ሞት ምስ ዘጋጥም

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ዘመድ ኣብ ገዛ ምስ ሞተ ነቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ምውካስ ይግባእ። ሓድሓደ ግዜ ንሳቶም ነቲ ሬሳ ብማኪና ናብ ሆስፒታል ይወስዱዎ፡ ኣብኡ ኸኣ እቲ ሓኪም ናይ ሞት ምስክርነት ይህብ። ፍሉይ ለበዋ ምስ ዝህሉዎ፡ ንኣብነት ኣብ ሃይማኖት እተሞርኮሰ፡ ምስ'ቶም ናይቲ ሆስፒታል ሰራሕተኛታት ምዝርራብ ይሓይሽ።

    ግብኣተ-መሬት

    ኣብ ሽወደን ሰብ ሞይቱ ክቕበር ከሎ: ኣዝማድን ፈተውትን ኣብ ቀብሪ ምዉት ይርከቡ እዮም። እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብኸመይ ክካየድ ከም ዘለዎ ብምዉት ዝቐረበ ለበዋ እንተነይሩ፡ ንዕኡ ምትግባር ልሙድ እዩ። ምዉት ኑዛዜ ዝጸሓፈ ወይ'ውን ኣቐዲሙ ብኸምዚ ክቕበር እደሊ ዝበለ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣንፈት-እምነት መሰረት ዝገብር ዝተፈላለየ ኣገባብ ቀብሪ ኣሎ።

    ኣብ ሽወደን ዝበዝሕ እዋን፡ እቲ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ካፐል ይካየድ። ሽወደናዊት ቤተክርስትያን (Svenska kyrkan) ብዘይካ ኣብ'ተን ብኮምዩን ዝካየዳ ስቶክሆልምን ትራኖስን፡ ሃይማኖት ናይ'ቶም ምዉታን ብዘየገድስ: ኣብ ልዕሊ መካነ መቓብራት ሓላፍነት ትስከም።

    ኣዝማድ ነቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ቀብሪ ወኪል ይውከሱዎ። ንሳቶም ብምምሕዳር ዞባ ተመዚዞም ነቲ ናይቲ ዝሞተ ለበዋን ናይ'ቶም ኣዝማድ ድሌትን ኣብ ግብሪ የውዕሉ። ንሳቶም ነቶም ኣባላት ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ዘይኮኑ በቲ ናታቶም መገዲ ከም ዝቕበሩ ይገብሩ። ነዚኣቶም ንምርካብ እቶም ኣዝማድ ነቲ ኮምዩን፡ ነቲ ዞባዊ ምምሕዳር ወይ ነቲ ናይቲ ዝሞተ ሃይማኖታዊ ሰበኻ ክውከሱዎ ይግባእ።

    ግድን ቀብሪ ከተዳሉ ኣለካ ዝብሉ መምርሒታት የሎዉን። ሬሳ ኣብ ሬሳ ሳጹን ግድን ክኣቱ'ለዎ ዝብሉ መምርሒታት ግን ኣለዉ። ምንዳድ-ሬሳ (Kremering) በየናይ ኣገባብ ክትግበር ከም ዘለዎን: ሓመዅሽቲ ኣብ መሬት ብኸመይ ክኣቱ ከም ዘለዎን ዝእዝዙ መምርሒታት'ውን ኣለዉ። ንደተ-ሬሳ ማለት: እቲ ምዉት ሰብ ምስ ሬሳ ሳጹን ኣብ መንደዲ እቶን ይኣቱ ማለት'ዩ። ኣብቲ እቶን ሬሳን ሳጹን ሬሳን ሓሙዅሽቲ ክሳብ ዝኾኑ ብሓደ ይነዱ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዕትሮ ድማ ይእከብ፡ ኣብቲ መቓብር ከኣ ይቕበር። እቲ ሓመዅሽቲ ኣብቲ መካነ መቓብር፡ ኣብ ፍሉይ ቦታ (minneslund)'ውን ክዝሮ ይኽእል'ዩ። ነቲ ሓመዅሽቲ ኣብ ባሕሪ ክዘርዎ ዝደሊ: ካብ ዞባዊ ምምሕዳር (länsstyrelsen) ግድን ፍቓድ ክረክብ ኣለዎ።

    እቲ ሬሳ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኽቕበር ድሌት እንተሎ፡ ነቲ ሬሳ ናብ ወጻኢ ንምስዳድ ክፍሊት ዘሎዎ ኣገልግሎት ዝህብ 'ቤት ጽሕፈት ቀብሪ' ዝብሃል ትካል ኣሎ።

    ኣብ ሽወደን ኣብ መንጎ ሞትን ቀብርን ዘሎ ግዜ ብልምዲ ክልተ ሰሙን እዩ። እቶም ኣዝማድ ምስ ዝድልዩ እቲ ሬሳ ቀልጢፉ ክቕበር ይኽእል እዩ። ብሕጊ ሽወደን ግን እቲ ምዉት እንተ ደንጎየ ድሕሪ ሞት ኣብ ሓደ ወርሒ ክቕበር ወይ ክነድድ ኣለዎ።

    ኣብ ሽወደን ክፉት ቃሬዛ ልሙድ ኣይኮነን፡ ግን ከኣ ዝኽልክል ሕጊ'ውን የልቦን።

    ኣብ ሽወደን ናይ ቀብሪ ግብሪ ይኽፈል እዩ። እቲ ክፍሊት ነቲ ቦታን ነቲ ቤትጸሎትን ንምጥቃም መሰል ይህብ። እቲ ክፍሊት ነቲ ካብ ገዛ ናብ መቓብር ዚግበር ናይቲ ቃሬዛ ናይ ጕዕዞ መሰል እውን የጠቓልል እዩ።

    ኣብ ሽወደን 83% ናይ'ቶም ዝሞቱ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ቤተ ክርስትያን እዩ ዝካየድ። ኣብኡ፡ ካህን ቅዳሴ የስምዕ። ቅዳሴ ክግበረልካ ኣባል ሽወደናዊት ቤተ ክርስትያን ክትከውን ኣለካ። ኣባል ምስ እትኸውን፡ እቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት፡ ክፍሊት የብሉን። ቤተ ክርስትያናዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብ ናጻ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ናይ ካቶሊክ ወይ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያን'ውን ይካየድ እዩ።

    ሲቪላዊ ቀብሪ ካብ ሃይማኖት ናጻ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣይካየድን። እዚ፡ ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ኣብ ጃርዲን ወይ ኣብ ክፉት ናይ ተፈጥሮ ቦታ ይካየድ። እቲ ስነ ስርዓት፡ በቲ ሲቪላዊ ናይ ቀብሪ ወኪል ይካየድ።