መድሕን ሸቕለት ኣልቦነት (Arbetslöshetsförsäkringen)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ሽወደን፡ ስራሕን ደሞዝን ኣሎዎም። ሽቕለት ኣልቦነት ዳርጋ 6.5% እዩ። ኣብ'ቶም ካብ 15-24 ዝዕድመኦም መንእሰያት ግን ሽቕለት ኣልቦነት ክብ ዝበለ እዩ። 16.4% ድማ ይበጽሕ።

    ኣ-ካሳ (a-kassa) ንምውሳድ ዝህሉ ቅድመ ኹነት፡

    ሓደ ዓመት ምሉእ ኣባላት ኣ-ካሳ ኴንኩም ምስ እትጸንሑ፡ ኣብ ውሽጢ'ታ ዓመት እቲኣ ን 6 ኣዋርሕ ምሉእ ምስ እትሰርሑ፡ ስራሕ ደው ኣብ ዘበልኩምሉ እዋን፡ ኣብቲ እተእትውዎ ዝነብርኩም ደሞዝ ዝተሰረተ መጠን ገንዘብ ካብ ኣ-ካሳ ይውሃበኩም። ቆልዓ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ምስ ዝህልወኩም 300 ወይ 450 ማዓልታት ሓገዝ ይውሃበኩም። ኣብ'ተን 200ቀዳሞት ማዓልታት፡ እቲ ዝውሃበኩም ገንዘብ፡ እንተበዝሐ 80%ናይቲ ዝነበረኩም ኣታዊ ይኸውን። ብድሕሪ'ዚ መዓልታት'ዚ፡ እቲ ዝውሃበኩም ሓገዝ፡ እንተበዝሐ 70% ናይቲ ዝነበረኩም ኣታዊ ይኸውን። እተን ቀዳሞት 100 ማዓልታት፡ ኣብ መዓልቲ እንተበዝሐ 910 ክሮነር ይውሃበኩም። ካብ 101 ክሳብ 300 ዘለዋ መዓልታት ከኣ፡ ኣብ መዓልቲ እንተበዝሐ760 ክሮነር ይውሃበኩም።

    ኣ-ካሳ፡ ንውሱን እዋን ጥራይ'ዩ ዝውሃበኩም። ኣ-ካሳ እናወሰድኩም ከኣ ስራሕ ከተናድዩ ኣለኩም። ንመዓልቲ ክንደይ ይውሃበኩም ንዝብል፡ እቲ ኣባላቱ ዝኾንኩሞ ኣ-ካሳ እዩ ዝውስኖ።

    ኣብ ኣ-ካሳ፡ ኣባላት ምስ ዘይትኾኑ፡ ወይ'ውን ክትኮኑ ምስ ዘይትደልዩ፡ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦነት ንኽውሃበኩም እትውከሱዎ ኣ-ካሳ፡ እቲ "ኣልፋ-ካሳ" (Alfakassan)፣ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሸቕለት ኣልቦነት ትካል እዩ። ብኣልፋ-ካሳ ዝዋሃብ መጠን ካሕሳ መባእታዊ ክፍሊት (grundbelopp) ኮይኑ፡ ንመዓልቲ 320 ክሩነር እዩ።

    መባእታዊ ክፍሊት፡ ነቶም ኣባላት ኣ-ካሳ ዘይነበሩ ወይ'ውን ንሓጺር እዋን ኣባላት ዝነበሩ ሰባት ዝውሃብ ዓይነት ካሕሳ እዩ። መባእታዊ ክፍሊት ክውሃበኩም እንተኾይኑ ድማ፡ ዕድመኹም ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ። መባእታዊ ክፍሊት፡ ካብ ኣልፋ-ካሳ ወይ'ውን ካልእ ተመሳሳሊ ኣ-ካሳ ክውሃበኩም ይኽእል'ዩ።