መሰል ውርሻ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት መን እንታይ ይወርስ ዝሕብር ሕጊ ኣሎ። እዚ፡ ኣብቲ መሰል ውርሻ ዝብል ሕጊ ሽወደን ሰፊሩ ኣሎ።

    ንብረት ምዉት

    ንብረት ምዉት ዝብሃል፡ ኩሉ'ቲ እቲ ምዉት ገዲፉዎ ዝኸይድ ገንዘብን ንብረትን እዩ። እቶም መሰል ዘሎዎም ኣዝማድ፡ ነቲ ናይቲ ምዉት ንብረት ብሓባር ይወርሱዎ።

    ምምቕቓል ንብረት፡ ምምዝጋብ ንብረትን ምክፋል ውርሻን

    እቲ ዝሞተ ምርዑው እንተ ነይሩ'ሞ ምስ ብጸይቱ ንብረት እንተ ነይሩዎ፡ እቲ ንብረት መጀመርታ ኣብ መንጎ ምርዑዋት ይምቀል። እዚ ድማ፡ ምምቕቓል ንብረት ይብሃል። እዚ ምስተገብረ፡ እቲ ንብረት ይከፋፈል።

    ምምዝጋብ ንብረት ማለት፡ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ንብረት፡ ጥሪትን ዕዳን ቍጽጽር ይካየድ ማለት እዩ። እዚ፡ ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ሞት ክዛዘም ኣለዎ፡ ንምምቕቓል ድማ መሰረት ይኽውን። እዚ ድማ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ንብረት ይከፋፈል ኣሎ ማለት እዩ።

    ኑዛዜ (Testamente)

    ኑዛዜ፡ ሕጋዊ ሰነድ'ዩ። እቲ ኑዛዜ ዝገድፍ ሰብ: መን እንታይ ይወርስ ባዕሉ ክውስን ይኽእል'ዩ። ፍልይ ዝበለ ነገር ግን ኣሎ። ቀጥታ ወራሲ (ደቂ ምዉት: ደቂ ደቁ ንምዉት ወይ ከኣ ደቂ-ደቂ-ደቁ ንምዉት) ሕጋዊ ብጽሒቱ ክሓትት መሰል ኣሎዎ።

    ኑዛዜ፡ ሓድ ሓደ መምርሒታት ክኽተል ኣለዎ። ንኣብነት ብጽሑፍ ክሰፍር ኣለዎ። ክልተ መሰኻኽር ክፍርሙሉ ኣለዎም። ስለ'ዚ ቅድሚ ኑዛዜ ምጽሓፍካ ንኪኢላ ሕጊ ምሕታት ጽቡቕ'ዩ።

    ከይተመርዓዉ ሳምቦ ኮይኖም ተኣኻኺቦም ዝነብሩ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ንብረት ኣይማቐሉን። ነንሕድሕዶም (እቲ ወይ እቲ ሓደ ምስ ሞተ) ክወራረሱ እንተ ደልዮም ለበዋ ክጽሕፉ ይግባኦም።