብ ኤውሮጳ ብዓይነቱ እቲ ዝዓበየ ክኸውን እዩ።