ስንኩል ኴንካ ምንባር

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ስንክልና ኣሎዎ ዝብሃል ሰብ፡ ብምኽንያት ሕማም ወይ መጕዳእቲ ብዝወረዶ ጸገም ዝሰንከለ ኮይኑ፡ ደገፍ ዘድልዮ ሰብ ማለት እዩ።

    ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንሕሙማን(Färdtjänst)

    ብዘይ ሓገዝ ክትጓዓዝ፡ ወይ ልሙድ ህዝባዊ መጓዓዝያ (ኣውቶቡሳት: ባቡር: ትራም) ክትጥቀም ዘጸግመካ እንተኾይኑ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንሕሙማን(färdtjänst) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት፡ ብታክሲ ወይ ብንእሽቶ ኣውቶቡስ ክትጓዓዝ ይፍቀደካ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝግብኣካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝውስን፡ ኮምዩንካ እዩ።

    እንተሓሚምካ ወይ ናይ ኣካላት ስንክልና እንተለካ፡

    እናሰራሕካ ምስ እትሓምም፡ እቲ ወሃብ ስራሕካ፡ ነተን ቀዳሞት 14 መዓልታት፡ 'ናይ ሕማም ሓገዝ (Sjuklön)' ይኸፍለካካ። ብድሕር'ዚ፡ ካብ ትካል ውሕስነት፡ ማለት ፎርሼክሪንካሳን ናይ 'ደሞዝ መተካእታ' ትወስድ። እዚ ድማ፡ 'መተካእታ ደሞዝ ሕማም(Sjukpenning)' ይብሃል።

    ብምኽንያት ሕማም፡ ብመጕዳእቲ ወይ ብስንክልና፡ ምሉእ ግዜ ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ካብ ትካል ውሕስነት፡ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

    ምስ ትካል ውሕስነት(Försäkringskassan) ርክብ ምግባር

    ሕቶ ምስ ዝህሉወካ፡ ኬድካ እትሓተሉ ናይ ውሕስነት ኣገልግሎት ዝህብ ቤት ጽሕፈት ኣሎ። ስሕት ኢሉ፡ ቆጸራ ምግባር ከድልየካ'ዩ።

    ውሳነ ቤት ጽሕፈት ትካል ውሕስነት ግጉይ እዩ' ትብል እንተ ዄንካ፡ እግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እቲ እግባይ፡ ብጽሑፍ'ዩ ክቐርብ ዘለዎ። እግባይ ክትብል እንተ ደሊኻ፡ ውሳነ ምስ ተዋህበ፡ ግድን ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኢኻ እግባይ ክትብል ዘለካ። እቲ እግባይ፡ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ (Förvaltningsrätten) ኢኻ ትጽሕፎ። መጀመርታ ግን ናብ ቤት ጽሕፈት ውሕስነት ደብዳበ ስደድ። እዚ ድማ ንቤት ጽሕፈት ውሕስነት፡ ውሳነ ክቕይር ዕድል ይህቦ። ነቲ ውሳነ እንተዘይቀይሩዎ ግን፡ ነቲ እግባይ ናብ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ትሰዶ።

    ቊጠባዊ ረድኤት (Ekonomiskt bistånd)

    ቊጠባዊ ናይ መንበሪ ረዲኤት፡ ኣካል ማሕበራዊ ውሕስነት ኮይኑ፡ ብኮምዩናት ይምእከል። ነብስኹም ዘይትኽእሉ ምስ እትኾኑ፡ ቊጠባዊ ናይ መንበሪ ረድኤት ምእንቲ ክውሃበኩም፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ'ቲ እትነብሩሉ ኮምዩን ብምኻድ ኢኹም ተመልክቱ።