ስድራቤትን ውልቀሰብን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ስድራቤት ክብሃል እንከሎ፡ እንታይ ማለት'ዩ? እዛ ሕቶ'ዚኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሕብረተሰባትን፡ ዝተፈላለዩ መልስታት ክህልዉዋ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ገለ ገለ ክፋላት ዓለም፡ ኣዝማድካ ወይ እትዛመዶም ጒጅለታት፡ ከም ክፋል ሓደ ስድራቤት ይጽብጸቡ። ኣብ ሽወደን፡ ወለዲ፡ ኣሕዋትን ደቅን ጥራይ እዮም ከም ስድራቤት ዝጽብጸቡ። መን ከም ውልቀ ሰብ ይጽብጸብ'ውን ከከም ባህልታቱን ሕብረተሰቡን ክፈላለ ይኽእል'ዩ። ንውልቀ ሰባት፡ ብኽልተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ንርእዮም። ውልቃዊ ኣረኣእያን (individualistiskt synsätt) ጥርኑፍ ኣረኣእያን (kollektivistiskt synsätt) ማለት'ዮም።

    ጥርኑፍ ኣረኣእያ

    ጥርኑፍ ኣረኣእያ ማለት፡ ናይ ጒጅለ ረብሓ ካብ ናይ ውልቀ ሰብ ረብሓ ዝዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ ማለት እዩ። እቲ ንስኻ ከም ውልቀ ሰብ እትገብሮ፡ ንምሉእ ጒጅለ ይጸልዎ። ኣብ ሓደ ጥርኑፍ ሕብረተሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጽኑዕ ምትእስሳር ኣሎ። ኣብቲ ጒጅለ ዘሎዉ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ መንጎኦም፡ ናይ ሓድሕድ ሓላፍነት ምስኽኻም ኣሎ። ጥርኑፍ ኣረኣእያ ምውናን ማለት፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ስድራኻ ዝያዳ ካልእ ሰብ ሓላፍነት ምስካም ወይ ክኣ ክንዲ ብዙሓት ክትቁጸር እንከለኻ ማለት'ዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቲ ዓጽመ ስጋን እቲ ጒጅለን፡ ከም ሓደ ስድራ ይቑጸሩ።

    ዝተፈላለየ ስርዓተ ሕብረተሰብ

    ዝተፈላለየ ስርዓተ ሕብረተሰብ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ዝተፈላለየ ኣመለኻኽታ ከም ዝህሉዎ ይገብሮ። ሽወደን፡ ብብዙሕ መልክዓ፡ ውልቃዊት ሕብረተሰብ እያ። እቲ ንስኻ እትገብሮ ዝበዝሕ እዋን፡ ንዓኻ እምበር ንስድራኻ ወይ ነዝማድካ ኣይጸልዎምን እዩ።

    ኣብ ሽወደን፡ ንናይ ህዝቢ ድሕነት ዝሕሉ ወይ ውሕስነት ዝህብ፡ መንግስቲ እዩ። ከምዚ ክብሃል እንከሎ፡ ሓደ ሰብ፡ ድሕነት ንኽስምዖ ብምሕሳብ፡ ኣብ ኣዝማድ ክምርኮስ የብሉን ማለት እዩ። ኣብ'ተን ንህዝበን ሓላፍነት ዘይወስዳ ሃገራት ወይ መንግስታት ግን፡ እቲ ህዝቢ ንድሕነቱ ክብል ብዝያዳ ኣብ ኣዝማድ(ሰበይ ሰብካ) ይምርኮስን ይኣምንን።

    ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ሰብ ገበን ምስ ዝፍጽም፡ ንሱ ዳኣ'ምበር ስድራቤቱ ወይ ኣዝማዱ ብሰንኩ ኣይሕተቱን ወይ ኣይቅጽዑን እዮም።