ጡረታ (Pensioner)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ጡረታ፡ ዕድመ ደፊእኩም ስራሕ ደው ምሰ ኣበልኩም እትወስዱዎ ገንዘብ‘ዩ። ክንደይ ዝመጠኑ ጡረታ ይውሃበኩም፡ ክፈላለ ይኽእል‘ዩ። መጠን ዝውሃበኩም ጡረታ፡ ደሞዝኩም ክንደይ ነይሩ፡ ክንደይ ዝኸውን ግዜ ሰሪሕኩም፡ ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ከ ኣቐሚጥኩም ኣብ ዝብሉ ረቛሒታት ይምርኮስ።

    ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጡረታኻ ብተወሳኺ ክትፈልጥ ምስ እትደሊ፡ ምስ 'ሃገራዊ ወኪል ጡረታ' ብተለፎን ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሃቢ ኣገልግሎት ቆጸራ ብምሓዝ ብውልቂ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

    ክትሰርሕ: ክትምሃር ወይ ዕረፍቲ ወላዲ ክትወስድ ከለኻ፡ ዓመት ዓመት፡ ንጡረታኻ ዝኸውን ገንዘብ ተዋህልል። ሓፈሻዊ ጡረታ፡ ብእቶታዊ ጡረታን ብክፍሊታዊ ጡረታን ይቐውም። እዚ ድማ፡ ኣብ እቶትካ ይምርኮስ። ውሑድ ወይ ምንም እቶት ዘይነበረካ ምስ እትኸውን፡ ውሕስነታዊ ጡረታ ትረክብ።

    እቶታዊ ጡረታ (inkomstpension)

    ክንደይ ዝመጠኑ እቶታዊ ጡረታ ትረክብ፡ ኣብ እቶትካ'ዩ ዝምርኮስ። ዓመት ዓመት፡ 16% ናይ እቶትካ ወይ ደሞዝካ፡ ንእቶታዊ ጡረታ ትኸፍሎ። ብዘይካ ካብ ስራሕካ እትረኽቦ እቶት፡ ናይ ስራሕ ኣልቦ ካሕሳ፡ ናይ ሕማምን ስንክልናን ካሕሳ፡ ከምኡ'ውን ናይ ወላዲ ካሕሳ'ውን ከም እቶት ይቑጸር እዩ።

    ክፍሊታዊ ጡረታ (premiepension)

    ዓመት ዓመት 2.5% ናይ ኣታዊኻ ወይ ደሞዝካ፡ ከም ንረብሓዊ ወፈያ ተቐማጢ ትኸፍል። እዚ ኸኣ ክፍሊታዊ ጡረታ ይብሃል። እዚ ረብሓዊ ትካል'ዚ፡ ብብርክታት ዝቖመ እዩ። ገንዘብካ ኣበየኖት ብርክታት ከም ዝኣቱ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን። ስለዚ፡ ክንደይ ዝመጠኑ ክፍሊታዊ ጡረታ ከም እትረክብ፡ እቲ ዝኸፈልካዮ ድምር ገንዘብን: ገንዘብካ ክትወስድ ከለኻ እቲ ኣብቲ ትካል ዘሎ ብርክታት ከመይ ይኸይድ ኣሎን እዩ ዝውስኖ።

    ውሕስነታዊ ጡረታ (garantipension).

    ውሕስነታዊ ጡረታ፡ ነቶም እቶት ዘይነበሮም ወይ ትሑት እቶት ናይ ስራሕ ዝነበሮም'ዩ ዝምልከት። ምሉእ ውሕስነታዊ ጡረታ ክትወስድ፡ ኣብ ሽወደን፡ እንተ ወሓደ 40 ዓመታት ዝተቐመጥካ ክትከውን ኣለካ። ኣብ ሽወደን፡ ካብ 40 ዓመታት ንታሕቲ እንተ ተቐሚጥካ፡ ውሕስነታዊ ጡረታ፡ ትሕት ይብል። ውሕስነታዊ ጡረታ፡ ካልእ ዓይነት ጡረታ እንተለካ'ውን ትሕት ክብል ይኽእል'ዩ። ንኣብነት እቶታዊ ጡረታ እንተለካ።

    ሞያዊ ጡረታ (tjänstepension)

    ሞያዊ ጡረታ፡ ክፋል ናይ'ቲ ወሃብ ስራሕካ ዝኸፍሎ ጡረታ'ዩ። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት፡ መሰል ሞያዊ ጡረታ ኣሎዎም። ሞያዊ ጡረታኻ እንታይ ከም ዝመስል፡ ማሕበራት ሞያውያንን ወሃብቲ ስራሕን ዝበጽሑዎ ስምምዕ'ዩ ዝውስኖ። ተምሃራይ፡ ሸቕለት ኣልቦኛ፡ ሓባራዊ ውዕል ዘይብሉ ስራሕ ዝሰርሕ፡ ከምኡ'ውን ብዓል ዋኒን፡ ሞያዊ ጡረታ ኣይረክብን'ዩ።

    ናይ ውልቅኹም ትካል ምስ ዝህልወኩም፡ ባዕልኻትኩም ኢኹም ገንዘብ ጡረታኹም ትኸፍሉ። እዚ ኸኣ ባዕላዊ-ክፍሊት (egenavgift) ይብሃል።

    ውልቃዊ ጡረታ (privat pension)

    ንጡረታኻ ዝኸውን ገንዘብ፡ ባዕልኻ ክትቁጥብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ባንኪ ወይ ኣብ ሓደ 'ኩባንያ ውሕስነት ጡረታ' (pensionsförsäkringsbolag)፡ ኣብ 'ማእከል ውሕስነት ናይ ዝተኣከበ ገንዘብ (fondförsäkring)' ክትቊጥብ ትኽእል ኢኻ። ወርሒ ወርሒ፡ ክንደይ ዝመጠኑ ገንዘብ ከም እትቝጥብን ምቝጣብ ምዓስ ከም እትጅምርን ትውስን ባዕልኻ ኢኻ።

    ጽገናዊ መናበዪ ሓገዝ ንእርጋን(Äldreförsörjningsstöd)

    ዝውሃበኩም መጠን ጡረታ ምስ ዘይኣኽለኩም፡ 'ጽገናዊ መናበሪ ሓገዝ ንኣረጋውያን (Äldreförsörjningsstöd)' ዝተሰምየ ሓገዝ ክግበረልኩም ይኽእል። 65 ዓመት መሊእኩም፡ ኩሉ ዝምልከተኩም ናይ ጡረታ ሓለፋታት እናወሰድኩም፡ ከናብረኩም ምስ ዘይክእል፡ 'ጽገናዊ መናበሪ ሓገዝ ንኣረጋውያን' ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ሓገዝ ንምርካብ ከተመልክቱ እንከለኹም፡ ብዓል መዚ ጡረታ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ክራይ-ገዛ (bostadstillägg) ይግብኣኩም ድዩ ወይስ ኣይፋሉን'ውን ይርኢ እዩ።

    ተወሳኺ ሓገዝ ክራይ-ገዛ ንጡረተኛታት

    ሓገዝ ክራይ-ገዛ'፡ ኣብ ልዕሊ ሓፈሻዊ ገንዘብ ጡረታ ዝውሃብ ተወሳኺ ገንዘብ እዩ። ክንደይ ዝኸውን ተወሳኺ ሓገዝ ክራይ-ገዛ ክውሃበኩም ይኽእል ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ እትኸፍሉዎ መጠን ክራይ-ገዛ፡ ኣታዊኹም፡ እትውንኑዎ ንብረት፡ ኩነታት ስድራቤትኩምን ዝኣመሰሉን ረቛሒታት ዝተመርኮሰ እዮ።

    65 ዓመት መሊእኩም፡ ምሉእ ገንዘብ ሓፈሻዊ ጡረታኹም ክትወስዱዎ ድሕሪ ምጅማርኩም ኢኹም፡ ነዚ ሓገዝ'ዚ ክውሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ። ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ትነብሩ ኣለኹም ብዘየገድስ፡ ንኣብነት ኣብ ገዛ-ኽራይ ወይ ኣብ ዝገዛእኩሞ ገዛ፡ ነዚ ሓገዝ'ዚ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንብረት ምስ ዝህልወኩም'ውን ብተመሳሳሊ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

    ምስ ጡረታኻ ናብ ወጻኢ ሃገር ምግዓዝ፡

    እቶታዊ ጡረታ፡ ክፍሊታዊ ጡረታ፡ ሞያዊ ጡረታ፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ጡረታ ሒዝካ ኣብ ካልእ ሃገርን ንዘይተወሰነ ግዜን ክትቅመጥ ይክኣል እዩ። ነቲ ናይ ውሕስነት ጡረታ garantipension ግን፡ ክትቅጽሎ ትኽእል ኣይመስልን። ነዚ፡ ኣበይ ሃገር ከም ዝገዓዝካን እንታይ ሓለፋታት ከም ዘሎካን እዩ ዝውስኖ። ናብ ውሽጢ ሃገራት EU/EES ስዊዘርላንድን ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ናብ ካናዳ ምስ እትግዕዝ፡ ነቲ ውሕስነት ጡረታ ክትሕዞ ትኽእል ኢኻ። እቲ 'ጽገናዊ መናበሪ ሓገዝ እርጋን' ግን ካብዛ ሃገር ወጺኻ ክትከይድ ከሎኻ ጀሚሩ እዩ ዘቋርጽ።