ንመን ትውከስ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ንስኻ ወይ ደቅኻ ምስ ትሓሙ፡ ቅድም ቀዳድም፡ ናብ ጥቓኹም ዘሎ ማእከል ሓለዋ ጥዕና (ቮርድሴንትራል) ትኸዱ። ማእከል ሓለዋ ጥዕና፡ ምሸትን ቀዳመ ሰንበትን ዕጹው‘ዩ። ቅልጡፍ ሕክምና ዘድልየኩም እንተ ኾይኑ፡ ናብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት፡ ማለት ‘ዡርሞታግኒን‘ (jourmottagning) ወይ ከኣ ኣክዩትሞታግኒንግ ትኸዱ። እቲ ናባኻ ዝቐረበ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ኣየናይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ፡ ንማእከል ሓለዋ ጥዕናኻ ሕተቶም። ወይ ከኣ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ መርበብ ሓበረታ ሓለዋ ጥዕና ኣንብብ።

    ምምራጽ ማእከል ሓለዋ ጥዕና፡

    ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ፡ ወለዲ ወይ መጒዚት ዝወሰዱ ኣካላት'ዮም ሕክምና ዝመርጹሎም። ኣብ ገለ ገለ ኣውራጃታት ግን፡ 16 ዓመት ዕድመ ዝመልአ እንተኾይኑ፡ ባዕሉ ሕክምና ክመርጽ ይኽእል እዩ።

    ዝበዝሑ ሰባት፡ ነቲ ናብኣቶም ዝቐረበ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ይመርጹ። ዝደለኻዮ፡ ማለት ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ናብ ማእከል ሓለዋ ጥዕና፡ ንመጀመርታ ግዜኻ ምስ እትኸይድ፡ እቶም ኣብኡ ትረኽቦም ተቐበልቲ ኣጋይሽ፡ ንኽትምዝገብ ሓገዝ ይገብሩልካ።

    ባዕልኻ እንተዘይመሪጽካ፡ ናብቲ ተመዝጊብካሉ ወይ ትነብረሉ ዘለኻ ኣድራሻ ዝቐረበ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ትምዝገብ ወይ ትምደብ።

    ኣብ ዝደለኻዮ እዋን፡ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ክትቅይር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ናብ ካልእ መንበሪ ኣድራሻ እንተ ቐይርካ። ማእከል ሓለዋ ጥዕና ክትቅይር እንተ ደሊኻ፡ ናብቲ ክትቅይረሉ እትደልዮ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ትኸይድ።

    ኣብ ሕክምና ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡

    ኣብ ሕክምና፡ ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ሰባት ይሰርሑ። ትሕት ኢልካ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ሽወደን ልሙዳት ዝኾኑ፡ ሞያታት ክንክን ሕክምና፡ ከተንብብ ኢኻ።

    ሓፈሻዊ ሓኪም (Allmänläkare)

    ኣብ ማእከላት ሓለዋ ጥዕና ዘለዉ ሓካይም፡ ዝበዝሕ እዋን፡ ክኢላታት ሓፈሻዊ ሕክምና'ዮም። እዚ ማለት፡ ነቶም ልሙዳት ሕማማት ዘለዉዎም ሕሙማን ይኣልዩ ማለት'ዩ።

    ሓፈሻዊ ሓኪም፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማት'ውን ይሰርሕ'ዩ። እዚ ማለት፡ ሕማማት ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ ማለት'ዩ። እቲ ደገፍ ንኣብነት፡ ንውልቀ ሰባት፡ ምትካኽ ደው ከብሉ፡ ክብደት ክንክዩ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ከቋርጹ ኣብ ምሕጋዝ ዘድሃበ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

    ሓፈሻዊ ሓኪም ምስ መርመረኩም፡ ኩነተ ጥዕናኹም ርእዩ፡ ምስ ክኢላ ፍሉይ ሕማማት ዝኾነ ፍሉይ ሓኪም ክትራኸቡ ክእዝዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ምስ ሓኪም ዓይኒ፡ ሓኪም ልቢ ወዘተ። ከምዚ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም፡ ናብ መቐበሊ ናይ'ተን ፍሉይ ሕማማት ዝፍውሳ ክሊኒካት፡ መሰጋገሪ ወረቐት(remiss) ይልእከለን።

    ኣለይቲ ሕሙማን (Sjuksköterskor)

    ኣብ ኲላቶም እቶም ሕክምና ክትገብር ኢልካ እትኸዶም ቦታታት፡ ኣለይቲ ሕሙማን፡ ማለት ነርሳት ኣለዉ። ዝበዝሑ ኣብ ፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ተወሳኺ ፍልጠት ዘለዎም እዮም፡ ንኣብነት ኣብ ስነ ኣእምሮ (psykiatri)።

    ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት (Undersköterskor)

    ተሓጋገዝቲ ነርሳት፡ ምስ ላዕለዎት ሓካይምን ምስ ነርሳትን ብሓባር ይሰርሑ። ንኣብነት ንምርመራ ዝኸውን ደም ይወስዱን ቁስሊ ይጅንኑን።

    ሓካይም ፊዝዮተራፕን ሓካይም ሞያዊ ፍወሳን (Fysioterapeuter och arbetsterapeuter)

    ሓኪም ፊዝዮተራፒ፡ ማለት ኪኢላ ኣካላዊ ሕክምና፡ ምስ ምንቕስቓስ ዝተተሓሓዘ ጸገማት፡ ንኣብነት ቃንዛ ሕቖ ንዘለዎም ሰባት ይሕግዝ።

    ሓኪም ሞያዊ ፍወሳ፡ ብሕማም ንዝተጠቕዑ ወይ መጕዳእቲ ንዝወረዶም ሰባት፡ ዝሓሸ መነባብሮ ምእንቲ ክነብሩ ይሕግዞም።

    ናይ ስነ ኣእምሮ ሞያውያን፡ ሓካይም ስነ ኣእምሮን ኣማኸርትን (Psykologer, psykiatrer och kuratorer)

    ብዓል ሞያ ስነ ኣእምሮ፡ ሓኪም ስነ ኣምሮን ኣማኻርን፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ንዝስምዖም ሰባት፡ ንኣብነት ብሰንኪ ቅዛነት ወይ ጸቕጢ፡ ንዘይጠዓዩ ሰባት ይሕግዙ።

    ናይ ኣመጋግባ ክኢላታት (Dietister)

    ናይ ኣመጋግባ ክኢላ፡ ውልቀ ሰባት ምእንቲ ክጥዕዩ፡ እንታይ መሪጾም ክበልዑን ክሰትዩን ከም ዘለዎም ኣብ ምሕባር ይሕግዝ።

    ንህይወት ዘስግኡ ሕማማትን መጕዳእቲታትን፡

    ዘየላቡ ሕማም እንተ ሓሚምካ፡ ወይ ንህይወት ዘስግእ መጕዳእቲ እንተ ወሪዱካ፡ ኣብ ሆስፒታል ናብ ዝርከብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን ኪድ። ናብ ሆስፒታል፡ ብማኪና ወይ ብታክሲ ክትከይድ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ተሌፎን ደዊልካ ኣምቡላንስ ክትጽውዕ ትኽእል ኢኻ። ብቑጽሪ ስልኪ 112፡ ናብ 'ሶስ ኣላርም' (SOS alarm) ደውል።

    ደቅኻ ኣዝዮም እንተ ሓሚሞም ወይ እንተ ተጎዲኦም፡ ናብ ናይ ቆልዑ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን 'ባርንኣኲተን' (barnakuten)፡ ኪድ። ህጹጽ መቐበል ቆልዑ፡ ካብ ናጽላ ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ ይቕበል።

    ፍሉያት ክሊኒካት (Specialistmottagningar)

    ፍሉያት ክሊኒካት፡ ኣብ ሆስፒታላት ይርከባ። ኣብዘን ክሊኒካት'ዚኣተን፡ ኣብ ገለ ሕማማት ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሓካይም እዮም ዝሰርሑ፡ ንኣብነት ሕማማት ከስዐን መዓናጡን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ናይ ከባቢኹም ሓኪም እዩ ናብ'ዘን ፍሉያት ክኢላታት ዝርከቡለን ክሊኒካት ዘሰጋግረኩም። ናብ'ዘን ክሊኒካት'ዚኣተን፡ ብመንገዲ ናይ ሓኪም ሪፈር ጥራይ ክትከዱወን ግን፡ ግድን ኣይኮነን። ሓኪም ኣሰጋጊሩኒ ኢልኩም'ውን፡ ሽዑ ንሽዑ ብቐጥታ ናብ'ዘን ክሊኒካት'ዚኣተን ኣይትኸዱን ኢኹም። ንዝተወሰነ ናይ ቆጸራ ግዜ ክትጽበዩ ኣለኩም። ሓኪም ሪፈር ኢሉ ዘሰጋገረኩም ምስ እትኾኑ ድማ፡ ውሑድ ገንዘብ ኢኹም ትኸፍሉ።

    መቐበል መንእሰያት

    መቐበል መንእሰያት፡ ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ፡ ጥዕናን ዝምድናታትን ዝምልከቱ ሕቶታት ንዘለዎም ኣዋልድን ኣወዳትን ይቕበል። መቐበል መንእሰያት፡ ካብ13-25 ዓመት ንዘለዉ መንእሰያት ክፉት'ዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ኮምዩናት፡ እቲ ናይ ዕድመ ገደብ ዝተፈላለየ እዩ። ናብ መቐበል መንእሰያት ምኻድ፡ ካብ ክፍሊት ናጻ'ዩ። ኣብ መቐበል መንእሰያት፡ መሕረስቲ (barnmorskor)፡ ኣማኸርቲ (kuratorer)፡ ሞያውያን ስነ ኣእምሮ፡ ተሓጋገዝቲ ነርሳት፡ ኪኢላታት ማህጸንን ካልኦት ሓካይምን ኣለዉ።

    ሆስፒታል

    ሓደ ሆስፒታል፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መቐበሊ ኣጋይሽን ጨናፍር ክፍልታትን ኣለዉዎ። ኣብኡ፡ ፍሉያት ክሊኒካትን ናይ ህጹጽ ረድኤት መቐበልን ኣለዉዎ። ሓያለ ሆስፒታላት፡ ንወሊድ ዝኸውን መቐበሊ ነፍሰ ጾራት ኣለወን።

    ገለ ገለ ኣብ ሆስፒታላት ዝርከባ ፍሉያት ክሊኒካት ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፦

    • ክፍሊ ጽገና (Ortopedisk mottagning)፡- ኣብ ኣዕጽምትን መንቀሳቐሲ ክፍሊ ኣካላትን ንዘጋጥሙ ጸገማት ዝምልከት፡ ንኣብነት መስበርቲ እግሪ።
    • ክፍሊ ውሽጣዊ ሕክምና (Medicinsk mottagning)፡- ንውሽጣዊ ሕማማት፡ ንኣብነት ጸገም ከስዐን መዓንጣን ዝምልከት።
    • ክፍሊ መጥባሕቲ (Kirurgisk mottagning)፦ መጥባሕቲ ንዘድልዮም ሕማማት ዝምልከት።
    • ክፍሊ ማህጸን (Gynekologisk mottagning)፦ ንሕማማት ደቀንስትዮ ዝምልከት፡ ንኣብነት ዝተሓላለኸ ጥንሲ።
    • ክፍሊ ዓይኒ (Ögonmottagning)፦ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዓይኒ ዝምልከት።
    • ክፍሊ ዓይኒ/ኣፍንጫ/ጎሮሮ (Öron-, näsa- och halsmottagning)፦ ኣብ ዓይኒ፡ ኣፍንጫን ጎሮሮን ንዝኽሰቱ ጸገማት ዝምልከት።
    • ክፍሊ ኣእምሮ (Psykiatrisk mottagning)፦ ንጸገማት ኣእምሮ ዝምልከት።

    ክፍሊ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን (Akutmottagning)

    ክፍሊ ህጹጽ መቐበሊ ሕሙማን፡ ኩሉ ሳዕ ክፉት'ዩ። ሓደገኛ መጕዳእቲ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ዘየላቡ ሕማም እንተ ሓሚምካ፡ ወይ እቲ ብልሙድ እትኸዶ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ዕጹው እንተ ኾይኑ፡ ናብ ክፍሊ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ናብ ክፍሊ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን ናይ ሆስፒታል እንተ ኼድካ፡ ካብቲ ንቡር ዝነውሕ ግዜ ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ሆስፒታል ክንደይ ሕሙማን ከም ዝመጹዎ ስለ ዘይፍለጥ'ዩ። ኣብ ክፍሊ ህጹጽ መቐበል ሕሙማን፡ እቲ ኣዝዩ ዝሓመመ ሰብ'ዩ ብቐዳምነት ሕክምና ዝግበረሉ። ስለዚ፡ ከቢድ ሕማም ወይ መጕዳእቲ ምስ ዘይህልወካ፡ ናብ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ምኻድ ይሓይሽ። ናብኡ፡ ብቖጸራ ወይ ብዘይ ቆጸራ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ድሮፕ ኢን ወይ ቆጸራ-ቢስ ማለት፡ ትኽ ኢልካ ኣቲኻ ናይ ተርታ ወረቐት ሒዝካ ተራኻ ትጽበ ማለት እዩ።

    ቆልዑን መንእሰያትን

    ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ንቖልዑን መንእሰያትን ዝቕበላ ፍሉያት ሆስፒታላት ክህሉዋ ይኽእላ'የን። ኣብ ንኣሽቱ ከተማታት፡ ኣብ መንጎ ናጽላን 16ን ዓመት ንዝዕድመኦም ቆልዑን መንእሰያትን ዝቕበል ፍሉይ መቐበሊ ኣሎ።

    ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም

    ንኹሉ ሰብ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም ክሕዞ ይኽእል'ዩ። ሓድ ሓደ እዋን፡ ንስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ክትገልጾ ኣጸጋሚ'ዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም፡ ኣብ ኣካላት ሰብ ምልክት ይገብር'ዩ። ምናልባት ጭዋዳ ከሕምም ይኽእል። ምናልባት ከርህጸካ ይኽእል። ልብኻ ኣበርቲዓ ትሃርም። ድቃስ ይኣብየካ ወይ ርእስኻ ትሓምም።

    ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ምስ ዝህልወኩም፡ ኣብ ከባቢኹም ናብ ዘሎ ሕክምና ብምኻድ ምስ ሓኪም ተዘራረቡ። እቲ ሓኪም፡ ምስ ኣማኻሪ ወይ ሓኪም ስነ ኣእምሮ ተራኺብኩም ከም እትዘራረቡ ክገብር ይኽእል'ዩ።

    ኣብ ሆስፒታላት፡ ንኣባጽሕ፡ ንቖልዑን መንእሰያትን ዝኾና ክፍልታት ህጹጽ መቐበሊ ስነ ኣእምሮ (Barn- och ungdoms-psykiatri, BUP) ኣለዋ። ክፍልታት ህጹጽ መቐበሊ ስነ ኣእምሮ፡ ልክዕ ከም'ተን ልሙዳት ክፍልታት ህጹጽ መቐበል ሕሙማን፡ ቀትርን ለይትን ክፉታት'የን።

    ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና (Vårdgaranti)

    ኣብ ሽወደን፡ ሕክምና ንኽትረክብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምጽባይ፡ ሳሕቲ ዘጋጥም ነገር'ዩ። ምእንቲ ከይትጽበ ኸኣ'ዩ 'ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና' ዝብሃል ነገር ዘሎ። 'ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና'፡ ኣብቲ ናይ ጥዕናን ክንክንን ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ሕጊ'ዚ ድማ፡ ኣብ ውሱንን ምዱብን ግዜ፡ ክንክን ሕክምና ንኽትረክብ መሰል ከም ዘሎካ ዝገልጽ ሕጊ'ዩ።

    መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና (Primärvården)፡- ምስ 'መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና'፡ ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ 'ማእከል ጥዕና'፡ ርክብ ክትገብር እንተ ዳኣ ፈቲንካ፡ ሽዑ መዓልቲ ክረኽቡኻ እዮም። ከምዚ ክብሃል ከሎ፡ ኣብቲ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ይረኽቡኻ ወይ ከኣ ብስልኪ ምስ ዝምልከቶ ሰብ ክትዛረብ ትኽእል። ኣብ መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ንኣብነት ሓደ ኣላይ ሕሙማን፡ ሓኪም ከም ዘድልየካ ምስ ዝርዳእ፡ ምስ ሓኪም ክትራኸብ ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን'ዩ።

    ፍሉይ ኪኢላ ሓኪም (Specialistmottagning)፡- ናብ ፍሉይ ኪኢላ ሓኪም ክትከይድ ረሚስ/ረፈራል ወረቐት እንተዳኣ ሃልዩካ፡ ነቲ ኪኢላ ሓኪም ንምርካብ ካብ90 መዓልታት ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን'ዩ። ናብ ኪኢላ ሓኪም፡ ብዘይ ናይ ሪፈር ወረቐት እንተ መጺእካ'ውን ከምኡ'ዩ።

    ምሕካም፦ ሓኪምካ፡ 'ምሕካም የድልዮ'ዩ' ኢሉ እንተ ወሲኑ፡ ንኣብነት መጥባሕታዊ ሕክምና ክትገብር እንተ ወሲኑ፡ ካብ 90 መዓልታት ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን'ዩ።

    ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና'፡ ንህጹጽ ሕክምና ኣይምልከትን'ዩ። ሓደ ብኸቢድ ዝሓመመ ሰብ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ሽዑ ንሽዑ ሕክምና ክግበረሉ ኣለዎ።

    ውሕስነት ልዑል ዋጋ (Högkostnadsskydd)

    ውሕስነት ልዑል ዋጋ'፡ ካብ ልዑል ወጻኢታት ሕክምናን መድሃኒትን ዘድሕን ውሕስነት'ዩ።

    ውሕስነት ልዑል ዋጋ ሕክምና፡ እዚ ማለት፡ ከም መጠን ሕሙም፡ ኣብ ዓመት 1100 ክሮኖር ጥራይ ምኽፋል እዩ ዘድልየካ ማለት'ዩ። 1100 ክሮኖር ምስ ከፈልካ፡ ኣብቲ ዝተረፈ እዋን ናይታ ዓመት፡ ካብ ክፍሊት ናጻ ሕክምና ይግበረልካ። ናጻ ካርድ (frikort) ትውሃበካ። እዛ ካርድ'ዚኣ፡ ካብታ ፈለማ ናብ ሓኪም ምብጻሕ ዝገበርካላ ዕለት ኣትሒዛ፡ ንዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ተገልግለካ።

    ውሕስነት ልዑል ዋጋ መድሃኒት፡- ብትእዛዝ ሓኪም ንዝውሃብ መድሃኒት፡ ንዓመት 2200 ክሮኖር ጥራይ እዩ ምኽፋል ዘድልየካ ማለት'ዩ። 2200 ክሮኖር ምስ ከፈልካ፡ ኣብቲ ናይታ ዓመት'ቲኣ ዝተረፉ እዋናት፡ ብረሲት ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ መድሃኒት ትረክብ። እቲ ግዜ ድማ፡ ካብታ ፈለማ መድሃኒት ዝገዛእካላ መዓልቲ ክቑጸር ይጅምር።

    ኲላቶም ህጻናት ናይታ ስድራቤት፡ ኣብቲ ውሕስነት እቱዋት እዮም። እዚ ድማ ንውሕስነት ልዑል ዋጋን ሕክምናን የገልግል።

    ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ መድሃኒት ብናጻ ይውሃቦም።

    ሕገ-ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት (Smittskyddslagen)

    ኣብ ሽወደን፡ 'ሕገ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት (smittskyddslagen)'፡ ዝብሃል ሕጊ ኣሎ። ዕላማ ናይዚ ሕጊ'ዚ ከኣ፡ ሓደገኛታት ዝኾኑ ተላባዕቲ ሕማማት ከይዝርግሑ ንምክልኻል'ዩ። እዚ ሕጊ'ዚ፡ ብዛዕባ መሰላትን ግቡኣትን ናይ'ቶም ብገለ ካብ'ዞም ሕማማት'ዚኣቶም ንኣብነት፡ ሕማም ኤይድስ፡ ክላሚድያ፡ ዓባይ ስዓል፡ ሕማም ሳልሞኔላ፡ ተላባዒ ወይቦ ወይ ፍንጣጣ ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ዝምልከት ሕጊ እዩ።

    ኣብቲ 'ሕገ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት'፡ ናይ'ዞም ሕማማት'ዚኣቶም ዝርዝር ኣስማት ኣለዉ። ዳርጋ 60 ኣቢሎም ይበጽሑ'ዮም። ብዛዕባ እዞም ሕማማት'ዚኣቶም ናይ ምሕባር ግዴታ (anmälningspliktiga) ኣሎ።

    እዚ ማለት ከኣ፡ ብሓደ ካብዞም ሕማማት'ዚኣቶም ተጠቒዕና ኣለና ዝብል ስግኣት ምስ ዝህሉወኩም፡ ናብ ማእከል ጥዕና ኬድኩም ክትዘራረቡ ኣለኩም። እዚ ሕማም'ዚ ካብ መን ከም ዝሓለፈኩም'ውን ክትሕብሩ ኣለኩም። ገለ ካብዞም ኣብ 'ሕገ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት' ተጠቒሶም ዘለዉ ሕማማት፡ ብጾታዊ ርክብ ዝማሓላለፉ እዮም።

    ብሓደ ካብ'ዞም ዝተጠቕሱ ሕማማት'ዚኣቶም ምስ እትልከፉ፡ ኩሉ ክግበረልኩም ዝኽእል ሕክምናዊ ምርመራ፡ ፍወሳን መድሃኒትን ብናጻ እዩ። ነቶም በዚ ሕማም'ዚ በኪልኩሞም ክትኮኑ እትኽእሉ ሰባት ረኺብኩም ንኽትሕብሩዎም'ውን ደገፍ ይግበረልኩም'ዩ።

    ብዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና (folkhälsomyndigheten)፡ ብዛዕባ 'ሕማማትን ሕጊ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማትን'፡ ሓበሬታ ዘለዎ መንግስታዊ ትካል'ዩ።

    ክፍሊ ኣካላትካ ምውፋይ፡

    ኣብ ሽወደን፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት 700 ዝኾኑ ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት፡ ሓደ ወይ ዝያዳ ክፋላት ኣካላት ወድሰብ ይውሃቦም። ንኣብነት ኩሊትን ልብን ማለት'ዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ወሃቢ ናብ ተቐባሊ ብምስግጋር ይትግበር።

    ይኹን'ምበር፡ እቲ ብወፈያ ዝርከብ ብዝሒ ኣካላት ሰብ ኣይኣክልን እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሕሙማን፡ ብሰንኪ ምጽባይ ወይ ድማ እቲ ዘድልዮም ክፍሊ ኣካላት ስለ ዘይርከብ ይሞቱ።

    ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ክመውት ከሎ፡ ክፍሊ ኣካላቱ እንታይ ክኸውን ከም ዝደልዮ ክውስን ይኽእል'ዩ። ከምዚ ዝስዕብ ክግበር ይክኣል'ዩ።

    • ክፍሊ ኣካላቱ ንኸይህብ ይውስን፡
    • ናብ ሰብ ንኽሰጋገር ክውፈ፡ ወይ ከኣ፦
    • ንምስግጋርን ንሕክምናዊ ምርመራን ክጠቅም ክውፈ፡

    ሓደ ሰብ፡ ክፍሊ ኣካላቱ ከወፊ ከም ዝወሰነ ቅድሚ ምማቱ ንቤተሰቡ ዘይነገሮም እንተኾይኑ፡ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።