ተቖጺርካ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ሰብ ምስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ስራሕ ምስ ተቖጸርካ፡ እቲ ምስቲ ወሃቢ ስራሕ ዘሎካ ናይ መሰልን ግዴታን መምርሒታት ክትፈልጦም ኣገዳሲ እዩ። እምበኣር እዚ ዝስዕብ፡ እቲ ምስ ተቖጸርካ ክትፈልጦ ዘለካ ነጥብታት እዩ።

    ደሞዝ

    ወርሓዊ ዝኽፈል ቀዋሚ ደሞዝ፡ ወርሓዊ ደሞዝ ይብሃል። ሰዓታዊ ደሞዝ ምስ ዝኸውን ግን ኣብ ሰዓት ንዝሰራሕካዮ ዕማም ኢኻ ትኽፈል።

    ውዕል ስራሕ

    ስራሕ ምስ ረኸብካ፡ ውዕል ስራሕ ወይ ኮንትራት ስራሕ ትፍርም። ኣብቲ ዝፍረም ውዕል ስራሕ፡ እዞም ዝስዕቡ ክህሉዉ ኣለዎም። 

    • ስምን መለለዪ ቁጽሪ መንነትን (ፐርሾንኑመር)
    • ዕማምን መዝነት ስራሕን
    • ስም ወሃቢ ስራሕን ቦታ ስራሕን
    • ስራሕ እትጅምረሉ ዕለት
    • እንታይ ዓይነት ስራሕ ምዃኑ
    • ግዜ ስንብታ፡ (uppsägningstid) ማለት ካብ ስራሕ ግድን ከም እትሰናበት ካብ እትሕበረሉ መዓልቲ ክሳብ ስራሕ እተብቅዓሉ ዘሎ መዓልቲ።
    • ቅድሚ ግብሪ ምኽፋልካ እትረኽቦ ደሞዝ
    • ንኽንደይ እዋን ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ዓመት መሰል ከም ዘሎካ

    ሰዓታት ስራሕ

    ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ፡ እቲ ልሙድ ግዜ ስራሕ 40 ሰዓታት ንሰሙን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታትምስ እትሰርሕ፡ ናይ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ይብሃል። ኣብ ካልእ ሰዓታት፡ ንኣብነት ለይቲ ምስ እትሰርሕ፡ እቲ ሰሙናዊ 40 ሰዓታት ክጎድል ይግባእ። ሓደ ሰብ ልዕሊ'ቲ 40 ሰዓታት ንሰሙን ምስ ዝሰርሕ፡ እዚ፡ 'ኦቨርቲድ' ወይ 'ኦቨርታይም' ይብሃል። ልዕሊ ግቡእ ሰዓታት ምስ እትሰርሕ ካሕሳ ይግብኣካ እዩ።

    ሕጊ ዕረፍቲ ዓመት

    ብመሰረት 'ሕጊ ዕረፍቲ'፡ ሓደ ሰብ፡ እንታይ ዓይነት ስራሕ ይሰርሕ፡ ብኸፊል ወይስ ምሉእ መዓልቲ ይሰርሕ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ሰብ፡ እንተዋሓደ፡ ናይ 25 መዓልቲ ዕረፍቲ ዓመት ክወስድ ኣለዎ።" ዝብል ሕጊ ኣሎ። እዚ ግን ነቶም ብሰዓታት ዝሰርሑ ኣይምልከቶምን እዩ። ብሰዓታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ኣምሳያ ዕረፍቶም፡ 12 ሚእታዊ ናይ ምሉእ ደሞዞም(ቅድመ-ግብሪ) ከም ካሕሳ ናይ ዕረፍቲ ዓመት ይወስዱ።

    ዝነበረኩም ናይ ስራሕ ግዜ፡ ዕረፍቲ ከይወሰድኩም ምስ ዝዛዘም፡ ኣብ ክንዲ ዕረፍትኹም፡ ገንዘብ ክውሃበኩም ይኽእል። እዚ ማለት ድማ፡ 12% ናይ ዓመታዊ ኣታዊኹም ይውሃበኩም ማለት'ዩ።

    እናሰራሕካ እንከለኻ እንተ ሓሚምካ

    ኣብ ስራሕ እንከለኻ እንተ ሓሚምካ፡ ኣብታ ዝሓመምካላ ፋልመይቲ መዓልቲ፡ ከም ዝሓመምካ ንወሃብ ስራሕ ሓብር። ኣብ'ተን ዝሓመምካለን ቀዳሞት 14 መዓልታት፡ ደሞዝ ሕማም (sjuklön) ዝኸፍለካ፡ ወሃብ ስራሕካ'ዩ። እታ ፋልመይቲ ዝሓመምካላ መዓልቲ 'ማዓልቲ-ብቕዓት (karensdag)' ትብሃል። እዚ ማለት፡ ናይታ ማዓልቲ'ቲኣ ደሞዝ ኣይትወስድን ማለት'ዩ። ካብታ ዝሓመምካላ ካልኣይቲ መዓልቲ ኣትሒዝካ 80 ሚእታዊ ናይ ደሞዝካ ትወስድ። ሓሚምካ ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ንላዕሊ ካብ ስራሕ እንተ በዅርካ ካብ ሓኪም ምስክር ሕማም ከተምጽእ ኣለካ። ናይ ሓኪም ወረቐት እንድሕር ኣምጺእካ፡ ሕማምካ ቅቡል ኮይኑ ይቕጽል። እዚ ኸኣ ሕክምናዊ መወከሲ (medicinskt underlag) ይበሃል።