Ånge

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ኦንየ ኮምዩን ኣብ ማእከል ናይ ዩንጋንዳለን ግሩም ዝኾነ ተፈጥሮ ኢኻ እትነብር። ኣብ ንእሽቶ ቁሸት ወይ ኣብ ዓቢ ከተማ ክትቅመጥ ትኽእል። ሳላ እቲ ግሩም ናይ ባቡር መስመራት ናብ ሱንድስቫልን ኦስተርሱንድስ ብሓደ ሰዓት ኢኻ እትበጽሕ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ድልድል ጥቃ ባሕሪ ኮይኑ ዓሳ ይገፍፍ ኣሎ። ሓደ ጻሕያ መዓልቲ እዩ፡ እቲ ማይ ድማ የንጸባርቕ ኣሎ።

ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንጥፈታትን ባህልን ክትካፈል ቀሊል እዩ። ኣብ ግዜ ሓጋይ ናይ ዙረት መገድን መሐምበስን ዓጋምን ቃንጥሻ ዝመልኦ ዱርን ኣሎ። ቀላያትናን ወሓይዝናን ብዓሳ ዝመልአ እዩ። ኣብኡ ናይ ሙዚቃን ተያትርን ኢደጥበብን ንጥፈታት ኣሎ። ስፖርታውያን ማሕበራት ንዓብን ንንእሽቶን ኣብ ክረምትን ሓጋይን ንጡፍ ናይ ዕረፍቲ ግዜ የቕርባሉ።

መንበሪ-ገዛ

እታ Ånge Fastighets- & Industri ABእተባህለት ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣብ ከተማታት መንበሪ ኣባይቲ ተቕርብ።

ካብ ብሕታውያን ኣካረይቲውን ገዛ ምክራይ ይከኣል። ብዛዕባዚ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ዝያዳ ሓብሬታ ክትረክብ ትኽእል። እቲ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ምዕባለ ኣሃዱ ዘሎ ናይ ምውህሃድ ኣተሓባባሪ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ገዛ ንኺረኽቡ ይሕግዞም።

ሓደ ብዓል ሰለስተ ደርቢ ናይ ኣፓርትማ ህንጻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብብዝሒ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብን ዳሪን እየን። ካልኦትውን ብዙሓትውን ኣለዋ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኦንየ ኮምዩን ኣብ ስፖርትን ባህልን መዘናግዕን ዘተኮረ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። እታ ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ናይቲ ኮምዩን ናጻ ናይ ቤትክርስትያን ሰበኻን ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ይሕግዛ።

ኣብ ኦንየ ዚርከባ ማሕበራት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ክትረኽበን ትኽእል።

ሓሙሽተ ቈልዑ ኣብ ደገ ኵዑሶ እግሪ ይጻወቱ ኣለዉ። ኣብ ደገ ቆራሪ እዩ ዘለ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ኵዕሶ ሜዳ ድማ ዓበይቲ ዝተኣከበ በረድ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኦንየን ፍረንስታን ካብ መግቢ ጀሚርካ ክሳዕ ክዳውንትን መጸባበቕን ናይ ህንጻ መሳርሕን ዝጠርነፈ እተፈላለየ ኣቕሑ ዚሸጣ ድኳናት ኣለዋ። ኣብ ብዙሓት ቁሸታት ድማ ነኣሽቱ ግሮሰሪታት ኣለዋ።

እቲ ኣብ ኦንየ ዘሎ ማእከላይ ቤትንባብ ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣለዎ። ሲነማ ኣብቲ ናይ ኦንየ ህዝባዊ ኣደራሽ ይርከብ።

ኣብ ኦንየ ሰንትሩም ናይ ኦንየ ኮምዩን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትረክብ። ኣብ ፍረንስታ መሐምበሲ ኣብ ኦንየ ከኣ ናይ በረድ ኣደራሽን መጋለብን ኣሎ።

ሕሱር ኣቕሑ ገዛ ወይ ኣቕሑ ክሽነ ምስ እትደሊ ኣብ ኤሪክስየልፐን ሰከንድሃንድ ኦንየ ወይ ኣብ ኤሪክስየልፐን ሰከንድሃንድ ፍረንስታ ድለ።

ዝቐረባ ከተማታት፡ ሱንድስቫልን ኦስተርሱንድን እየን። ብማኪና ወይ ብባቡር መገዲ ሓደ ሰዓት እየን።

ክልተ ሰባት ድሕሪ ሓደ መሓበሪ ሰሌዳ ደው ኢሎም ይሰዓዓሙ ኣለዉ። ኣብቲ መሓበሪ ሰሌዳ

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኦንየ ኮምዩን 12 ኮሙናውያን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። እቶም ብለይቲ ዚሰርሑ ወለዲ ኣብቲ ናይቲ ፓርክባከን ቤትትምህርቲ ህጻናት ንደቆም ለይታዊ ክንክን ኣሎ።

ኣብ ሓደ ሓምላይ ኣካባቢ ሓደ ሳእኒ ጎማ ዝገበረ ቈልዓ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኦንየ ኮምዩን ዓሰርተ ኮሙናውያን መባእታ ኣብያተትምህርትን ሓንቲ መባእታዊ ደረጃ ዝሓዘት ብሕታዊት ቤትትምህርትን ኣለዋ።ብዛዕባአን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣሎ።

እቲ ኣብ ኦንየ ዚርከብ ቦበርዪምናስየት ሃገራዊ መደባት የቕርብ። ኣብኡ ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ብቑዕ ትምህርቲ ስለ ዚህብ ትምህርትኻ ድሕሪ ምውዳእካ ስራሕ ናይ ምርካብ ዘሎካ ዕድል ዝበለጸ እዩ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ኮሙናዊ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኦንግስትረምስኤንሀተን/ ለርሳንትሩም ኤስኤፍኢ ንምውሳድ ተኽእሎ ኣሎ። ነቶም ሓደስቲ መጻእቲውን ናይ ማሕበረሰብ ምልላይ መደብ ኣሎ።

ኣብቲ ኮሙናዊ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ብመባእታውን ካልኣይ ደረጃውን ጽፍሒ ክትመሃር ትኽእል። ግን ሞያዊ ስልጠና ብካልኣይ ደረጃዊ ቤትትምህርቲ ከኣ ኣሎ። ኣብቲ ለርሰንተር፡ ንስንኩላን ዝዓለመ ሰርቩክስ ኣሎ።

ናይ ፍረንስታ ኦልስታ ኮለጅ ናብ ቅድን ሙዚቃን ኣርቲስትነን ዝዓለመ ሓፈሻውን ፍሉይን ኮርሳት ኣለዎ። ነቶም ሽወደን ካልኣይ ቋንቋኦም ዝኾነ ድማ ናይ ሞያን መዳለውን ኮርሳት ኣሎ።

ኣብ ሱንድስቫልን ኦስተርሱንድን ንኣኻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ንእትደሊ ሰብ ብዙሕ ምርጫታት ዘለዎ Mittuniversitetet ኣሎ። ኣብተን ክልተ ከተማታት ብባቡር በጺሕካ ክትምለስ ትኽእል። ብኮለጅን ብዩኒቨርሲቲን ደረጃ ዚወሃብ ናይ ርሑቕ ትምህርቲውን ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ብመገዲ Vårdguiden 1177 ብዛዕባ ጥዕናኻን ቀጻሊ ርክብ ምስቲ ኣብ ቨርስተርኖርላንድ ዘሎ ክሊኒክን ምኽሪ ትረክብ።

ኣብቲ ናይ ኦንየ ዞባ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕናን ናይ ሕማም ሽኮር ነርስን ናይ መግብን ምውስዋስ ኣካላትን ሓኪምን ኣሎ።

ኣብ ፍረንስታ ናይ ፍረንስታ ብሕታዊ ማእከል ጥዕና ኣሎ።

ሕክምና ስኒ ኣብ ኦንየን ፍረንስታን ኣሎ። ኣብ ኦንየ ብሕታዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ዝቐረበ ሆስፒታል ናይ ሱንድስቫል ሆስፒታል እዩ። ንሱ ወረዳዊ ሆስፒታል እዩ። ኣብኡ ድማ ናይ ህጹጽ ረድኤትን እተፈላለየ ኣገልግሎትን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ንኣገልግሎት ትርጉም ብኣካል፡ ብተለፎን፡ ብመልእኽቲ፡ ብናይ ሰነዳትን ብሮሹርን ትርጉም፡ ንናይ ሱንድስቫል ቤትጽሕፈት ትርጉም ኢና እንውከስ። እቲ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት በቲ ትካል እዩ ቆጸራ ዚግበሮ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኦንየ ምዕቡል ኣውቶቡስን ባቡርን ዝጥቀም ሓባራዊ ትራፊክ ኣለዋ።

ካብ ኦንየ ናይ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ መነሃርያ ናብ ኩሉ ቦታታት ናይቲ ኮምዩን ወይ ክሳብ ሱንድስቫልን ኦስተርሱንድን ካልእ ክፍልታት ሽወደንን ክትከይድ ይከኣል። ብዛዕባ ናይ መስመራት ሓበሬታ ኣብ DinTur.se.ረአ። ብዛዕባ ናይ ሰዓታት ሰሌዳን ምዝገባን ቲከትን ሓበሬታ ከኣ ኣብ SJ.ረአ።

መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ሱንድስቫልን ኦስተርሱንድን ኣሎ።

SJ
ሓንቲ ሰማያዊት ተመላላሲት ባቡር ብማእከል ሓደ ሓምላይ ማዕበላዊ ቅርጸ ምድሪ ትሓልፍ ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ብባቡር ኣስታት ሓደ ሰዓት ኣብ ዚወስድ ርሕቀትን 200,000 ተቐማጦ ዘለወን ሱንድስቫልን ናይ ከባቢ ኦስተርሱንድ ዕዳጋ ስራሕ፡ ብዙሕ ዋኒናት ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ዝዓበየ ናይ ኢንዱስትሪ ወሃብ ስራሕ ኣብ ከሚካል ኢንዱስትርን ምስናዕን ዱርን መገዲ ባቡርን ዘተኮረ እዩ። ኦንዮ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን እተዋፈሩ 850 ሰራሕተኛታት ከኣ ኣለዉዎ።

ሓደ ብበረድ ዝተሸፈነ መንበሪ ህንጻ።