ጥዕና እንታይ ማለት‘ዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ጥዕና ምውናን ማለት፡ ምስ ጥዕናኻ ምህላውን ጽቡቕ ጥዕናዊ ስምዒት ምስማዕን ማለት'ዩ። ጥዕናኻ፡ በቲ እትበልዖ መግቢ፡ ብጸቕጢ፡ ብድቃስ፡ ምትካኽ፡ ብኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲክን‘ውን ይጽሎ‘ዩ። ምስ‘ቶም ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ምንባር ዝሰማምዓካ እንተ ኾይኑ፡ እሞ ኻኣ ህይወትካ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ'ውን ጥዕናኻ ብእኡ ይጽሎ'ዩ።

    ህዝባዊ ጥዕና (Folkhälsa)

    ህዝባዊ ጥዕና፡ ንጥዕና ህዝቢ ናይ'ዛ ሃገር ይምልከት። መሰል ጥዕና፡ መሰል ኩሉ ወድሰብ እዩ። መንግስቲ፡ ኩሉ ሰብ፡ እቲ ዘድልዮ ሕክምናዊ ክንክን ንኽረክብ ክሰርሕ ግዴታ ኣሎዎ። ኣብ ሽወደን፡ መንግስትን ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን፡ ህዝቢ ጥዕና ክህሉዎ ይሰርሑ።

    ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Folkhälsomyndigheten)፡ ንህዝባዊ ጥዕና ዝምልከት ጒዳይ፡ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣሎዎ። ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ጥዕና ንኽህሉዎ ይሰርሕ። ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕና፡ ጥዕና ንምምሕያሽ፡ ብዓሰርተ ሓደ መገድታት ይሰርሕ። እተን ዕላማታት እዘን ዝስዕባ እየን፡-

    • ተሳትፎን ጽልዋን ኣብ ሕብረተሰብ፡
    • ቊጠባውን ማሕበራውን ኲነታት
    • ቆልዑን መናእሰይን
    • ጥዕና ኣብ ናይ ስራሕ ህይወት
    • ኣከባብን ፍርያትን
    • ንጥዕናን ክንክንን ምድንፋዕ
    • ምክልኻል ለበዳ
    • ጥዕና ጾታን መፍረን
    • ኣካላዊ ንጥፈታት
    • ኣገባብ ኣመጋግባን መግብን
    • ኣልኮል፡ ዕጸፋርስ፡ ሓሽሽ፡ ትምባኾን ጠላዕን

    ዋላ'ኳ ትካላት መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ናይ ህዝቢ ጥዕና ከመሓይሻ እንተ ጸዓራ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጒጅለታት ናይ'ዚ ሕብረተሰብ'ዚ ግን፡ ናይ ጥዕና ፍልልያት ኣሎ። እቶም ትሑት ትምህርትን ትሑት እቶትን ዘሎዎም ሰባት፡ ዝበዝሕ ግዜ፡ ካብ'ቶም ልዑል ትምህርትን ልዑል እቶትን ዘሎዎም ሰባት፡ ዝደኸመ ጥዕና ኣሎዎም።

    ጽቡቕ ልምዲ ኣመጋግባ፡

    እቲ እትበልዖን እትሰትዮን፡ ኣብ ጥዕናኻ ኣዝዩ ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ጽቡቕ ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን፡ ካብ ብዙሕ ጥዕናዊ ጸገማት ንኣብነት፡ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን (hjärt- och kärlsjukdomar): ሕማም ሽኮር (diabetes): ሕማም መንሽሮን (cancer) ሕማማት ስነ-ኣእምሮን ዝኣመሰሉን ክከላኸሉልካ ይኽእሉ።

    ኣካላት ወድሰብ ዝተፈላለዩ ንጥረ ነገራት ይደሊ። ኲላቶም እቶም ዘድልዩ ንጥረ ነገራት ንምርካብ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግብታት ክትምገብ ኣገዳሲ'ዩ። ኣብ ውሱናት ግዜታት፡ ቊርሲ: ምሳሕን ድራርን እንተ በሊዕካ: ብዕቅን ክትበልዕ ይቐለልካ።

    ንጥዕናና ብሉጻት ብዛዕባ ዝኾኑ መግብታት ዝምልከቱ ምኽርታት፡

    ሃገራዊ ወኪል መግቢ (Livsmedelsverket)'፡ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ጒዳያት ኣመልኪቱ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል'ዩ። ሃገራዊ ወኪል መግቢ፡ ንጥዕናና ብሉጻት ዝኾኑ መግብታት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ምኽርታት ኣለዉዎ። ንኣብነት፦

    • ፍሩታ፡ ኣሕምልትን ጥረምረን ወይ ፍረታትን ብብዝሒ ብልዑ። ገዘፍቲ ኣሕምልቲ፡ ከም ሰራውር ዘለዎም ኣሕምልቲ፡ ካውሎ፡ ካውሎ-ፍዮሪ፡ ብሮኮሊ፡ ባልደንጓ-ኣዳጒራን ሽጉርትን ምብላዕ ኣዘውትሩ። ኣሕምልቲ፡ ፍሩታ፡ ጥረታትን ካልኦት ዓይነታት ኣትክልትን ብብዝሒ ምብላዕ፡ ብዙሕ ጥዕናዊ መኽሰብ ኣሎዎ።
    • ባኒ፡ ኮርንፍሌክ፡ ግዓት፡ ፓስታን ሩዝን ክትበልዕ ከሎኻ፡ ኣዚዩ ዘይተነፈየ ዓይነት እኽሊ ዘሎዎ ሓርጭ ምረጽ።
    • ኣብ ሰሙን፡ ክልተ ሰለስተ ግዜ፡ ዓሳ ወይ'ውን ፍርያት እንስሳታት ባሕሪ ተመገቡ። ስብሒ ዘሎዎምን ዘይብሎምን እናዛነቕኩም ብልዑ። ንኣከባቢ ዘይሃሲ ዝብል ምልክት (miljömärkt) ዘሎዎም ሃለኽቲ'ውን ኣዘውትሩ።
    • መግቢ ክትክሽኑ ከለኹም፡ ሃብታም መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘሎዎ ዘይቲ ተጠቐሙ። ንኣብነት ራፕስኦልያ ወይ'ውን ካብ ራፕስ (ፍረ) ዝተሰርሑ ዘይቲ-መግብን ዝልከዩ ማርጋሪንን ተጠቐሙ።

    ዓይኒ መፍትሕ (Nyckelhålet)

    ኣብ ድኳናት-መግቢ፡ ዓይኒ መፍትሕ ዝመስል ስእሊ ዘለዎም ሃለኽቲ መግብታት ኣለዉ። እዞም ዓይነታት ሃለኽቲ መግብታት'ዚኣቶም ንኣካላትና ብሉጻት እዮም። ውሑድ ትሕዝቶ ስብሒ: ሽኮርን ጨውን ድማ ኣለዎም። ካብ'ቶም እዚ ምልክት ስእሊ'ዚ ዘይብሎም ተመሳሰልቲ ሃለኽቲ መግብታት'ውን ዝያዳ ጽሕጎ (fibrer) ኣለዎም። ሃገራዊ ወኪል መግቢ (Livsmedelsverket)፡ ምልክት ዓይኒ-መፍትሕ ዘለዎም መግብታት ክትዕድጉ ይመኽረኩም።

    ምኽሪ ንዓበይቲ

    ብዙሓት ኣባጽሕ፡ ውሕድ ዝበለ ጽዑቕ ስብሒ (mättat fett) እንተ ዝምገቡ፡ ጽቡቕ ጥዕና ምሃለዎም። ጽዑቕ ስብሒ፡ ኣብቲ ካብ እንስሳታት ዝስራሕ መግቢ ይርከቡ። ንኣብነት፡ ካብ ሓፊስ ጸባ: ርግኦ: ጠስሚ: ፎርማጆ: ስቡሓት ፍርያት ስጋ: ስብቆ: ጀላቶን ችኮላታን። ካብ ገለ-ገለ ኣትክልቲ ዝወጹ ቅብኣታት፡ ንኣብነት ከም ዘይቲ ዓካትን ስየን (kokos- och palmolja)'ውን ይርከብ'ዩ። ጽዑቕ ስብሒ፡ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን ናይ ምሕማም ሓደጋ ከዛይድ ይኽእል'ዩ።

    ዘይጽዑቕ ስብሒ (Omättat fett)፡ ንኣካላት ወድሰብ ጽቡቕ'ዩ። ሓደጋ ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን ክንኪ ድማ ይኽእል። ዘይጽዑቕ ስብሒ፡ ኣብ ዝበዝሑ ኣሕምልታውያን ቅብኣታት፡ ኣብ ልምሉማትን ፈሰስትን ቅብኣታት መግቢ፡ ኣብ ዓሳ፡ ኣብ ዓካዓካን (nötter) ሉዝን (mandlar) ይርከብ።

    ኣብ ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ብዙሓት ንኣካላት ወድሰብ ዘድልዩ ንጥረ ነገራት፡ ንኣብነት ከም ቪታሚናት፡ ማዕድናትን ጽሕጎን ኣለዉ። ጽሕጎ፡ ኣብ ካሮቲ፡ ብሮኮሊ፡ ዓይኒ ዓተርን ካውሎ ካቡቺን ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ይርከብ። መዓልቲ-መዓልቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ምብላዕ ጽቡቕ'ዩ።

    ኣብ ዓሳታትን ፍርያት እንስሳታት ባሕርን(skaldjur)፡ ቪታሚናትን ማዕድናትን ይርከቡ። ኣብ ዓሳ፡ ኦሜጋ-3 ዝብሃል ስብሒ ኣሎ። ኦሜጋ-3፡ ንልቢ፡ ንደምን ንብዝሒ ደምን ጽቡቕ'ዩ።

    ሚዛን ክትንኪ እንተ ደሊኻ፡ ሽኮርን ቅብኣትን ዘሎዎም መግብታት ኣይተብዝሕ። ብዙሕ ለስላሳ ምስታይን ከም ብዓል ካራሜላታት፡ ቺፕስ፡ ዶልሽን ችኮላታን ምብላዕ'ውን እንተ ዘየዘውተርካ ግርም'ዩ።

    ምኽሪ ንቖልዑ

    ቆልዑ፡ ኣብ ፍሉጥ ግዜ፡ ንጥዕና ጠቓሚ ዝኾነ መግቢ ክበልዑ ኣለዎም። በዚ ኣገባብ'ዚ ድማ፡ ብግቡእ ክዓብዩን ክምዕብሉን ይኽእሉ።

    ንዕሸላት፡ እቲ ዝበለጸ መግቢ፡ ጸባ ጡብ ኣደን ንዕኡ ዝትክእ ብሉጽ መግብን እዮም። ኣብ መቐበሊ ክሊኒክ ቆልዑ (BVC-mottagning)፡ ብዛዕባ ንቖልዑ ዝበቅዕ ጽቡቕ መግቢ፡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

    ኣካላዊ ምንቅስቓስን ልምምድን፡

    ወድሰብ ንኽጥዒ፡ ክንቀሳቐስ ኣለዎ። ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ንሕማማት ልቢ፡ ንሕማማት ሻምብቆታት ደምን ንገለ-ገለ ዓይነት ሕማማት መንሽሮን ናይ ምኽሳት ተኽእሎኦም ይንክዮ። ምንቅስቓስ ኣካላት፡ ሕጉስ'ውን ይገብረካ'ዩ። ጽቡቕ ትድቅስ፡ ጸቕጢ ትጻወር፣ ሚዛንካ ኸኣ ትሕሉ። ኣባጽሕ፡ እንተ ውሓደ፡ 30 ደቓይቕ ኣብ መዓልቲ ክንቀሳቐሱ ይግባእ። ጥዕናኻ ንኽመሓየሽ ወይ ንኽትጥዒ፡ ብርቱዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ኣየድልየካን'ዩ። ጒዕዞ እግሪ ምግባር እኹል'ዩ።

    ቆልዑ፡ ካብ ኣባጽሕ ንላዕሊ፡ ምንቅስቓስ የድልዮም። ቆልዑ ንኽጥዕዩ፡ እንተ ወሓደ 60 ደቓይቕ ንመዓልቲ ምንቅስቓስ የድልዮም።

    ጸቕጢ

    ንብዙሓት ሰባት፡ ጸቕጢ ይስምዖም። ጸቕጢ፡ ግድን ሓደገኛ'ዩ ማለት ኣይኮነን። ጸቕጢ፡ ጽንኩር ኩነታት ንኽትጻወር ሓይሊ ይህብ። ዓቐን ዘይብሉ ጸቕጢ ግን፡ ንጥዕና ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ጸቕጢ ዝስምዓካ እንተ ኾይኑ፡ ምኽንያቱ ምፍላጥ ጽቡቕ'ዩ። ሽዑ፡ ኲነታትካ ተኸታቲልካ ክትቅይር ክትፍትን ትኽእል ኢኻ።

    ገለ ካብ ምልክታት ጸቕጢ፡ ድቃስ ምስኣንን ሕዙን ምዃንን'ዮም። ኣተኵሮ ክትገብር የጸግመካ፡ ናይ ምዝካር ክእለትካ ይንኪ፡ ጸገማት ስቶማኮ ይመጸካ፡ ርእስኻ ትሓምም ወይ ኣካላትካ የቐንዝወካ።

    ትንቀሳቐስ እንተዄንካ፡ ኣመጋግባኻ ጽቡቕ እንተ ኾይኑ፡ ዝኣክል ትድቅስ እንተ ዄንካ፡ ነብስኻ ጸቕጢ ንኽጻወር ይሕገዝ።

    ድቃስ

    ንኽትጥዒ፡ ዝኣክል ድቃስ ክትረክብ ኣገዳሲ'ዩ። ሓደ በጽሒ፡ ምዓልታዊ ካብ ሽድሽተ ክሳብ ትሽዓተ ሰዓታት ኣዘውቲሩ ክድቅስ ኣለዎ። ቆልዑን መናእሰይን ግን፡ ዝያዳ ድቃስ የድልዮም።

    ጸገም ድቃስ ከጋጥም ልሙድ ነገር'ዩ። ብዙሕ ምኽንያት ክህሉዎ ይኽእል'ዩ። ንኣብነት፡ ሽጋራ ምትካኽ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ምሕርናኽ፡ ሕማም፡ ሻቕሎትን ጸቕጥን፡ ወይ ከኣ ኣምሲኻ ምብላዕ።

    ባዕልኻ ሕይሽ ዝበለ ድቃስ ክትረክብ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ገዛ፡ ጸልማት፡ ህዱእን ዝሑልን ምስ ዝኸውን ማለት'ዩ። ቀቅድሚ ምድቃስካ ዘይምብላዕ'ውን ጽቡቕ ክትድቅስ የኽእለካ። ኩሉ ግዜ፡ ትድቅሰሉን ትትስኣሉን ሰዓታት ሓደ ምስ ዝኸውን'ውን ጽቡቕ ድቃስ ክትድቅስ የኽእለካ።

    እቲ ናይ ምድቃስ ጸገም ነዊሕ እንተ ቐጺሉ ግን፡ ሕክምና ምኻድ፡ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

    ጾታውን መፍረኣውን ጥዕና፡

    ጾታዊ ጥዕና ማለት፡ ጾታ ሰረት ዝገበረ ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ምቹእነት ምስማዕ ማለት እዩ። ንዓመጽ፡ ምስግዳድ ወይ ኣድልዎ ከይተቓላዕካ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላትካን ጾታኻን ናይ ምውሳን ስልጣን ምውናን ዝብል ዛዕባ ድማ የልዕል። መፍረኣዊ-ጥዕና ኸኣ፡ ንኹሉ ሰብ ዝግበረሉ፡ ምስ ቆልዓ ምውላድ ዝተተሓሓዘ መሰል፡ ሓበሬታ፡ ክንክንን ኣገልግሎታትን ዝተተሓሓዘ ዛዕባ ኣሎዎ። ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ግቡእ ኣገልግሎት ምርካብ፡ መከላኸሊ ጥንሲ ምርካብን ብውሑስ መገዲ ጥንሲ ምንጻልን ዝብሉ ነጥብታት ከጠቓልል ይኽእል። ኲላቶም ሰባት፡ ብዛዕባ ቆልዓ ምውላድን ምዓስን ናይ ምውሳን መሰል ኣሎዎም።