ናይ ውልቅኻ ትካል ምኽፋት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ዓመተ 2017፡ ጠቕላላ ቁጽሪ ናይ'ቶም፡ ኣብ ሽወደን ወነንቲ ትካላት ዝኾኑ ሰባት፡ 500 000 በጺሑ። ብቑጽሪ ደረጃ ክርአ እንከሎ፡ ወነንቲ ትካላት፡ 9% ናይ'ቶም ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት እዮም።

    በዓል መዚ ቀረጽ (Skatteverket) ናይ ውልቂ ትካል ንምምስራት ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሽወደን ብነጻ ዝውሃብ ናይ ሓበሬታ ሰሚናራት የካይድ። ብዓል መዚ ቀረጽ፡ ትካልኩም ብኸመይ ተመዝግቡ ከምኡ'ውን ኣብ ምጅማር ናይቲ መስርሕ ዝጠቕመኩም ሓበሬታታት ይልግሰልኩም። ኣብዚ ሓበሬታዊ ሰሚናራት፡ ምስ ወከልቲ ከባብያዊ ውድባት ወይ ማሕበራት ናይ ምርኻብ ዕድል ኣሎኩም። ከም ናይ መጻኢ ወናኒ ትካል፡ ብወገኖም እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከበርክቱልኩም ይኽእሉ'ውን ይሕብሩኹም።

    (ALMI) 'ኣልሚ ፎረታግስፓርትነር ኣበ' (ALMI Företagspartner AB) ዝብሃል ትካል፡ ብመንግስቲ'ዩ ዝውነን። ኣልሚ፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዙሓት ዋኒናት ክጅምራን ንኣሽቱን ማእከሎትን ዋኒናት ክድንፍዓን ይጽዕር። ኣልሚ፡ ዋኒን ንምኽፋት ዘድሊ ናይ ንግዲ ውጥን ኣብ ምሃብ ይሕግዝ። ናይ ንግዲ ውጥን፡ ንዋኒንካ ከመይ ጌርካ ከም እተካይድ ይገልጽ።

    ኢፍስ ሮድዢቭኒን (IFS Rådgivning)፡ ሓደ ክፋል ኣልሚ ኮይኑ፡ ነቶም ዋኒን ክኸፍቱ ዝደልዩ ወጻእተኛታት ይድግፍ። ኢፍስ IFS ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናጻ ምኽሪ ይህብ። ኢፍስ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሽወደን ኣሎ።

    ትካል ንምኽፋት ዘድሊ ገንዘብ

    ትካል ክትምስርቱ ምስ እትሓስቡ፡ ወትሩ፡ ምወላ (ገንዘብ) ዝብል ነገር፡ ቀዳማይ ዝመጽእ ኣርእስቲ'ዩ። ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ካብ ካልእ ሰብ ወይ'ውን ኣካል ገንዘብ ምውሳድ የድልየኩም ይኸውን። ጽቡቕ ትካላዊ ሓሳብን ጽቡቕ ውጥን ምምስራት ትካልን ምስ ዝህልወኩም ምምዋል ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣይክትረኽቡዎን ኢኹም። ትካል ንምጅማር፡ ብዙሕ ናይ ምወላ ኣማራጺታት ኣሎኩም። ንኣብነት፡-

    • ልቓሕ ባንኪ

    ንባንኪ ምስ እትውከስ፡ እቲ ባንኪ ነቲ ገንዘባዊ ኩነታትካ ይግምግሞ። ብድሕር'ዚ ክንደይ ከለቃሓካ ከም ዝኽእል ይውስን። ልቓሕ ግን ምስ ወለዱ እዩ ዝምለስ።

    • ዘይርጉጽ ርእሰማል (Riskkapital)

    ዘይርጉጽ ርእሰማል ዝብሃል፡ እቲ ብዓል ገንዘብ፡ ኣብ መጻኢ ገንዘብ ንኽረክብ ዘለቃሓካ ልቓሕ እዩ። እዚ ድማ ጽቡቕ ውጥንን ሓሳባትን የድልዮ። ከምዚ ክብሃል እንከሎ፡ እቲ ብዓል ገንዘብ ኣብቲ ትካልካ ዋንነት ንኽህሉዎ ስምምዕ ይግበር ማለት እዩ።

    • ብገንዘባዊ ሓገዝ ወይ ህዝባዊ ልቓሕ፡ ንኣብነት ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ወይ ኣልሚ።