ናይ ሽወደን ስርዓተ ምርጫ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ክውክሉና እንደልዮም ሰባት፡ ብሓፈሻዊ ድምጺ ምምራጽና፡ መሰረት ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ እዩ። ምርጫ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ዝካየድ ፖለቲካ፡ ብምርጫ እዩ ዝጸልዎ።

    ሓፈሻዊ ምርጫ

    ኣርባዕተ ዓይነታት ሓፈሻዊያን ምርጫታት ኣሎዉ:-

    • ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ
    • ምርጫ ኣውራጃዊ ባይቶ
    • ምርጫ ኮምዩናዊ ባይቶ
    • ምርጫ ኤውሮጳዊ ባይቶ

    እቶም መራጾ፡ ንሓደ ሰልፊ ይመርጹ። ኣብኡ ኸለዉ ድማ፡ ንሓደ ካብ'ቶም ኣብቲ መድመጺ ካርዲ ዘለዉ ሕጹያት ክመርጹ ይኽእሉ። ኩሉ ሰብ፡ ነቲ ዝደለዮ ሰልፊ ክመርጽ ይኽእል።

    ስርዓተ ምርጫ ሽወደን፡ ሚዛን ዝሓለወ እዩ። እተን ሰልፍታት፡ ብመጠን ዝረኸበኦ ብዝሒ ድምጺ፡ ኣብ'ቶም ዝተመርጹ ጉጅለታት ወኪላት ይህልዉወን።

    ባይቶኣዊ፡ ኣውራጃውን ናይ ኮምዩንን ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ኣብ ኣረርባዕተ ዓመታት ሓንሳብ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ይካየድ። እዞም ምርጫታት'ዚኣቶም ኩላቶም፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ይካየዱ። ናብ ፓርላማ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝቐንዐ ምርጫታት፡ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመታት ሓንሳብ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ወርሒ ሰነ ይካየድ።

    ህዝባዊ ረፈረንደም

    ህዝባዊ ምርጫ፡ ነቶም ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ከባብያውን ጽፍሕታት ዘለዉ ፖለቲከኛታት፡ ህዝቢ ብዛዕባ ሓደ ፖለቲካዊ ጒዳይ፡ እንታይ ዓይነት ርእይቶ ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ዕድል ይህቦም። ኣብ ሽወደን፡ ክልተ ዓይነት ህዝባዊያን ረፈረንደማት ኣሎዉ። ምኽሪ ዝህብ ህዝባዊ ረፈረንደምን ንቕዋም ዝምልከት ሕቶ ንምምላስ ዝግበር ህዝባዊ ረፈረንደምን እዮም። እቲ ምኽሪ ዝህብ ረፈረንደም፡ ኣሳሪ ኣይኮነን። እቶም ፖለቲከኛታት፡ ነቲ ውጽኢት ረፈረንደም ዝጻረር ውሳነ ክህቡ'ውን ይኽእሉ እዮም። እቲ ንቕዋም ዝምልከት ረፈረንደም፡ ምስ ባይቶኣዊ ምርጫ ብሓደ ብምትእስሳር ይካየድ። ኩሉ ግዜ ድማ፡ ኣሳሪ እዩ። ይኹን ዳኣ'ምበር፡ ከምዚ ዓይነት ምርጫ'ዚ፡ ኣብ ሽወደን ተገይሩ ኣይፈልጥን'ዩ።

    ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ናይ ቀረባ ዝብሃል ህዝባዊ ረፈረንደም፡ እቲ ብ2003 ዓ.ም. ዝተኻየደ ረፈንደም እዩ ነይሩ። እቲ ረፈረንደም'ቲ ዝተገብረሉ ምኽንያት ከኣ፡ "ባጤራ ሽወደን (ክሮና) ብባጤራ ኤውሮ ይተካእ'ዶ?" ዝብል ሕቶ ንምምላስ ዝተገብረ ረፈረንደም'ዩ ነይሩ። እቲ ዓብላሊ ድምጺ ከኣ፡ 'ኣይፋል' ዝብል እዩ ነይሩ። ብደረጃ ከባቢ ክርአ እንከሎ፡ ዓመታዊ፡ ኣብ ገለ ወይ'ውን ብርክት ዝበላ ኮምዩናት፡ ረፈረንደም ይካየድ እዩ። ንዝኾነ ሕቶ ብዝምልከት፡ ንምኽሪ ዝዓለመ ረፈረንደም ምእንቲ ክካየደሉ፡ እቲ ጒዳይ ብውሑዱ 10% ዝኾኑ ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ሰባት ከልዕሉዎ ኣለዎም። እዚ ኸኣ ህዝባዊ ተበግሶ (folkinitiativ) ይብሃል። ክልተ ሲሶ ናይ ኣባላት መሪሕነት ኮምዩን ወይ ኣውራጃ፡ ነቲ ሓሳብ ምስ ዝቃወሙዎ ረፈረንደም ክካየድ ኣይክእልን እዩ።

    መሰል ድምጺ

    ሽወደናዊ ዜግነት ዘለካን 18 ዓመት ዝመላእካን እንተዳኣ ኴንካ ኣብ ምርጫ ባይቶ ሽወደን ከተድምጽ መሰል ኣሎካ ።

    18 ዓመት ዝመላእካን ዜጋ ሓንቲ ሃገር ካብ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት እንተዳኣ ኴንካን፡ ኣብ ምርጫ ኤውሮጳዊ ባይቶ ከተድምጽ መሰል ኣሎካ።

    እቶም 18 ዓመት ዝመልኡ፡ ኣብ ሽወደን ብዉሑዱ፡ ብወግዓዊ ምዝገባ 3 ዓመት ዝተቐመጡ ሰባት፡ ኣብ ናይ ኮምዩንን ኣውራጃን ምርጫታት ክሳተፉ መሰል ኣሎዎም። ኣብዚ ምርጫታት'ዚ ንምስታፍ፡ ሽወደናዊ ዜግነት ኣይሓትትን እዩ።

    ብዓል መዚ ምርጫ (Valmyndigheten)፡ ቅድሚ ምርጫ፡ ናብ'ቶም ከድምጹ መሰል ዘሎዎም ሰባት፡ መድመጺ ወረቐት ይልእኽ። መድመጺ ወረቐት፡ ናብቲ ዝተመዝገብካሉ ኣድራሻ ይልኣኽ። ንኸተድምጽ፡ መድመጺ ወረቐትን መንነትካን ክትማላእ ኣለካ።

    ከተድምጽ መሰል እንተሎካ፡ ንፖለቲካዊ ዕማም ክትምረጽ'ውን መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ኣውራጃዊ ባይቶን ኮምዩናዊ ባይቶን ክትምረጽ ትኽእል ኢኻ ማለት'ዩ።

    ከተድምጽ ከለኻ፡ ነታ እትድግፋ ሰልፊ ትመርጽ። ስም ናይቲ ክትድግፎ እትደልዮ ሰብ'ውን ናይ ኤክስ፡''X" ምልክት ብምግባር ክትመርጾ ትኽእል ኢኻ። እዚ ምርጫ'ዚ ኸኣ፡ ውልቀ ሰባዊ ምርጫ (personrösta) ይብሃል።

    ምርጫታት ሽወደን፡ ብስቱር መልክዕ እዮም ዝካየዱ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነየነይተን ሰልፊ ድምጽኹም ሂብኩም ምዝራብ ኣየድልየኩምን እዩ ማለት'ዩ። እቶም ንመስርሕ ምርጫ ዘመሓድሩን ድምጽኹም ዝቕበሉኹምን ሰባት'ውን ኣየነይቲ ሰልፊ ከም ዝሓረኹም ክበጽሑዎ ኣይክእሉን እዮም።

    ገደብ ንንኣሽቱ ሰልፍታት

    ሓንቲ ሰልፊ፡ ኣብ ባይቶ ክትውከል እንተኾይና፡ 4% ሃገር-ለኸ ድምጺ ወይ'ውን 12% ድምጺ ካብ ሓደ ናይ ምርጫ ነቚጣ ክትረክብ ኣለዋ። ሓንቲ ሰልፊ፡ ኣብ ኣውራጃ ንኽትውከል እንተወሓደ፡ 3% ድምጺ ክትረክብ ኣለዋ። ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምውካል'ውን ከምቲ ናይ ባይቶ፡ 4% ድምጺ የድሊ። ኣብቲ ኣብ ዓመተ 2018 ዝካየድ ምርጫ ናይ ኮምዩናዊ ባይቶ፡ ንነኣሽቱ ሰልፍታት ዝምልከት ሓድሽ ናይ ትሑት ድምጺ ገደብ ክተኣታቶ እዩ። እቲ ገደብ 2% ወይ'ውን 3% ድምጺ ምርካብ ክኸውን እዩ። 2% ወይ 3% ዝኾነሉ ከኣ፡ ኣብ ቊጽሪ ናይ'ቶም ኣብቲ ኮምዩን ዝርከቡ ናይ ምርጫ ነቚጣታት ዝተመርኮሰ እዩ።

    ኣብ ባይቶ ሽወደን ቦታ ዘይብለን ኣብ ኮምዩናትን ዞባታትን ግን ኣባላት ዘለዉወን ሰልፍታት ኣለዋ።