ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ደሞክራሲ ንኽሰርሕ ሕግን ስርዓትን የድሊ። ኣብ ሽወደን፡ እዞም መሰረታውያን ሕግታት'ዚኣቶም ኣገደስቲ ሕግታት እዮም። እዚኣቶም፡ ነቲ ካልእ ሕግታት መሰረት ይኾኑ። ሽወደን ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ድማ ቅርጺ ይፈጥሩ። እዞም ሕግታት'ዚኣቶም፡ ንደሞክራሲ ይዕቅቡ፡ ልዕሊ ኩሉ ሕጋጋት ከኣ'ዮም። ይኹን'ምበር ትሕዝቶ ናይ'ቶም ናይቲ ሃገር ሓፈሻዊ ሕግታት ምስ'ቶም መሰረታውያን ቅዋማት ዝጻረሩ ክኾኑ የብሎምን።