Kramfors

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ክራምፎሽ - ምስ ኦዳለንን ውርሻ ዓለም ሆጋ ኩስተንን - ሓደ ውሑስ፡ ቀረባን ኣነቃቃሕን ሂወት ንኽትነብር ዕድል ኣለካ። ከተማ ክራምፎርሽ ምስተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ናእሽቱን ሂወት ዝመልኣንን ገጠራት፡ ምስ ፈለግ ኦንገርማናኤልቨን ተጸጊዑን፡ ምስ ገማግም ባሕርን ዱርን ተጸጊዑ ሓደ ደስ ዘብል ናይ ተፈጥሮ ተመኩሮ ይጋብዝ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ናይ ሆጋኩስተን ድልድል ካብ ነፋሪት ዝተሳእለ። እቲ በሪኽ ተንጠልጣሊ ድልድል ኣብ ልዕሊ ሓደ ፈለግ ዝተዘርግሐ እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ክራምፎርሽ ኮሙን ዝተፈላለየ ቀረብ ናይ ኣባይትን ኣብ ጥቓ ባሕሪ ወይ ጥቓ ፈለግ ኦንገርማናኤልቨን መንበሪ ክትረክብን ዕድል ኣሎ። ንናይ ኣፓርትማ መንበሪ፡ ትውንኖ ቪላ ወይ ናይ ናጻ ግዜ ገዛ ዝምልከት ብመጠነኛ ዋጋ ብዙሕ ኣማራጽታት ኣሎ።

ሓበሬታን ናይ ርክብ ሓበሬታን ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ኣሎ። ከምኡ'ውን ነቲ ሓበሬታ ዝህበካ ኣሃዛዊ ናይ ምግዓዝ ሓባሪ ናብዚ "ብደሓን ምጻእ፡ Välkommen hit ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ብዛዕባ ናይ መንበሪ፡ ዋጋታት መንበሪ፡ ኣካረይቲ ኣባይቲ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ርሕቀት፡ ኣብያተ ትምህርቲን ካልእን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

እቶም ዝዓበዩ ናይ ቋንቋ ጕጅለታት ኣብዚ ኮሙን፣ ዓረብኛ፡ ትግርኛ፡ ፋርሲ/ዳሪ፡ ሶማልኛን እዮም። ብጀካ'ዚኦም ኣብ ኮሙንና ን15 ዝኾኑ ናይ ቋንቋ ጕጅለታት ዝውክሉ ነበርቲ ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብዚ ኮሙን ካብ ሳላሳ ንላዕሊ ኣደነቕቲ ተፈጥሮኣዊ ሕዛእቲ ኣለዉ። ኣባና ንምንቅስቓስ ኣካላት፡ ልምምድን ዓቢ ተኽእሎታት ኣሎ፣ ከምኡ'ውን ዓመት ምሉእ ንዝተፈላለየ ናይ ደገ ሂወት።

ናይ መሓምበሲ ኣዳራሻትን መሓምበሲ ቦታታትን፡ ናይ በረድ -ስፖርትን- ቦውሊንግ ኣዳራሻት፡ ንናይ ነዊሕ ጕዕዞ መንሸራተቲ ዝኸውን መገዲ፡ ንቑልቁል መንሸራተቲ ዝኸውን ቁልቁለት ኣሎ። ብጀካ እዚ ኣባለን ክትከውን ትኽእል ካብ 300 ንላዕሊ ማሕበራት ኣለዋ። ናይ ስፖርት ማሕበራት ንኣብነት ከም ናይ ዓሳ ምግፋፍ ስፖርት፡ ሞቶር ስፖርት፡ ሳዕስዒት፡ ባህሊ፡ ስነ-ጥበብ፡ ፖለቲክን ምዝማርን ዝኣመሰላ ነቲ ኣገራሚ ብጻይነትን ርክባትን እውን የበርክታ እየን።

ክልተ ኣንስቲን ሓንቲ ጓልን ኣብ ሓደ ናብ ብኩርባታት ዝመልኣ ሓምላይ ቅርጺ መሬት ዘማዕዱ ጸፊሕ ከውሒ ኮፍ ኢለን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ብደሓን ምጻእ፡ Välkommen hit ዝብል ኣሃዛዊ ናይ ምግዓዝ ሓባሪ መርበብ ሓበሬታና፡ ኣብ ቀረባ ኣከባቢ እንታይ ከም ዘሎ ብመንገዲ ሓደ ናይ ካርታ ኣገልግሎ ይርኣ እዩ። ኣብኡ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ብምምራጽ ንኣብነት መቖም ኣውቶቡስ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ስፖርት ህንጻታትን ሆስፒታላትን ኣበይ ከም ዘለዉ ክትርኢ ትኽእል።

ጀላቡ ጋንጽላ ኣብ ፋርዳ ዓሺገን ኣለዋ። ብነጀው ሸነኽ ጽጌሬዳይ ዕምባብ ዘለዎ ቈጥቋጥ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ንዓኻ ኣብ ገዛ ምስ ቈልዓ ዘለኻ፡ ናይ መውዓሊ ህጻናት ንጥፈታት ንቕርብ ኢና።ኣብ መንጎ 1ን 5ን ዓመት ዝዒድሚኦም ቈልዑ፡ መውዓሊ ህጻናትን ስድራ ቤታዊ ክንክን ህጻናትን ኣለና። ንተወሳኺ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታና ርኣ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ መርበብ ሓበሬታና ብዛዕባ ኣብ ክራምፎሽ ዘሎ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትታትን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣርባዕተ ኣዋልድ ነናተን ናይ ሽወደን ባንዴራ ሒዘን ጥቃ ንጥቃ ደው ኢለን ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ናይ ዞባ ቬስተርኖርላንድ መርበብ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ክንክን ጥዕናን ጥዕናን ከምኡ'ውን ናይ ማእከላት ክንክን ጥዕና፡ ሆስፒታል፡ ክንክን ስኒን ናይ ህጹጽ ኵነት ክሊኒካትን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ክራምፎሽ ኮሙን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ናይ ተሌፎን ኣስተርጐምቲ ክቕርብ ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ክራምፎሽ ብኣውቶቡስ፡ ባቡርን ነፋሪትን ጌርካ ክትገይሽ ቀሊል እዩ። ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ መራኸቢታት ብዝያዳ ኣንብብ።

ሓንቲ ሰማያዊት ተመላላሲት ባቡር ኣብ ጥቓ ሓደ መደበር ደው ትብል ኣላ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ክራምፎሽ ኮሙንን ኣብ ናይ ምምልላስ ርሕቀትን፡ ዓበይትን ናእሽቱን ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉ። ኣብ ናትና መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ክፉታት ስራሕ ኣብዚ ኮሙንን ንዓኻ ናትካ ዋኒን ንከተበግስ ትግደስን ዝከውን ሓበሬታ ኣሎ።