ምንዳይ ስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ስራሕ ምርካብ፡ ብዙሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል።

    ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ

    ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ መንግስታዊ ትካል'ዩ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ፡ ከመይ ጌርካ ስራሕ ከም እተናድን፡ ከመይ ጌርካ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሞያታትን ትምህርቲታትን፡ ሓበሬታ ከም እትረክብን ይሕብረካ።

    መንበሪ ፍቓድ ምስ ወሰድካ፡ ከም ደላይ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ ክትምዝገብ ኣገዳሲ እዩ።

    ናይ መትከሊ እግሪ ካሕሳ

    ንናይ መተከል እግሪ ካሕሳ፡ መሰል ምስ ዝህሉወካ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ ዘሎ ኣሳላጢ(ሃንድሌጋረ) እዩ ምሳኻ ኮይኑ ነቲ ውጥን ዘውጽኦ። መደብ 'መሰል መትከል እግሪ'፡ ናብ ዕዳጋ-ዕዮ ከመይ ኢልካ ከም እትኣቱ ዝገልጽ ውጥን እዩ። ኣብ'ተን ናይ መትከል-እግሪ መሰል ዘሎካ ክልተ ዓመታት ከኣ እዩ ዘገልግል።

    ንደለይቲ ስራሕ ዝውሃብ ደገፍ

    ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ነቶም ስራሕ ዝደልዩ ዝተፈላለየ ሓገዛት ይገብረሎም። ናዓኻ ንሓድሽ መጻእተኛ ድማ፡ ብቐሊሉ ስራሕ ምእንቲ ክትረክብ ፍሉይ ሓገዝ ይገብረልካ።

    ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ክትለማመድ ተኽእሎ ኣሎ። ልምምድ ማለት፡ ካብ ፎርሸክሪንግካሳን ማለት ትካል መድሕን፡ መከሓሓሲ እናተቐበልካ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ንገለ እዋናት ትሰርሕ ማለት እዩ። ካብቲ ወሃብ ስራሕ ግን ዝውሃበካ ደሞዝ የለን።

    እቲ ልምምድ፡ ኣብ ሽወደን ስራሕ ከም እትረክብን ክእለትካ ከም እተርእን ይገብረካ። ብዛዕባ ናይ ሽወደን ኣሰራርሓ፡ ተሞክሮ ይህበካ። ስራሕ ንኽትረክብ ድማ ዕድልካ ክብ የብሎ። እቲ ናይ ልምምድ ስራሕ ደስ ምስ ዝብለካ፡ ሓድሽ ስራሕ ክትደሊ እንከለኻ ነቲ ወሃብ ስራሕ ከም መወከሲ ክትጥቀመሉ ትኽእል። ከምዚ ክብሃል እንከሎ፡ እቲ ከም ሓድሽ ዝቕበለካ ዘሎ ወሃብ ስራሕ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ልምምድ ወይ ፕራክቲክ ወሃብ ስራሕካ ዝነበረ፡ ደዊሉ ጽቡቕ ምስራሕካን ዘይምስራሕካን ክሓቶ ይኽእል ማለት'ዩ። ስለዚ መወከሲ ዝኾነካ ክህልወካ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ዳርጋ ኹሉ ወሃብ ስራሕ፡ ሰብ ከስርሕ ከሎ፡ መንን ከመይን ምዃኑ ንምፍላጥ መወከሲ ይደሊ እዩ።

    ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ፡ ብዛዕባ ኣድለይቲ ሞያታት፡ ስልጠና ይህብ እዩ። ዕላምኡ ድማ እቲ ስልጠና ናብ ስራሕ ንኽመርሕ ወይ ንኸምርሕ ብማለት እዩ።

    መእተዊ-እግሪ ስራሕን (Instegsjobb) ሓዱሽ ዝጅመር ስራሕን (nystartsjobb)

    ኢንስተግስዮብ ከምኡ'ውን ኒስታርትስዮብ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት መንበሪ-ፍቓድ ዝወሰዱ ሰባት ዝምልከት ናይ ስራሕ ዕድል እዩ። ኣስራሒ፡ ንዓኻትኩም ብምቚጻሩ፡ ቤት ጽሕፈት ኣማጻእቲ-ስራሕ፡ ሓደ ኽፋል ናይ ደሞዝኩም ዝሽፍን ገንዘባዊ ደገፍ ይገብረሉ። ኢንስተግስዮብ ምእንቲ ክፍቀደልኩም ግን ጎድኒ ጎድኒ ስራሕ፡ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (SFI) ትመሃሩ ክትኮኑ ኣለኩም። ስለዚ ኢንስተግስዮብ ወይ'ውን ኒስታርትስዮብ ምስ ዘገድሰኩም ምስ ቤት ጽሕፈት ኣማጻእቲ ስራሕ ተዘራረቡ።

    ሰነዳት ምልክታ

    ስራሕ ከተመልክቱ እንከለኹም፡ ወሃቢ-ስራሕ ዝጠልቦም ወረቓቕቲ ምስቲ ምልክታኹም ኣሰኒኹም ክትሰድዎ ኣለኩም። ዝበዝሕ እዋን፡ ወሃብቲ-ስራሕ፡ ውልቃዊ ደብዳበን ሰነድ መድለዪ ስራሕ ወይ ሲቪ (CV) ክትሰዱሎም ይደልዩ።

    (CV) ሴቨ

    ሴቨ፡ ካብ ላቲን ዝመጸ ቃል ኮይኑ፡ "ታሪኽ ህይወት" ማለት እዩ። ኣብ ሴቨ፡ ንዘለካ ተመኲሮ ስራሕ፡ ደረጃ ትምህርትን ካልእ ክእለትካን ትጽብጽብ። ብዛዕባኻን ከመይ ዝበልካ ሰብ ምዃንካን ድማ ቁሩብ ትትርኽ።

    ኣብ ሲቪ (CV) ክኣቱ ዝኽእል እዚ ዝስዕብ እዩ:

    • ስም፡ ኣድራሻ: ቁጽሪ ስልኪ፡ ኣድራሻ ኢ-መይል።
    • ምህሮ፤ ዝርዝራት ዝቐሰምካዮም ዓይነታት ትምህርቲ።
    • ስራሕ፤ ዝርዝር ተመኲሮ ስራሕ።
    • ከም ክእለት ቋንቋን ዳታን ዝኣመሰሉ ካልኦት ተመኲሮታት።
    • መወከሲታት (Referenser)፡ ስም ወሃብ ስራሕካ ነበር ወይ ከኣ ስም ኣጸቢቑ ዝፈልጠካ ሰብ። ናይ'ቲ ዝጥቀስ ሰብ ስም፡ ቁጽሪ ስልክን ቦታ ስራሕን።
    • ሓጺር ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ድሌታትካ ወይ ዝንባለታትካ: ቤተሰብካን ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትገብሮም ንጥፈታትን።

    ኣብቲ ዝነበረካ ስራሕ፡ እንታይ ትሰርሕ ከም ዝነበርካን ትሕዝቶ ትምህርትኻን'ውን፡ ኣብ ሴቨ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ክትትርኽ ትኽእል ኢኻ። ወሃብ ስራሕ ምስ ዝሓተካ፡ ነጥብታት ትምህርትን (Betyg) ምስክር ወረቐትን ድሒርካ ወይ ቃለ-መጠይቕ ምስ ገበርካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

    ደብዳበ ምልክታ-ስራሕ/ውልቃዊ ደብዳበ

    ኣብቲ ስራሕ እትሓተሉ ደብዳበ ወይ ውልቃዊ ደብዳበ፡ እታ እተመልክተላ ዘለኻ ስራሕ ወይ ትካል፡ ስለምንታይ ከም ዘገደሰትካ ትሕብር። ንስኻ ነታ ስራሕ ስለምንታይ ብቑዕ ከም ዝኾንካን ኣቐዲሙ ዝነበረካ ተመሳሳሊ ተመኲሮን'ውን ትገልጽ። እታ ደብዳበ ነታ ስራሕ ተባሂላ ብልክዕ ዝተጻሕፈት ክትከውን ኣገዳሲ'ዩ።

    እታ ደብዳበ ክትነውሕ የብላን፡ እንተነውሐት ሓንቲ ገጽ A-4 ኣኻሊት እያ።

    ምልክታ ተገዳስነት ወይ ድሌት(Intresseanmälan)

    ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ ክትሰርሕ ምስ እትደሊ'ሞ ብዛዕባ ክፉት ቦታ ምንም ረክላም ዘየለ ምስ ዝኸውን ናይ ተገዳስነት ደብዳበ ክትልእኽ ትኽእል። ምስቲ ደብዳበኻ ሲቪ(CV) ልኣኽ። ስለምንታይ ነቲ ስራሕ ከም እተገደስካሉን እንታይ ዓይነት ክእለት ከም ዘሎካን ድማ ግለጽ።

    ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ(Anställningsintervju)

    ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ፡ ወሃብ ስራሕ፡ ንስራሕ ዝሓትት ሰብ ሕቶታት ዘቕርበሉ ዝርርብ እዩ። ቃለ መጠይቕ ክትገብር ኣብ እትቀራረበሉ እዋን፡ ሓደሓደ ክትሓስበሎም ዝግበአካ ኣገደስቲ ነገራት ኣሎዉ። ብዛዕባ'ታ ስራሕ ትሓተላ ዘለኻ ትካል ምንባብ ጽቡቕ'ዩ። ነታ ትሓተላ ዘለኻ ስራሕ ዝኸውን ብቑዕ ተመኲሮ ግለጽ። ንኣብነት ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ፡ ኣብታ ተመልክተላ ዘለኻ ስራሕ፡ ተገዳስነት ከም ዘሎካ የርኢ።

    ልሙዳት ሕቶታት

    ኣብ ቃለ መጠይቕ፡ ንዝተፈላለዩ ሕቶታት እንታይ መልሲ ከም እትህበሎም ምሕሳብ ጽቡቕ እዩ። ርግጸኛ ንኽትከውን ስለ ዘኽእለካ።

    ገለ ገለ ልሙዳት ሕቶታትን መዘኻኸሪታትን፡

    • ብዛዕባ ነብስኻ ተርኽ!
    • ንስኻ ከም ሰብ መን ኢኻ?
    • ብዛዕባ ዝቐደሙ ስራሕካን ትምህርትኻን ተርኽ፡
    • ምስ ጕጅለ ሰባት፡ ከመይ ትሰርሕ?
    • ነቲ ስራሕ ዝምችእ፡ ሓያልን እወንታውን ጎድኒ እንታይ ኣሎካ?
    • ኣየናይ ጎድንኻ ከተማዕብሎ ትደሊ? (ድኹም ጎድኒታትካ ምልላይ ሓጋዚ እዩ።)
    • ነዛ ስራሕ፡ ስለምንታይ መመልከቲ የእቲኻላ?
    • ናብኣ ዝሰሓበካ ነገር ወይ ምክንያት ከ እንታይ እዩ?
    • ከም ሰራሕተኛ ንኽንቆጽረካ እንታይ ምኽንያት ተቕርበልና?
    • ነዚ ስራሕ ከም እትበቅዕ ዘተኣማምነካ ነገር እንታይ እዩ?
    • ናይ ርሑቕ መጻኢ መደብካ እንታይ እዩ?

    ካልእ፡ ኣብ ግዜ ቃለ መጠይቕ ናይ ስራሕ ክሕሰበሉ ዘሎዎ ነገር፡

    ንወሃቢ ስራሕ ክትረኽቡዎ እንከለኹም፡ እቲ እተሕድሩዎ ቀዳማይ ጦብላሕታ ወሳኒ እዩ። እቲ እትኸዱዎ ቦታ ስራሕ፡ ፍሉይ ዝኾነ ኣገባብ ኣከዳድና ወይ ናይ ኣለባብሳ ኮድ ከይህሉዎ ኣጽንዑ።

    መብዛሕትኦም ወሃብቲ ስራሕ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ሰላም ክትብሎም ይጽበዩኻ እዮም።

    ኣብ ግዜ ቃለ መጠይቕ፡ ሰዓታት ቆጸራ ምኽባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እንተዘየሎ ግን፡ ነቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድልካ ክትከስሮ ትኽእል ኢኻ።