ምክንኻን ኣረጋውያን (Äldreomsorg)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ሓደ ሰብ ምስ ዝኣርግ፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ደገፍ ይደሊ። ኣብ ሽወደን፡ ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ካብቲ ሕብረተሰብ ደገፍን ክንክንን ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም። ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ እቲ ልምዲ፡ ስድራቤትን ኣዝማድን'ዮም ብዕድመ ንዝደፍኡ ዝከናኸኑዎም።፡ ኣብ ሽወደን ግን፡ ዝበዝሕ ግዜ፡ እቲ ሕብረተሰብ እዩ ደገፉ ዝውፊ። ስድራቤት፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ናይቲ ኣረጋዊ ህይወት ይሳተፍ እዩ። ምክንኻን ኣረጋውያን፡ ብሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን (socialtjänstlagen) ሕጊ ሓለዋ ጥዕናን (hälso- och sjukvårdslagen) እዩ ዝምራሕን ዝመሓደርን።

    መንበሪ ቤት ኣረጋውያን

    ብዙሓት ኣረጋውያን፡ ብዝክኣል መጠን ኣብ ገዝኦም ክቕመጡ ይደልዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኸኣ፡ ብደገፍ ሕብረተሰብን ብዝተፈላለየ ኣብቲ ገዛ ዝግበር ምውግጋንን፡ ኣብ ገገዝኦም ንኽቕመጡ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎዎም። ኣብ ገዛኻ ምእንቲ ክትቅመጥ፡ እቲ ኮምዩን፡ ናይ ክንክንን ኣገልግሎትን ሓገዝ ይገብር እዩ። እዚ ኸኣ ዘቤታዊ ኣገልግሎት (hemtjänst) ይብሃል።

    ሰራሕተኛታት ዘቤታዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምጽራይ ገዛ፡ ምስራሕ መግቢ፡ ምንጻፍ ዓራት፡ ኣካላትካ ንኽትሕጸብን ጭሕምኻ ንኽትላጸን ይሕግዙኻ። ምሸትን ለይትን'ውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሕማም ወይ ጉድኣት ምስ ዝህልወካ፡ ሓደ ኣላዪ ሕሙማን ኣብ ገዛኻ እናመጸ፡ ቁስልኻ ይጅንነልካን ኣፋውስ ኣብ ምውሳድ ድማ ይሕግዘካን።

    ኣብ መብዛሕትአን ኮምዩናት፡ ናይ ቀሊል ዕረያ ሓገዝ ዝህቡ ሰራሕተኛታት'ውን ኣለዉ። እዚኣቶም ሳሕቲ፡ 'ኣገልግሎት ጽገና' ይብሃሉ። ንሳቶም፡ ኣሳእል ይሰቕሉልካ ወይ መጋረጃ ይቕይሩልካ። ከምዚ ዝግበር ከኣ፡ እቶም ኣረጋውያን ንኸይወድቁን ንኸይስበሩን እዩ።

    ኣብ ገዛ ምቕማጥ ውሕስነት ምስ ዘይስምዓካ፡ ካልእ ተኽእሎታት ኣነባብራ ኣሎ።

    ልዑልን ውሑስን ገዛ (Seniorboende och trygghetsboende) ዝብሃሉ ገዛውቲ፡ ንኣረጋውያን ተባሂሎም ዝተሰርሑ ገዛውቲ እዮም። ንሳቶም ንኣብነት፡ ትሕት ዝበሉ ድርኩኺታትን ሰፋሕቲ ሊፍትታትን ኣሎዉዎም። እቲ ኣካራዪ ገዛ፡ ነቶም ኣብ ገዛ ኣረጋውያን ዝቕመጡ፡ እንተወሓደ 55 ዓመት ዝዕድመኦም ክኾኑ፡ እቶም ኣብቲ ውሑስ ገዛ ዝኣትዉ ድማ ካብኡ ዝለዓለ ዕድመ ክህሉዎም ይደሊ። ኣብዚ ገዛውቲ'ዚ ንምንባር ካብ ኮምዩን ፍቓድ ኣየድልን። ባዕልኻ ኢኻ እትካረዮ ወይ እትዕድጎ።

    መጽለሊ ወይ ሸልተር (Servicehus) እቲ ኮምዩን ዝውንኖ መንበሪ ኮይኑ፡ ኣረጋውያን ዝካረዩዎ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ገዛ ወይ መጽለሊ እዩ። እቲ ሰብ፡ ናብኡ ቅድሚ ምግዓዙ፡ እንታይ ነገራት ከም ዘድልዩዎ ይጽናዕ። ኣብዚ ገዛ'ዚ፡ እቲ ኣረጋዊ፡ ንኣገልግሎት ጽርየት፡ ምስራሕ መግብን ካልእ ተመሳሳሊ ኣገልግሎታትን ይኸፍል'ዩ።

    ፍሉይ መንበሪ ወይ ጒጅለኣዊ መንበሪ፡ ኣብ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ዝርከብ ነቶም ብዙሕ ክንክን ዘድልዮም ኣረጋውያን ዝኸውን መንበሪ እዩ። ኣብዚ ንምእታው፡ እቲ ሰብ፡ ከቢድ ሕክምናውን ማሕበራውን ክንክን ዘድልዮን ለይትን መዓልትን ክሕገዝ ዘለዎን ክኸውን ይግባእ።