ዓመጽ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ መዛምድን፡

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ መዛምዲ ማለት፡ ንናይ ቀረባ ሰብካ ምዕማጽ ኮይኑ፡ ብሓይሊ ብምቊጽጻር፡ ብማህረምቲ ወይ ብምፍርራህ ሓይልኻ ምጥቃም ክካየድ ይኽእል።

    ንኽብረት ዝምልከት ዓመጽ

    ኣብ ውሽጢ ስድራቤትን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ዝካየድ ዓመጽ፡ ኣብ ኲላተን ሃገራትን ኣብ ኲላቶም ባህልታትን ኣሎ። ምስ ክብረት ዝተተሓሓዘ ዓመጽ ክብሃል እንከሎ፡ ኣንጻር ሓደ ስነ ምግባርን ልምድን ናይ ስድራቤትን ኣዝማድን ዝካየድ ዓመጽ ማለት'ዩ።

    ዝበዝሕ እዋን: ምስ ክብረት ዝተሓሓዝ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ምስ ናይ ኣንስትን ኣዋልድን ጾታነት ዝተኣሳሰረ ዓመጽ እዩ። ኣዋልድ ክምርዓዋ እንከለዋ፡ ምስ ድንግልንአን ክጸንሓ ኣሎወን ዝብል ድማ'ዩ። ክብረት ዝመሰረቱ ዓመጽ፡ ብተሪር ብምቊጽጻርን ብምክትታልን መልክዕ'ውን ክካየድ ይኽእል። ንኣብነት ሓደ ሰብ፡ መናብርቲ ወይ ዝምርዓዎ ሰብ ክመርጽ ዘይፍቀደሉ፡ ምፍርራህን ምህራምን፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ማህረምትን ከጠቓልል ይኽእል። ኣብ ሽወደን፡ ኣንጻር ካልኦት ሰባት ዝቐንዐ ራዕዲ ወይ ጎነጽ ምጥቃም፡ ክልኩል እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ገበናዊ ተግባር'ውን እዩ።

    ዝበዝሕ ግዜ፡ ግዳያት ናይቲ ምስ ክብረት ዝተተሓሓዘ ዓመጽ ዝኾና፡ ኣዋልድን ንኣሽቱ መርዑትን እኳ እንተኾና፡ ንኣወዳት'ውን የረኻኽበሎም እዩ። ግብረ-ሰዶማውያን (HBTQ-personer)፡ ብፍሉይ ነዚ ሓደጋ'ዚ ዝተቓልዑ ጒጅለ'ዮም። ክብረት ዝማእከሉ ዓመጽ፡ ኣብ ሓደ ብጥምረት ዝነብር ወይ ከኣ ሰብኡት ካብ ኣንስቲ ኣብ ዝሕይሉሉ ሕብረተሰብ፡ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ምስ ክብረት ብዝተኣሳሰረ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ነቲ ናይ ስድራቤት ወይ ናይ ዘመድ ልምድን ስርዓትን ዝጠሓሰ ሰብ ዓመጽ የውርዱሉ። ብሓደ ኮይኖም ከኣ'ዮም ነቲ ዓመጽ ንምፍጻም ዝውስኑ።

    ሽወደን፡ ንሓፈሻዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣጽዲቓቶን ተቐቢላቶን እያ። ላህመት ናይ'ዞም መሰላት እዚኣቶም፡ "ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ መጻኢኡን ናብርኡን ኣመልኪቱ ናይ ምውሳን መሰል ኣሎዎ" ዝብል እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኲላቶም ደቅሰባት፡ ኣብ ነብሶም፡ ጾታኦምን መጻምድቲ ኣብ ምምራጽን፡ ባዕላቶም ክውስኑ ክኽእሉ ኣለዎም ማለት እዩ።

    እቲ ሕጊ ከምዚ ይብል፡

    እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀረባ መዛምድቱ ዝኾነት ጓል ተንስተይቲ ዓመጽ ዝጥቀም ሰብ፡ ብ "ጽንኩር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ" (grov kvinnofridskränkning) ተኸሲሱ ክፍረድ ይኽእል እዩ። ንኻልኣይ ደረጃ ወይ ዓይነት ናይ ቀረባ መዛምድቱ ዝምልከት እንተ ኾይኑ፡ እቲ ዓመጽ ዝጥቀም ሰብ፡ ብ "ጽንኩር ዓመጽ" (grov fridskränkning) ተኸሲሱ ይፍረድ። ኣብ ናይ ቀረባ መዛምድቲ ዓመጽ ዝተጠቀመ ሰብ፡ ብስም "መጥቃዕቲ ወይ ምፍርራሕ" ክፍረድ ይኽእል እዩ።

    ሓገዝ ምርካብ ይክኣል'ዩ።

    ነቶም ብናይ ቀረባ ኣዝማዶም ዓመጽ ዝወርዶም ቆልዑ፡ ኣንስትን ሰብኡትን ሓገዝ ናይ ምሃብ ዓቢ ሓላፍነት ዝውንን መንግስታዊ ኣካል፡ "በዓል መዚ ማሕበራዊ ኣገልግሎት" (Socialtjänsten) እዩ። ኮምዩናት ብወገነን፡ ነቶም ዓመጽ ዝወረዶም ወገናት፡ ናብ ውሑስ መዕቆቢ ስፍራ ክወስዳኦም ሓላፍነት ኣሎወን።

    ማሕበር ጽላል(kvinnojour)'፡ ነቶም ኣብ ክሊ ስድራቤታት፡ ማለት ብናይ ቀረባ ኣዝማድ፡ ግዳያት ዓመጽ ዝኾኑ ደቀንስትዮን ቆልዑን፡ ደገፍን መዕቆብን ዝህብ ማሕበር እዩ። መብዛሕትአን ማሕበራት "ክቪኑኹር"፡ ወለንታውያን ኣባላት ዘለውወን ዘይረብሓውያን ማሕበራት እየን። ንኣንስትን ኣዋልድን ንምሕጋዝ ዝዓለመ መስመር ጽላል ወይ ደገፍ፡ ኣብ ምሉእ ሽወደን ኣሎ።

    ብዙሓት ኮምዩናት፡ ዓመጽ ንዝወረዶም ኣንስትን ቆልዑን ዝዓለመ ናይ ጽጉማት መቐበሊ ቦታ krismottagningar ኣሎወን። ሰብኡት፡ ናይ ዓመጽ ተግባራቶም ደው ንኸብሉ ዝዓለመ ፍሉይ መቐበሊ ወይ መጽንሒ ቦታ'ውን ኣሎ። ንስኻ ከም ሰብኣይ፡ ግዳይ ዓመጽ ምስ እትኸውን'ውን፡ መዕቆቢ ቦታ ኣሎካ።

    ምፍርራህን ዓመጽን ምስ ዘጓንፈኪ፡ እሞ ድማ ሓገዝ ትደልዪ እንተ ዄንኪ፡ ናብ "ክቪኖፍሪድስሊንየን" (Kvinnofridslinjen) ዝብሃል ዝምልከቶ ኣካል ጒዳያት ደቀንስትዮ ደውሊ። እዚ ትካል'ዚ ኩሉ ሳዕ ክፉት ኮይኑ፡ ብናጻ ክትድውሊ ትኽእሊ። ክትድውሊ ከለኺ፡ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን እዩ። ቁጽሪ ስልኩ ድማ፡ 020-50 50 50 እዩ።

    ናብ "ተራፈም(Terrafem)" ዝብሃል ካልእ ዝምልከቶ ኣካል ጒዳያት ደቀንስትዮ'ውን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡ 50 ቋንቋታት ክዛረቡ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት፡ ካብ ሰዓት 08-17 ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። እትድውልዮ ደወል፡ ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ። ስምክን ቁጽሪ ተሌፎንክን ምስ እትገድፍሎም ድማ፡ ባዕላቶም ክድውሉልኪ ይኽእሉ እዮም። ተሌፎን ቁጽሮም፡ 020-52 10 10 እዩ።

    ወሲብ ዝዕላምኡ ዝሙታዊ ንግዲ ሰብ፡

    ወሲብ ዝዕላምኡ ዝሙታዊ ንግዲ ሰብ (människohandel): ብመንግስቲ ሽወደን፡ ከም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ እዩ ዝቑጸር። ስለዚ'ዩ ድማ መንግስቲ ሽወደን፡ ነተን ወሲብ ብዝዕላምኡ ንግዲ ሰብ ዝተቓልዓ ኣንስቲዮ ዘይፈርድ ሕጊ ክሕግግ መሪጹ። ኣብ ክንድኡ ግን፡ እቶም ወሲባዊ ኣገልግሎት ዝዕድጉ ወይ ክብረተን ንኻልኦት ንኽሸጣ ዘገድዱን እዮም ከም ገበነኛታት ተቖጺሮም መቕጻዕቶም ዝቕበሉ።

    ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ምጕዳል(ምኽንሻብ)

    ኣዋልድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ጾታዊ ኣካለን ይጎድላ እየን። ጾታዊ ኣካል ምጒዳል ማለት፡ ንኣገዳሲ ክፋል ብልዕቲ ቆሪጽካ ምእላይ(ምኽንሻብ) ማለት እዩ። ንኣገዳሲ ክፋል ናይ ብልዕቲ ቆሪጽካ ብምእላይ፡ ዝተረፈ ርሕሚ ምስፋይ ማለት'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

    ሳዕቤን ኣብ ጥዕና

    ጾታዊ ኣካለን ዝጎደላ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ልዕሊ ጥዕንአን ብዙሕ ጸገም ከጋጥመን ይኽእል። መብዛሕትአን፡ ክሸና የጸግመን። ምኽንያቱ፡ እቲ ሻምብቆ ሽንቲ ክጒዳእ ስለ ዝኽእል። ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተን፡ ብልዕተን የቐንዝወን። ወሲባዊ ህይወተን ብኣሉታ ይጽሎ። ኣብ ጽግያት ይሽገራን ረኽሲ የስዕበለንን። ኣብ ግዜ ሕርስን ጥንስን ድማ ጸገም የጋጥመን።

    ኣብ ሽወደን፡ ኣንጻር "ምጒዳል ጾታዊ ኣካል" ዝግበር ጻዕሪ፡

    ኣብ ሽወደን፡ ምጒዳል ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ፡ ክልኩል እዩ። እቲ ሕጊ፡ "እቲ ሰብ ይድለ ኣይድለ ብዘየገድስ፡ ምጒዳል ጾታዊ ኣካል ክልኩል እዩ" ይብል። ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ዘጒድል ሰብ፡ ንማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል'ዩ። እቲ ምጒዳል ኣካል፡ ዋላ ኣብ ካልእ ሃገር ይገበር፡ እቲ ሰብ፡ ኣብ ሽወደን ተኸሲሱ ክፍረድ ይኽእል'ዩ። ርሕሚ ጓለንስተይቲ ምስፋይ፡ ንኣብነት ድሕሪ ሕርሲ'ውን ክልኩል'ዩ።

    ኲላቶም ኣብ ሽወደን ምስ ቆልዑን መንእሰያትን ዝሰርሑ ዘበሉ፡ ሓንቲ ጓል፡ 'ጾታዊ ኣካላ ጎዲሉ' ወይ 'ክጎድል እዩ' ኢሎም ዝጥርጥሩ እንተኾይኖም፡ ንቤት ጽሕፈት "ማሕበራዊ ኣገልግሎት" (socialtjänsten) ግድን ከፍልጡ ኣለዎም።

    ኣብ ሽወደን፡ ኣብ "ጸረ ምጒዳል ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ" ዝሰርሓ ሓያለ ማሕበራት ኣሎዋ። ንኣብነት ከም ማሕበር "ምጒዳል ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ደው ይበል" (Riksföreningen stoppa kvinnlig könsstympning, RISK) ከምኡ'ውን "ፈደረሽን ጾታዊ ሓበሬታ" (Riksförbundet för sexuell upplysning, RFSU)እየን። እዘን ክልተ ውድባት'ዚኣተን፡ ብዛዕባ ምጒዳል ጾታዊ ኣካል፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ይህባ።

    ክንክንን ሓገዝን ጾታዊ ኣካለን ንዝጎደላ ደቀንስትዮ፡

    ሕቶታት ዘለክን ወይ ክንክን ትደልያ ደቀንስትዮ እንተለኽን፡ ምስ ሓኪም ቤት ትምህርትኽን፡ መቐበል መንእሰያት፡ (ungdomsmottagning) ከምኡ'ውን ምስ ጋይነኮለጅያዊ(ማህጸናዊ) መቐበሊ (gynekologisk mottagning) ወይ ከኣ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ ዝርከብ ክሊኒክ ደቀንስትዮ (kvinnokliniker) ርክብ ክትገብራ ትኽእላ ኢኽን። ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ሓገዝ ረኺበን እየን። ድሕሪ ሕክምና ኸኣ ናብ ንቡር ህይወተን ተመሊሰን።