ምዕባለ ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ነዚ ናይ ሽወደን ምዕባለ ደሞክራስን ህዝባዊ ኣቃውማ ናይ'ዚ እዋን'ዝን፡ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት እዮም ጸልዮሞ። ብፍላይ ኣብ 19 ክፍለ ዘመንን ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመንን ዝተኸስቱ ፍጻመታት፡ ኣገደስቲ ነይሮም። እዞም ፍጻመታት'ዚኣቶም ድማ፡ ነዛ ዘመናዊትን ደሞክራስያዊትን ሽወደን'ዚኣ መሰረት ኣንቢሮሙላ።

    መሰል ሕትመት፡ መሰል ርእይቶን መሰል እምነትን፡

    ካብ 1809 ዓ.ም ጀሚሩ፡ እቲ መንግስቲ፡ ነቲ መሰረታዊ ህዝባዊ ናጽነትን መሰልን ኣደልዲሉዎ። ካብ 1766 ዓ.ምጀሚሩ፡ ሽወደን፡ ኩሉ ሰብ፡ ሓሳባቱ፡ ርእይቶኡን ስምዒቱን ብጽሑፍ ኮነ ብዘረባ ክገልጽ ከምኡ'ውን ንመሰላት ሕትመትን ርእይቶን ዘረጋግጽ ሕጊ ኣተኣታትያ። ካብ 1809 ዓ.ም ከኣ፡ ኩሉ ነባሪ፡ ሃይማኖቱ ባዕሉ ንኽመርጽ መሰል ተዋሂቡዎ።

    ሓፈሻዊ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ

    ብ1842 ዓ.ም፡ ኣብ ሽወደን ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ተጀሚሩ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ድማ፡ ኩሉ ቖልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸይድ ማለት እዩ። ብዙሓት ሰባት ክጽሕፉን ከንብቡን ክኢሎም። እዚ ድማ ነቲ ናይ ሽወደን ምዕባለ ደሞክራሲ ኣገዳሲ ቅድመ ኲነት እዩ ነይሩ።

    ህዝባዊ ምንቅስቓስን ማሕበራዊ ናጽነትን

    ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘመን፡ ከም ብዓል "ብዓቐን ምስታይ፡ ናጻ ኣብያተ ክርስትያን፡ ምንቅስቓስ ደቀንስትዮ፡ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታትን ምዕባለ ፖለቲካዊያን ሰልፍታትን ዝኣመሰሉ እናዓበዩ መጺኦም። እዚ ድማ፡ ንደሞክራሲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ነይሩ። ኣብ ሓደ ጒጅለ ብምጥርናፍ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ክልውጡዎ ዝደልዩዎ ብቐሊል መገዲ ክገብሩዎ ይኽእሉ ነይሮም። ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ሰባት ንኽውደቡ፡ ክተኣኻኸቡን ለውጢ ከምጽኡን ደፋፊኡዎም። ዝተፈላለያ ውድባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጒዳያት ይነጥፋ ነይረን። እቲ ናይ ሰራሕተኛታት ምንቅስቓስ ንኣብነት፡ ጾታን ትሕዝቶን ዘይፈሊ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ቅድመ ኲነትን ናይ ምድማጽ መሰልን ኣማዕቢሉ።

    ብ1909 ዓ.ም መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ተባዕትዮ፡ ናይ ምድማጽ መሰል ረኺቦም። ብ1919 ዓ.ም፡ ደቀንስትዮ፡ ብውሑዱ፡ ኣብ ኮምዩናት ከድምጻ መሰል ረኺበን። ካብ 1921 ዓ.ም ኩላቶም በጽሕታት ኣንስትዮን ተባዕትዮን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ንኸድምጹ መሰል ረኺቦም።