ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ማሕበራዊ ማዕርነት ክብሃል እንከሎ፡ ኲላቶም ደቅሰባት፡ ዓሌታዊ መበቆሎም፡ ጾታዊ ዝንባለታቶም ወይ'ውን ስንክልናታቶም ብዘየገድስ፡ ማዕረ እዮምን ብማዕረ ኣገባብ ከኣ ክታሓዙ ኣለዎምን ማለት እዩ።

    ኤውሮጳዊ ውዕል

    ካብ 1950 ዓ.ም ኣትሒዙ፡ ንሰብኣውያን መሰላት ዝሕሉን ዝከላኸልን ኤውሮጳዊ ውዕል ኣሎ። "ውዕል ኤውሮጳ (Europakonventionen)" ድማ ይብሃል። ከምዚ ዝበለ ውዕል፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት ብምስምማዕ እዩ ዝግበር። ገለ ካብ'ቶም ኣብቲ ውዕል'ቲ ዘለዉ መሰላት ንምጥቃስ፡

    • ​መሰል ናጽነትን ውልቃዊ ድሕነትን
    • መሰል ንፍትሓዊ ፍርዲ
    • መሰል ክብረት ንውልቃውን ንስድራቤታውን ህይወት

    እዚ፡ ብ1995 ዓ/ም ናይ ሽወደን ሕጊ ኮይኑ። ሃገር፡ መንግስትን ኮምዩናትን፡ ነዚ ሕጊ 'ውዕል ኤውሮጳ' 'ዚ ኣብታ ሃገር ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ይገብሩ።

    ጾታ፡ ጾታዊ ማዕርነትን ኣንስታይነትን፡

    ጾታዊ ማዕርነት፡ 'ማዕርነት ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን' ዝብል ትሕዝቶ ኣሎዎ። ንገዛእ ህይወቶምን ሕብረተሰቦምን ክጸልዉ ማዕረ ሓይልን ዕድልን ኣሎዎም። ጾታዊ ማዕርነት ማለት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ማዕረ መሰላትን ግቡኣትን ክህሉዎም ኣሎዎ ማለት እዩ። ኲነታት ደቅሰባት፡ ጾታ ገዲፍካ፡ ብኻልእ ረቋሒታት ክጽሎ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኲላተን ደቀንስትዮ ወይ'ውን ኲላቶም ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓደ ዓይነት ተመኲሮታት ህይወትን ኩነተ-መንብሮን የብሎምን።

    ጾታ፡ ቀሊል መፍለዪ ነጥቢ ኣይኮነን። ንነብሶም ኣይከም ጓለንስተይቲ ኣይከም ወዲ ተባዕታይ ዝቖጽሩዋ ሰባት ኣለዉ። ገለ ገለ'ውን እቲ መበቆል ጾትኦም ገዲፎም ናብ ካልእ ጾታ ዝሳገሩ ኣሎዉ። ኲላቶም ደቅሰባት፡ ጾትኦም ብዘየገድስ፡ ብልሙድ ጾታዊ ኣረዳድኣታትን ሕብረተሰብን፡ ኣብኡ ሰፊኑ ዝርከብ ክብራዊ መለክዒታት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ክጽለዉ ባህርያዊ እዩ።

    ኣንስታይነት (ፈሚኒዝም)፡ ኣብ ሕብረተሰብ፡ "ደቀንስትዮ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተጸቕጣ ወይ ከም ንኡስ ክፋል እየን ዝቑጸራ" ካብ ዝብል እኩብ ርድኢት ዝነቅል፡ እሞ ኻኣ፡ ነዚ ክቕይር ዝህቅን ጠማሪ መረዳእታ እዩ። ኣንስታይነታዊ ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣቢሉ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣብ ሕብረተሰብ ማዕረ ዕድላት፡ መሰላትን ግቡኣትን ንኽህሉዎም ይቃለስ። ብግብሪ ክርአ እንከሎ፡ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕርታት፡ ኣግላሊ ወይ ፈላላዪ ዝኾነ ሕግታት ንምውጋድን፡ ጾታዊ ዓመጽ ንምቅላስን፡ ቊጽሪ ደቀንስትዮ ኣብ ወሳኒ ቦታታት ክብ ንምባል ምቅላስ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ዓይነት ጸቕጥታት ምስ ጾታ ዝተታሓሓዘ ምዃኑ ምዝኽኻርን ከጠቓልል ይኽእል።

    ጾታዊ ማዕርነት፡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይን ኣብ ቤትን

    ኣብ መጀመርታ ናይ 20 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሽወደን፡ ኣብ መንጎ መሰላት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዓቢ ፍልልይ ነይሩ። ቅድሚ 1921 ዓ.ም፡ ደቀንስትዮ፡ ናይ ምድማጽን ኣብ ባይቶ ናይ ምምራጽን መሰል ኣይነበረንን። ኣብቲ እዋን'ቲ ግን፡ ምርዑዋት ደቀንስትዮ ከም ብጹሓት ተቖጺረን። እዚ ማለት ከኣ: ንኣብነት ንቑጠባዊ እቶተን ብዝምልከት፡ ንመጀመርታ ግዜ፡ ናይ ምውሳን መሰልን ናጽነትን ረኺበን። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ፓርላማ፡ ብቚጽሪ ክንዲ'ቶም ደቂ ተባዕትዮ ዝኾና ደቀንስትዮ ኣለዋ። ጾታዊ ኣቃውማ መንግስቲ ምስ እንዕዘብ'ውን ብተመሳሳሊ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾና ሚኒስተራት ደቀንስትዮ ንረክብ። ኣብ ኮምዩናት ሽወደን ካብ ዝተሓርዩ ፖለቲከኛታት፡ 43% ደቀንስትዮ እየን።

    ቅድሚ ብርክት ዝበሉ ዓመታት፡ መብዛሕተአን ምርዑዋት ደቀንስትዮ እየን ደቀን ዝከናኸናን ገዝአን ዝኣልያን ነይረን። ኣብ 1970ታት ግን፡ ንህጻናት ተባሂለን ዝቖማ ብርክት ዝበላ መውዓሊ ህጻናትን ማእከላት ትርፊ ግዜን ተሃኒጸን። ወለዲ፡ ቆልዓ ምስ ወለዱ፡ ነቲ ብሕጊ ዝተፈቕደሎም ዕረፍቲ፡ ከም ዝማቐሉዎ ዝገብር 'ስርዓተ-ውሕስነት-ወለዲ (Föräldraförsäkringen)' ኣብቲ እዋን'ቲ ተኣታትዩ። እዚ ምቅይያራት'ዚ ኸኣ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክሰርሓን ኣታዊ ክህልወንን ገይሩ። ኣብ 1970ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ምንጻል ጥንሲ ዘፍቅድ ሕጊ ተኣታትዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ'ዚ ኸኣ፡ ደቀንስትዮ፡ ጥንሲ ምስ ዘጋጥመን፡ ክንጽለኦ ወይ ክወልድኦ ክውስና መሰል ረኺበን።

    ኣቐዲሙ፡ ናይ ገዛ ስራሕ ብደቀንስትዮ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ስራሕ ገዛ ክብሃል እንከሎ፡ ንኣብነት፡ ቆልዓ ምክንኻን፡ ምሕጻብ ክዳውንቲ፡ ምጽራይ ገዛን ምሕጻብ ኣቑሑን ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ስራሕ ገዛ፡ ብሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ዝዕየ እኳ እንተኾነ፡ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ስራሕ ግን፡ ገና ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝዕመም ዘሎ፡።

    ጾታዊ ማዕርነት፡ ኣብ ቦታ ስራሕን ቤት ትምህርትን፡

    ኣብ ዓመተ 1927፡ ኣዋልድ፡ ልክዕ ከም ኣወዳት፡ ኣብ መንግስታዊ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ማዕረ ዕድል ተዋሂበን። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ዘሎ ውጥን ትምህርቲ ምስ እንዕዘብ፡ ዝውሃብ ትምህርቲ እንታይ ከጠቓልል ከምዘለዎ ብደቂቕ ሰፊሩ ንረኽቦ። መምሃራን፡ ማዕርነት ንምርግጋጽ ክጽዕሩ ከም ዝግባእ'ውን ኣብቲ ውጥን ትምህርቲ ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ማለት ከኣ፡ መምሃራን፡ ነዋልድን ኣወዳትን ብማዕረ ክሕዙዎምን ክርእዩዎምን ዝጽውዕ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ መንእሰያት ዝመርጹዎ ሞያ ወይ ዓይነት ትምህርቲ፡ ምርጫ ከም ወዲ ወይ ጓል ክትገብሮ እትኽእል ነገራት፡ ማለት ጓል እንተትኸውን ወይ ወዲ እንተትኾኒ ዝኣመሰሉ ኣብ ጾታ ዝተመስረቱ ተዛመድቲ ምርጫታት'ዮም።

    ኣብ 1980 ዓ/ም፡ እዚ 'ብሕገ-ጾታዊ-ማዕርነት (jämställdhetslagen)' ዝፍለጥ ሕጊ'ዚ፡ ቅድሚ ኹሉ፡ ንጾታዊ ማዕርነት ኣብ ቦታ ስራሕን ንምዕሩይ ደሞዝን ማእከል ዝገበረ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ 80% ናይ'ተን ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ክሳብ 64ዘለዋ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊረን ይርከባ። ኣብ መንጎ ጾታታት፡ ዓቢ ናይ ደሞዝ ጋግ ኣሎ። ብጠቕላላ ክረአ እንከሎ፡ ደቀንስትዮ 87% ናይ'ቲ ንደቂ ተባዕትዮ ዝውሃብ ደሞዝ የእትዋ። ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ናይዚ ኸኣ፡ ደሞዝ ናይቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ሞያታት፡ ካብ ናይ'ቲ ደቀንስትዮ ዝሰርሓሉ ሞያታት፡ ልዕል ዝበለ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ዝበዝሕ ቁጽሪ ዘለወን ደቀንስትዮ፡ ፍርቂ መዓልቲ ይሰርሓ። ነዊሕ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ይወስዳን ብሰንኪ ምእላይ ዝሓመመ ቆልዓ'ውን ብብዝሒ ካብ ስራሕ ይቦኽራን። ብኸምዚ ኸኣ፡ ፍልልይ ዓመታዊ ኣታዊ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መሊሱ ይዓቢ። ክሳብ'ዚ እዋን'ዚ፡ እቶም ብብዝሒ፡ ሓለቓታት ናይ ስራሕ ዝኾኑን ሓድሽ ትካል ዝምስርቱን፡ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

    ፖለቲካዊ ጾታዊ ምዕሩይነት ኣብ ሽወድን

    ኣብ ዓመተ 2006፡ ፓርላማ ሽወደን፡ ዕላማ ናይ'ቲ ንጾታዊ ማዕርነት ዝምልከት ፖለቲካዊ ጻዕርታቱ፡ ንደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣብ ሂወቶምን ኣብ ሕብረተሰቦምን ዝጻወቱዎ ተራ ብዝምልከት፡ ማዕረ ዝኾነ ስልጣንን ዕድላትን ክውሃቦም ዝብል ውሳነ ኣጽዲቑ። ነዚ ኣጠቓላሊ ዕላማ'ዚ ሽድሽተ ከፊል-ዕላማ ኣለውዎ።

    • ምዕሩይ ምምቕራሕ ስልጣንን ጽልዋን። ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፡ ንጡፋት ዜጋታት ንኽኾኑን ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነ ጽልዋ ኬሕድሩን፡ ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ክህሉዎም ኣሎዎ።
    • ቍጠባዊ ማዕርነት። ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፡ ንምሉእ ህይወት ቁጠባዊ ሓርነት ዘረጋግጽ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ንዚምልከት፡ ማዕረ ዕድላትን ኵነታትን ክህሉዎም ኣሎዎ።
    • ትምህርታዊ ማዕርነት። ንትምህርቲ፡ ምራጫ ትምህርቲን ውልቃዊ
      ምዕባለን ንዚምልከት፡ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፡ ኣዋልድን ኣወዳትን
      ማዕረ ዕድላትን ኵነታትን ክህልዎም ኣሎዎ።
    • ማዕረ ምምቕራሕ ነቲ ዘይክፈሎ ስራሕ ገዛን ስራሕ ሓልዮትን ክንክንን። ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፡ ንናይ ገዛ ስራሕ ማዕረ ሓላፍነት ክወስዱሉን፡ ብማዕረ ኵነት ሓልዮትን ክንክንን ክህቡን ክወስዱን ዕድላት ክህልዎምን ኣሎዎ።
    • ጥዕናዊ ማዕርነት። ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ሓደ ዓይነት ቅድመ-ኵነት ንምሉእ ጥዕና ክህልዎምን ከምኡ'ውን ብማዕረ ኵነት ሕክምናን ሓልዮትን ክቕረበሎም ኣሎዎ።
    • ጐነጽ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ደው ክብል ኣሎዎ።ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን፡ ኣዋልድን ኣወዳትን፡ ሓደ ዓይነት መሰለን ዕድልን ንኪጥሓስ ዘይግብኦ ኣካላዊ ክብረት ክህልዎም ኣሎዎ።