ደሞክራሲ እንታይ ማለት'ዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ደሞክራሲ ዝብል ቃል፡ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ቃል ኮይኑ፡ ሓፈሻዊ ትርጒሙ ድማ፡ "ህዝባዊ ምምሕዳር" ማለት እዩ። ንደሞክራሲ ዝምልከት ሕቶ፡ ንኣሸሓት ዓመታት ክትዕ ተኻዪዱሉ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝሰማምዓሉ ሓደ ዓይነት መግለጺ ኣይተረኸበሉን። ምኽንያቱ ድማ፡ ደሞክራሲ፡ ኩሉ ግዜ ቀጻሊ፡ ማዕባልን ተለዋዋጥን ብምዃኑ እዩ። ይኹን'ምበር፡ ኩሉ ሰብ ዝሰማምዓሎም ነጥብታት ኣለዉ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ 'ናይ ወድሰብ ማዕርነት፡ መሰል፡ ናጻ ርእይቶ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ሓደ ምዃኑን ናጻ ምርጫ ምክያድን' ዝብሉ እዮም።