ፖለቲካዊ ስነ ሓሳባትን ሰልፍታትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ምርጫ ክትሳተፉ ከለኹም፡ እትድግፉዋ ፖለቲካዊት ሰልፊ ትሓርዩ። ፖለቲካዊት ሰልፊ፡ ተመሳሳሊ ሓሳባት ዘለዎም፡ ንኹነታት ሃገር ክጸልዉ ዝደልዩ ኣባላት ዝሓቖፈት ውድብ እያ። ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ፡ ሕብረተሰብ ንምምዕባል ዝዓለመ፡ ሓሳባት ዝሓቖፈ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ኣሎዋ። መብዛሕትአን ናይ'ዘን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ዝማዕበለ ስነ ሓሳብ እየን።

    ዓቃባውነት

    'ኮንሰርቫቲቭ'(ዓቃባዊ) ትብል ቃል፡ ካብ 'ኮንሰርቫረ' (conservare) ትብል ናይ ላቲን ቃል ዝመጸት ኮይና፡ ትርጉማ ድማ ምዕቃብ ማለት'ዩ። እቶም ቀዳሞት ዓቃባውያን(ኣብ 18 ክፍለ ዘመን)፡ ታሪኽ ሃገር፡ ልምድታትን ሃይማኖትን ክዕቅቡ ይደልዩ ነይሮም። ስልጣን፡ ምስ ንጉስ፡ ምስ ቤተ ክርስትያንን ምስ ልኡላን ማሕበረሰብን ክኸውን ይደልዩ ነይሮም። ቀንዲ ሓሳባት ዓቃባውያን ዝነበረ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝርአ ዝነበረ ቅልጡፍ ለውጢ ንምጽራር፡ ነቲ ልምዲ ድማ ብመሰረት ናይ ስድራቤትን እምነትን ክብርታት ምሕላው እዩ።

    ሶሻሊዝም (ማሕበርነት)

    ሶሻሊዝም' እትብል ቃል፡ ካብ 'ሶስዩስ' (socius) ትብል ቃል ላቲን ዝመጸት ኮይና፡ ትርጉማ ድማ 'ብጻይ' ማለት'ዩ። እቶም ቀዳሞት ማሕበርነታውያን (ኣብ 19 ክፍለ ዘመን) ንመሰላት ሰራሕተኛታት ከውሕሱ ይደልዩ ነይሮም። ፋብሪካታትን ትካላትን ብብሕቲ ክውነና ኣይደልዩን ነይሮም። ኣብ ክንድኡ ግን፡ ሰባት ብሓባር ኮይኖም ክውንኑዎ ይደልዩ ነይሮም። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ'ዞም ማሕበርነታውያን ድማ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ምዕሩይነት ምስፋን እዩ።

    ካልእ ፖለቲካዊ ርእየት

    ኣብ 20 ክፍለ ዘመን፡ ካልእ ርእዮተ ዓለም በቚሉ። እቲ ሓሳባት ድማ፡ ንመላእ ዓለም፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ጸልዩዋ።

    መሰል ደቅንስትዮ፡ ካብ ቀደም ዝነበረ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ግን እናሓየለ መጺኡ። ንመሰል ደቀንስትዮ ዝጣበቑ፡ "ኣብ ሕብረተሰብ፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ንላዕሊ ስልጣን ምውናኑ ቅኑዕ ኣይኮነን" ይብሉ ነበሩ። ፖለቲካዊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን መሰላት ደቀንስትዮ ኣብ ምሕያል ድማ የተኲሩ ነይሮም።

    ስነ ኣከባቢያዊነት፡ ከም ስነ ሓሳባት፡ ንሰብ ከም ሓደ ክፋል ተፈጥሮ እዩ ዝወስዶ። ፖለቲካዊ ስነ ኣከባቢያዊነት ድማ፡ ንግሩም ተፈጥሮን ቀጻልነት ንዘለዎ ስነ ኣከባብያዊ ምዕባለን ይነጥፍ።

    ሃገራውነት ከም ስነ ሓሳብ ድማ፡ ነቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ሕብረተሰብኣውነት ይገልጾ። ሃገራውያን፡ ንሃገሮም፡ ነቲ ናይ ሃገሮም ባህልን ታሪኽን ክዕቅቡ ይደልዩ። ሃገራውያን፡ ንምትሕንፋጽ ባህልታት ይነቕፉ።

    ፋሺሽትነትን ናዚስትነትን ዝተሰምዩ ስነ ሓሳባት፡ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን እዮም ተቐልቂሎም። ቀንዲ ምጉት ፋሺስታውን ናዚስታውን ስነ ሓሳብ፡ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብዝተሓርዩ ፖለቲከኛታት ዘይኮነ ብሓያላት ኢሊታት (በሃራት ኢና በሃልቲ) ክምራሕ ኣለዎ ዝብል እዩ። እዞም ክልተ ስነ ሓሳባውያን'ዚኣቶም፡ ማእከላይ ስነ ሓሳባቶም፡ ሃገራውነት ኮይኑ፡ "ባህልና ካብ ካልኦት ባህልታት ዝበለጸ'ዩ" ዝብል ልዕልናዊ እምነት ኣሎዎም። ናዚስታዊ ስነ ሓሳብ፡ ጀርመን ብኣዶልፍ ሂትለር ትምራሕ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ማለት 1930ታት፡ ድልዱል ሰረት ዝነበሮ ስነ ሓሳብ እዩ። ናዚስታውያን፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣሳዊሮምን ብሚልዮናትዝቚጸሩ ኣይሁዳውያን፡ ሮመራውያን፡ ስንኩላንን ካልኦት ንናዚስታዊ ስነ ሓሳብ ዝተቓወሙን ቀቲሎም።

    ፖለቲካውያን ሰልፍታት

    ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፡ ወሳኒ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ተራ ኣሎወን። ንኣባላተን ከኣ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ከድምጹ፡ ኣብ ጒዳያት ክጸልዉ፡ ተሳተፍትን ሓላፍነታውያንን ዝኾኑሉ ዕድላት ይኸፍታሎም። ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ካብ ትኳቦ ናጻ ኾይነን፡ ነዊሕ ዝጠመተ መደብ ሒዘን ክሰርሓ ዘኽእለን ገንዘባዊ ሓገዝ ይግበረለን እዩ። ሰልፍታት፡ ካብ 'ቦርድ ምወላ ንሰልፍታት' ቁጠባዊ ሓገዝ ክረኽባ ይኽእላ'የን። እቲ ቊጠባዊ ሓገዝ፡ ንሓፈሻዊ ወይ ህዝባዊ ትግባረታትን ንጥፈታትን ናይ'ተን ሰልፍታት፡ ኣብ ውሽጥን ካብኡ ወጻእን ናይ'ቲ ፓርላማ ይውሃበን። ውጽኢት ዓወት፡ ንመጠን ቊጠባዊ ሓገዝ ይጸልዎ'ዩ።

    እዘን ሎሚ፡ ኣብቲ ካብ 2018-2022 ዓ.ም ዝምጠጥ ናይ ስልጣን ዕድመ፡ ኣብ ፓርላማ ተወኪለን ዘለዋ ሰልፍታት፡ ማእከላይ-ሰልፊ (Centerpartiet)፡ ሊበራላውያን (Liberalerna)፡ ክርስትያናዊ-ደሞክራሲ (Kristdemokraterna)፡ ከባቢኣዊ ሰልፊ (Miljöpartiet)፡ ሰልፊ-ማእከሎት (Moderaterna)፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ፡ (Socialdemokraterna): ሽወደናዊ ደሞክራሲ (Sverigedemokraterna): ከምኡ'ውን ጸጋማዊ-ሰልፊ (Vänsterpartiet) እየን። ድሕሪ ናይ መስከረም 2018 ዓ.ም ምርጫ፡ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፍን ከባቢኣዊ ሰልፍን እዮም መንግስቲ ኣቚሞም። መራሒ ሃገር እስቴፋን ሎፍቬን ከኣ፡ ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ (ሶሻል ደሞክራተርና) እዩ።