ምእራግ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ፡ ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ። ብደረጃ ሃገር ክርአ እንከሎ፡ ማእከላይ ንውሓት ዕምሪ ነበርቲ ሽወደን(Medellivslängden)፡ 82 ዓመት እዩ። ማእከላይ ንውሓት ዕምሪ ደቀንስትዮ 84 ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ፡ 80 ዓመት እዩ።

    ብዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና'፡ ኣገባቡ ንዝሓለወ ናይ ምእራግ መስርሕ፡ ኣገደስቲ ዝኾና ኣርባዕተ ነጥብታት የቕርብ፦

    • ኣካላዊ ንጥፈታት
    • ጥዑይ ኣመጋግባ
    • ማሕበራዊ ርክባት
    • ትርጒም ዘሎዎም ስራሓት/ተደላዪ ኴንካ ክስምዓካ ከሎ

    ነቲ ምስ ኣረግካ ዝህሉወካ ኲነታት፡ ብንእስነትካ ከለኻ ኢኻ ትጸልዎ። ሽጋራ፡ ሕማቕ ኣበላልዓ፡ ጭንቀት፡ ዘይምንቅስቓስ፡ ድሮጋን ኣልኮልን ንኹልና ሕማቕ እዩ። ጥዑይ ኣበላልዓን ወትሩ ምንቅስቓስን፡ ሰብ ምስ ኣረገ ጥዕና ዝመልኦ ንክኸውን ኣስተዋጽኦ ኣሎዎ። ነዊሕ ንኽነብር ድማ፡ ኣስተዋጽኦ ይገብረሉ።

    ኣካላዊ ለውጢ

    ክሳዕ 40 ዓመት ዕድመ፡ ኣካላውን ስጋውን ለውጢ፡ ዉሑድ እዩ። ደሓር ግን ይውስኽ። እቲ ኣብ ዋህዮታትና ዘሎ ናይ ውርሻ ታህዋስ (DNA) ነቲ ኣብ ኣካላትና ዝርአ ናይ ምእራግ መስርሕ ይመርሖ። ናይ ምእራግ መስርሕ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም ቀልጢፎም ይስይቡን ገጾም ዕጥርጥር ይብልን። ኣብ ገሊኦም ግን ጸኒሑ'ዩ ዝኽሰት።

    እቲ ናይ ምእራግ ስጋዊ ለውጢ፡ ከም እንሓጽር፡ ከም እንዝሕትልን ከም እንትክዝን ይገብረና። እቲ ኣብ ኣካላትና ዝካየድ ናይ መግቢ ምሕቃቕ መስርሕ ስለ ዝንኪ፡ ድርቀት ይገብረልና። ስለዚ፡ ብዙሕ ማይ ምስታይ ኣገዳሲ እዩ።

    ምንካይ መስርሕ ምሕቃቕን እርጋንን፡ ብዙሕ ከም ዘይትንቀሳቐስን ብዙሕ ከም ዘይትበልዕን ይገብረካ። ስለዚ እቲ እትበልዖ መግቢ፡ ጽቡቕ ብቕዓት ዘሎዎ ክኸውን ይግባእ። ከምኡ'ውን ሚዛናዊ ማኣዛ፡ ቪታሚንን ሚነራልን ዘሎዎ ክኸውን ይግባእ።

    ኣረጋውያን ንኽርእዩ፡ ካብ ናይ መንእሰያት ዝዛየደ ብርሃን የድልዮም። ስለዚ፡ ኣብ ገዛ እኹል መብራህቲ ክህሉ ይግባእ። ምስ ትኣርግ፡ ልዑል ድምጺ ክትጻወር ኣይክኣልን። ልዑል ድምጺ ኣብ ዘሎዎ ከባቢ ድማ፡ ቃላት ክትፈላሊ ኣይክኣልን።

    ኣረጋውያን፡ ሚዛኖም ክሕሉዉ ስለ ዘይክእሉ ካብ ንኣሽቱ ንላዕሊ ምውዳቕ የዘውትሩ። ኣብ ገዛ ንዘጋጥሙ ምውዳቓት ንምክልኻል፡ ብዙሓት ብልሓታት ኣሎዉ። እቶም ንምውዳቕ ጠንቂ ዝኾኑን ዝዕንቅፉን ንኣብነት፡ ናይ ባይታ ምንጻፍን ክብ ዝበሉ ድርኩኺታትን ክእለዩ ይግባእ።

    ኣረጋውያን፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ካብ ነኣሽቱ ንላዕሊ ብመድሃኒት ተነቀፍቲ እዮም። ኣረጋውያን፡ ኣብ ኣካላቶም፡ ውሑድ ፈሳሲ፡ ግን ከኣ ብዙሕ ስብሒ ኣሎዎም። ስለዚ፡ ገለ ኣብ ስብሒ ዝሓቁ መድሃኒታት፡ ኣብ ኣካላት ናይ ኣረጋውያን፡ ካብ ዝግብኦም ግዜ ንላዕሊ ይጸንሑ።

    ናይ ኣእምሮ ለውጢ

    ምስ እርጋን፡ ሓንጎል'ውን ይልወጥ እዩ። ብዝሒ ዋህዮታት ሓንጎል ይንኪ። ሓንጎል ድማ ይንእስ። መስርሕ ዕዮኡ ግን ዓቢ ለውጢ ኣይገብርን እዩ። ናይ ምዝካር ተኽእሎ ብዙሕ ኣይጽሎን። ቃላት ኣብ ምዝካርን ኣብ ሓፈሻዊ ፍልጠትን ድማ፡ ኣብ ግዜ እርጋን ብዝበለጸ እዩ ዝውስኽ።

    ምስ እርጋን ናይ ምርሳዕ ሕማም ይውስኽ። ምንካይ ዝኽሪ ግን ምስ ናይ ምርሳዕ ሕማም ዝተተሓሓዘ ኣይኮነን። ንኣብነት ጥዑይ ምርሳዕ ዝብሃል፡ መረጼንካ ወይ መፍትሕካ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ምርሳዕ እዩ። መረጼን ዓይንን መፍትሕን ከም ዘሎካ ክትርስዕ ከሎኻ ወይ ድማ ኣብ ሓደ እትፈልጦ ቦታ ኬድካ ኣበይ ከም ዘሎኻ ክጠፍኣካ ከሎ ግን፡ ምልክት ሕማም ረሲዕ እዩ።

    ብኣካልን ብኣእምሮን ንጡፍ ምዃን ጽቡቕ እዩ። ሓንጎል ወድሰብ ብመገዲ ቃላት፡ ስእሊ፡ ደርፊ፡ ሙዚቃ፡ ጸወታን ስሓቕን፡ እንስሳታት፡ ተፈጥሮን ማሕበራዊ ርክባትን፡ ኩሉ ግዜ'ዩ ክምሃር ዝደሊ። ሓንጎል ወድሰብ ንኽምሃር እርጋን ኣይፈልጥን እዩ። ምስ ኣረግካ ንሓደ ነገር ክትምሃሮ ግን፡ ነዊሕ ግዜ እዩ ዝወስድ።

    ሓንጎል፡ ብብዙሓት መድሃኒታት ተነቃፊ እዩ። ንኣብነት፡ ቅሳነት ዘምጽኡን መደቀስን መድሃኒታት፡ ከምኡ'ውን ቃንዛ ደው ዘብሉ ሞርፊን ዘሎዎም ዝበዝሑ መድሃኒታትን ማለት'ዩ።

    ማሕበራዊ ለውጢ

    ኣብ ግዜ ጡረታ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ህይወትካ፡ ንግዜኻ ከመይ ጌርካ ከም እትጥቀመሉ እትውሰነሉ እዋን ይጅምር። ድሕሪ 65 ዓመትዕድመ ጡረታ፡ ኣብ ስራሕ ዝቕጽሉ ኣረጋውያን ብዙሓት እዮም። ገሊኦም ድማ፡ ደሞዝ ዘይብሉ ወለንታዊ ስራሕ ይሰርሑ።

    ኣብ ግዜ እርጋን ዝህሉወካ ጽቡቕ ህይወትን ናብራን፡ ግሩም ዝኾነ ህይወት ንኸተሕልፍን ኲነታት ህይወትካ ትርጉም ንኽህሉዎን ንነገራት ከመይ ጌርካ ትወጋግኖም ይውስኖ እዩ። መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ህይወት መቐረት ዝህሉዎ፡ ምስ ሕብረተሰብ ምስ ዝተኣሳሰር እዩ። ንጡፍ ምዃን፡ ተደላዪ ምዃንን ምስ ከማኻ ሰባት ድማ ጽቡቕ ምሕዝነት ምህላውን ዝኣመሰሉ ነጥብታት ወሰንቲ እዮም።