ምኽፋል ግብሪ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ስርዓተ ግብሪ ሽወደን፡ መሰረት ብልጽግና ሽወደን እዩ። መንግስቲ፣ ነቲ ዝኣቱ ግብሪ ተጠቒሙ፣ ንኹሉ ዜጋ፣ ንትምህርትን ጥጡሕ ናብራን፣ ማዕረ ዕድል ይህብ። እቲ ዝለዓለ ክፋል ብልጽግና ናይ ሽወደን፣ ሳላ ግብሪ እዩ ክኽሰት ክኢሉ። ግብሪ ስለ ዝኣቱ እዩ ናይ ጥዕናዊ ክንክን፣ ናይ ቆልዑ ክንክን፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ኣረጋውያን ክንክንን ክህሉ ዝኸኣለ። ከምኡ'ውን፣ መንገድታትን ህዝባዊ መጎዓዝያን፣ ናይ ስደተኛታት ምቕባል፣ ናይ ኣከባቢ ሓፈሻዊ ዕማማትን ክካየድ ዝኸኣለ፡ ሳላ ግብሪ እዩ።

    መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፣ እቲ ዝኸፍሉዎ ግብሪ፡ ኣብ ምምስራት ሓባራዊ ህይወት ማሕበረሰብ ከም ዝውዕል ይኣምኑ እዮም።

    ክትሰርሕ ከለኻ ካብ እቶትካ ግብሪ ትኸፍል። እዚ ግብሪ'ዚ "ናይ ኣታዊ ግብሪ" ይብሃል። እቲ ቅድሚ ግብሪ ምኽፋልካ እትረኽቦ ደሞዝ፡ "ምሉእ ደሞዝ" ይብሃል። እቲ ግብሪ ምስ ከፈልካ እትረኽቦ ድማ፣ "ጽሩይ ደሞዝ" ይብሃል። በቲ ጽሩይ ደሞዝ ጌርካ ኢኻ እትናበር። ናይ ሽወደን ስርዓተ ግብሪ፣ እቶም ልዑል እቶት ዘሎዎም፣ ልዑል ግብሪ ከም ዝኸፍሉ ይገብር። እቶም እኹል እቶት ዘይብሎም፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ክሕገዙ ይኽእሉ እዮም።

    ኣብ ነፍስ ወከፍ ኮምዩን፣ ግብሪ ይፈላለ እዩ። እቲ ልሙድ ግብሪ፣ 29-35% ናይ እቶትካ እዩ። ብዙሕ እቶት ምስ ዝህሉወካ ንመንግስቲ'ውን ግብሪ ትኸፍል ኢኻ።

     

    ከም መተካእታ ደሞዝ ሕማምን ጡረታን ዝኣመሰሉ እቶታት'ውን ግብሪ ይኽፈሎ እዩ። ንሓለፋታት'ውን ትኸፍል ኢኻ። ሓለፋታት ማለት፣ ከም ኣብ ስራሕካ መኪና እንተ ተጠቒምካ፣ ኣብ ቤት መግቢ ምሳሕ ወይ ድራር ክትገዝእ፣ ካብ ስራሕካ ኩፖን እንተ ወሲድካ፣ ግብሪ ትኸፍል።

    ምልክታ ግብሪ ናይ ኣታዊ (Inkomstdeklaration)

    ኩላቶም ስራሕ ሃልዩዎም ግብሪ ዝኸፍሉ ሰባት፡ ንበዓል መዚ ግብሪ፣ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም። በዓል መዚ ግብሪ፣ ምልክታ ግብሪ ናብ ኣድራሻኹም ይሰደልኩም። እዚ ምልክታ'ዚ ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣታዊኹም ክንደይ ምዃኑን፡ ክንደይ ዝኸውን ግብሪ ከም ዝኸፈልኩምን ዘስፈረ እዩ። እዚ ሓበሬታ'ዚ ካብ ወሃቢ ስራሕኩም፡ ትካል መድሕንን ባንክታትን ዝተረኽበ እዩ። እቲ ኣብዚ ምልክታ ግብሪ'ዚ ሰፊሩ ዝርከብ ሓበሬታ፣ ቅኑዕ ምዃኑ ክትርእዩዎ ኣለኩም። ነዚ ምልክታ ግብሪ'ዚ ንምፍራም፣ ነቲ ኣብቲ ዝተላእከ ወረቐት ዘሎ ኮድ ወይ'ውን ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነት ተጠቐሙ። ብኸመይ ምልክታ ግብሪ ከም እትልእኩ ናባኹም ዝግደፍ ምርጫ ኮይኑ፣ ስልኪ ብምድዋል፡ ብኤስኤምኤስ፡ ብናይ ስካተቨርከት ኣፕ ወይ ብኤለክትሮኒካዊ መንገድታት ከተሳልጡዎ ትኽእሉ። እቲ ንመረጋገጺ መንነት ዘገልግል ኮድ፣ ኣብ ላዕሊ ናይቲ ዝተላእከልኩም ወረቐት ኣሎ።

    ግብሪ ሸቐጥ (Moms)

    ወሰኽ ግብሪ ኣቕሑት፣ ከምቲ ልሙድ፣ 'ሞምስ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሞምስ፣ ናይ ኣቑሑን ኣገልግሎታትን ግብሪ እዩ። ኩሉ ሰብ፣ ንዝዕድጎም ኣቕሑን ኣገልግሎታትን፣ ግብሪ ይኸፍለሎም እዩ። ሞምስ ኣብቲ እንኸፍሎ ዋጋ እቱው'ዩ። እንኸፍሎ መጠን ሞምስ፣ ካብ ኣቕሓ ናብ ኣቕሓ ክፈላለ ዝኽእል ኮይኑ 25፡ 12 ወይ 6 ሚእታዊት ክኸውን ይኽእል። ገለ ኣቑሑት ወይ ኣገልግሎታት፣ ካብ ሞምስ ናጻ እዮም። ንኣብነት ሕክምናን ትምህርትን። መንግስቲ፣ ነቲ ሞምስ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቀመሉ፡ ነቲ ሰባት ክዕድጉዎ ጽቡቕ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ ነገራት ካኣ፣ ትሑት ሞምስ ይገብረሉ። 

    ግብሪ ፍሉይ ኣቕሓ (Punktskatter)

    ግብሪ ፍሉይ ኣቑሓ፣ (Punktskatt) ስሙ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ፍሉያት ኣቑሑ፣ ንኣብነት ከም ኣልኮል፡ በንዚን፡ ጸዓትን ትምባኾን፡ ዝውሰድ ግብሪ እዩ። ግብሪ ፍሉይ ኣቑሑ፣ ኣንፈት ዕድጊ ንምምእዛን የገልግል። መንግስትን ፓርላማን እዮም 'ኣየኖት ኣቑሑ ዝያዳ ግብሪ ክኸፈለሎም ኣሎዎ?' ኢሎም ዝውስኑ። መብዛሕትኡ ግዜ፣ እቶም ንጥዕናን ኣከባብን ዝሃስዩ ኣቑሑ፣ ዝያዳ ግብሪ ክኸፍሉ ይብየነሎም።

    ማሕበራውያን ክፍሊታት (Sociala avgifter)

    ወሃብቲ ስራሕ፣ ነቶም ዘስርሑዎም ሰባት ማሕበራዊ ክፍሊት ይኸፍሉሎም። እዚ፣ 'ወጻኢታት ወሃብቲ ስራሕ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊት ናብ ካዝና ማዕከን ጡረታ፡ ደሞዝ ዕረፍቲ ወለድን ደሞዝ ሕማምን ከምዝኣቱ ይግበር። ብዘይካ'ዚ፣ ወሃብቲ ስራሕ ነቶም ዘስርሑዎም ሰባት'ውን ግብሪ ክኸፍሉሎም ኣለዎም። ምኽፋል ግብሪ ናይ ሰራሕተኛታት ብኣስራሕቲ፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ናብ በዓል መዚ ግብሪ ይኽፈል። እቶም ናይ ውልቆም ትካል ዘሎዎም ሰባት ከኣ፣ ውልቃዊ ወጻኢታት (egenavgifter) ዝተሰምየ ማሕበራዊ ክፍሊታት ይኸፍሉ እዮም።

    ብጸሊም ምስራሕ

    ብጸሊም ምስራሕ ማለት፡ ግብሪ ዘይትኸፍሉሉ ኣታዊ ኣሎኩም ማለት እዩ። ሕብረተሰብ፣ ዝሰርሕ ዘበለ ሰብ ኩሉ፣ 'ግብሪ ክኸፍል ኣለዎ' ኣብ ዝብል ዓንዲ ዝተሰረተ እዩ። ሕክምና፡ ጽርግያ ምስራሕ፡ ክንክን ዓበይትን ካልእ ማሕበረ-ውሕስነታዊ ኣገልግሎታትን ብግብሪ እዩ ዝምወል።

    ብጸሊም ትሰርሑ ምስ እትኾኑ፡ ቀዳማይ ውዕል ኩንትራት ገዛ ወይ'ውን በብወርሑ ዝኽፈል ነገር (kredit) ክትገዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣካረይትን ትካላትን፣ ወትሩ፡ ምስክርነት ስራሕ ይደልዩ።

    ንዓኻትኩም፣ ነቶም ብጸሊም እትሰርሑ፡

    • ውዕል ስራሕ ስለዘይብልኩም፡ ደሞዝኩም ክትዕመጹ ትኽእሉ ኢኹም።
    • ስራሕ ደው ምስ እተብሉ ናይ ኣ-ካሳ ሓገዝ ኣይውሃበኩምን እዩ።
    • ናይ ሕማም ወይ'ውን ዕረፍቲ-ስራሕ፣ 'መተካእታ ደሞዝ' ኣይውሃበኩምን እዩ።
    • ናይ ሕማም ወይ'ውን ዕረፍቲ-ወላዲ፣ 'መተካእታ ደሞዝ' ኣይወሃበኩምን እዩ።
    • ትሑት መጠን ገንዘብ ጡረታ ይውሃበኩም።
    • ኣብ ስራሕ ማህሰይቲ ምስ ዘጋጥመኩም፡ ንኻልኦት መጒዳእቲ ምስ እተስዕቡ፣ ወይ'ውን ንብረት ስራሕኩም ምስ እትሰብሩ፣ ውሕስነት የብልኩምን።