ትርፊ ግዜን ማሕበራዊ ናብራን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

እቲ ካብ ስራሕን ትምህርትን ናጻ ዝኾነ ግዜ፡ 'ትርፊ ግዜ (Fritid)' ይብሃል። ብዙሓት ኣብ ሽወደን ዘለዉ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኦም፡ ኣብ ማሕበራት፡ ዓማዊል ወይ ኣባላት ብምዃን ኣብ ፍሉያት ዘገድሱዎም ንጥፈታት ይነጥፉ። ኣብ ከምዚ ዝበሉ ማሕበራት ብምንጣፍ ዝንባሌኣዊ ተመኲሮታት ትለዋወጥን ትማሃሃርን። ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትገብሮ ፍሉይ ተገዳስነት እንተለካ፡ ዕብይ ዝበለ መርበብ ክትፈጥርን ምስ ማሕበረ ሰብ ሽወደን፡ ዝያዳ ርክብ ክትገብርን ዕድል ኣሎካ። ነቶም ኣብዛ ሃገር ሓደስቲ ዝኾንኩም: ትርፊ ግዜ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ እተጥርዩሉን ኣብ ሓጺር እዋን ትምህርቲ ቋንቋ እትማሃሩሉን ሓደ ኣገባብ’ዩ። ብመገዲ ማሕበር ጌርካ ድማ ኣብ ዓበይቲ ማሕበረ ሰብኣዊ ጒዳያት ትሳተፍ።

    ምምስራት ማሕበር

    ማሕበር ክትተክል እንከለኻ፡ ቦርድ ማሕበር ከተቕውም ኣለካ። እቲ ቦርድ፡ ኣብቲ ማሕበር ዘገልግል እማመ ናይ መምርሒታት የቕርብ። እቲ ዝጸድቕ ሕጊ ከኣ፡ 'ሕጊ ህንጻ ማሕበር' ይብሃል። ዝበዝሓ ማሕበራት ኣብ መዛግብ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ማለት ስካተቨርከት ዝተመዝገባ ኮይነን፡ ማሕበራዊ ቁጽሪ (organisationsnummer) 'ውን ይውሃበን'ዩ። ብዘይካ'ዚ፡ ማሕበራት፡ ሕሳብ ባንኪ ወይ ናይ ፕሉስዢሮ ቁጽሪ ኣሎወን።

    ርክብ ምስ ዝተፈላለያ ማሕበራት

    ኣባል ሓንቲ ማሕበር ክትከውን እንተደሊኻ: ከምኡ'ውን ማሕበር ክትተክል ወይ ንማሕበርካ ዝኸውን ገንዘብ ክትሓትት እንተ ደሊኻ፡ ምስ ኮምዩንካ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኮምዩን፡ ንኣብነት 'ክፍሊ ምምሕዳር ትርፊ ግዜ (fritidsförvaltningen)' ዝብሃል ክፍሊ፡ ነታ ማሕበር ክሕግዛ ይኽእል'ዩ።

    ማሕበራት ስደተኛታት

    ማሕበራት ስደተኛታት (Invandrarförening)፡ ነቶም ካብ ሓደ ከባቢ ናይ ዓለምና ዝመጹ፡ ኣብዛ ሃገር'ዚኣ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት፡ ኣብዛ ሓዳስ ሃገር፡ ነንሓድሕዶም ንኽራኸቡ ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፋ ማሕበራት'የን። ማሕበራት ስደተኛታት፡ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ንኽርድኡ ክሕግዛኦም ይኽእላ እየን።

    ማሕበራት ባህሊ፡

    ሓደ ማሕበር ባህሊ፡ ኣባላቱ ኣብ ሓደ ፍሉይ ዓይነት ሳዕስዒት: ትያትርን ሙዚቃን ዝግደሱ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ሓደ ዓይነት ናይ ዓሌትን ባህልን ድሕረ ባይታ ዘሎዎም ሰባት ዘታኣኻኽብ ማሕበር'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ።

    መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት (Ideella organisationer)

    መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት፡ ንማሕበረሰብ ከማዕብላን ክቕይራን ይፍትና።

    መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት፡ ስሕት ኢለን 'ወለንታውያን ውድባት' ወይ 'ዘይመንግስታውያን ውድባት፡ ማለት NGOs' ተባሂለን'ውን ይፍለጣ'የን። ሓያለ ካብ'ዘን ውድባት'ዚኣተን፡ ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ይሰርሓ። ገለ ካብኣተን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር'ውን ይርከባ'የን።

    ካብ'ተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት፡ ውሑዳት ንምጥቃስ፡-

    ማሕበር ቀይሕ መስቀል'፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ዓለም ለኻዊ ውድብ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ፡ 'ማሕበር ቀይሕ ፍርቂ-ወርሒ፡ ማለት ሮዳ ሃልቭሞነን' ተባሂሉ ይፍለጥ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ነቶም ብምኽንያት ውግእ፡ ግጭት ወይ ሓደጋ ዝተበታተኑ ቤተሰባት ኣብ ምርኻብ ይታሓጋገዝ'ዩ።

    ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኮምዩናት፡ ብናቱ ኣገባብ ይሰርሕ። ኣብ ገለ ገለ ኮምዩናት፡ ኣብ ዕዮ ገዛ ናይ ትምህርቲ ይሕግዝ። ንሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ይታሓጋገዞም። ናይ ሽወደን ቀዪሕ መስቀል፡ ኣብ ብዙሕ ኮምዩናት፡ ናብ'ቶም ኣብ ውግእ ዝተጎድኡን ዝተገፍዑን ዝዓለመ ማእከል ኣሎዎ።

    ሕጻናት-ኣድሕን (Rädda barnen)፡ ኣብ ሽወደንን ኣብ ካልኦት ሃገራትን፡ ንመሰል ሕጻናት ዝሰርሕ ዓለም ለኻዊ ውድብ'ዩ።

    ኮ.ኤፍ.ኡ.ኤም (KFUM) ክፋል ዓለምለኻዊ ውድብ YWCA/YMCA እዩ። ንሓደስቲ መጻእቲ መንእሰያት ዝኾኑ ንጥፈታት ድማ ኣሎዎ። መንእሰያት ምስ ሓደ ዝመርሖም ኮይኖም ናብ ሲነማን ትያትርን ክኸዱ፡ ወይ ገለ ዓይነታት ስፖርት ክፍትኑ ይራኸቡ።

    IM, ማለት፡ 'ኣህጉራዊ ውድብ ውልቀ-ሓጋዚ-ደቂ-ሰባት' ኮይኑ ኣብ ሽወደን'ውን ይሰርሕ እዩ። ንሱ ኣብቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝህሉ ናይ ምትሕውዋስን ምስታፍን ተግባራት ይነጥፍ።

    ፖለቲካውያን ማሕበራት

    ብፖለቲካ ትግደስ እንተዄንካ፡ ኣባል ሓንቲ ፖለቲካዊት ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊት ውድብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ'ተን ዝበዝሓ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፡ ነባጽሕን ንመንእሰያትን ዝሰርሓ ጒጅለታት ኣለዋ።

    ካልኦት ማሕበራት

    ኣገደስቲ ክኾና ዝኽእላ፡ ካልኦት ብዙሓት ማሕበራት ኣሎዋ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ኣከባብን እንስሳታትን፡ ማሕበራት ሓልዮት ኣከባቢ (miljöföreningar) ወይ ከኣ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ዝኣመሰላ ኣሎዋ። ናይ ጡረተኛታት (pensionärsföreningar) ማሕበራት ኮይነን፡ ምስ ተገዳስነትን ዝንባለን ኣረጋውያን ዝሰርሓ ማሕበራት'ውን ኣሎዋ።

    ህዝባውያን ምንቅስቓሳት (Folkrörelserna) - ልሙዳት ተግባራት ኣብ ሽወደን፡

    ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝብሃል፡ ብዕብይ ዝበለ ጉጅለ ሰባት ዝቖመ፡ ንሓደ ዕላማ: ንኣብነት ጸረ መስተ ወይ ሓልዮት ኣከባቢ ክሰርሕ ከሎ'ዩ። ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ሽወደን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ክነጥፉ ዝጸንሑ'ዮም። ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ዝበዝሕ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገር ዝርከብ ውድብ'ዩ። ህዝባውያን ምንቅስቓሳት፡ ኣብ 19 ክፍለ ዘመንን ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመንን ኣዝዮም ኣገደስቲ ነይሮም። ሽዑ፡ ብዙሓት ህዝባውያን ምንቅስቓሳት፡ ንሰብኣውያን መሰላትን ንዝያዳ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብን ይቃለሱ ነይሮም።

    ምንቅስቓስ ጸረ-መስተ (nykterhetsrörelsen): ምንቅስቓስ ናጻ ኣብያተ ክርስትያንን (frikyrkorörelsen) ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታትን፡ (arbetarrörelsen) እቶም ዝዓበዩ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት'ዮም ነይሮም። ምንቅስቓስ ጸረ-መስተ፡ እቲ ፈለማ ዝተተኽለ ምንቅስቓስ'ዩ ነይሩ። እዚ ምንቅስቓስ'ዚ፡ ሰብ ዝሰትዮ መስተ ክንኪ ይጽዕር ነይሩ። ምንቅስቓስ ናጻ ኣብያተ ክርስትያን፡ ክርስትያናዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ'ዩ። ቀዲሙ፡ ኩሉ ሰብ ናይ ምምራጽ መሰል ክህሉዎ ዝተቓለሰ ምንቅስቓስ'ዩ። ብዙሓት ህዝባውያን ምንቅስቓሳት፡ ኩሉ ሰብ ክማሃርን ዕድል ትምህርቲ ክረክብን ጽዒረን። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ብዙሓት ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ፖለቲካዊ ሕቶታት ይነጥፋ። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ከም መንግስታውያን ትካላት ኮይነን ዝሰርሓ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት'ውን ኣሎዋ። ንኣብነት ውሕስነት ሸቕለት-ኣልቦነት፡ ማለት ኣ-ካሳ (a-kassan)። ብሓደ ሓቢርካ ንለውጢ ናይ ምስራሕ ልምዲ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ገና ህያው ኣሎ። ሎሚ'ውን፡ ብዙሓት ማሕበራት፡ በዚ ኣገባብ'ዚ እየን ዝሰርሓ ዘለዋ።

    ህዝባዊ ትምህርቲ (Folkbildning)

    ህዝባዊ ትምህርቲ ማለት፡ ኣባጽሕ፡ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዝቐስሙሉ መደብ እዩ። ኩሉ'ቲ ኣብ ፈደረሽን ትምህርትን: ኣብ ህዝባውያን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ዝውሃብ ትምህርቲ፡ 'ህዝባዊ ትምህርቲ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ህዝባዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ሽወደን ካብ ዝዓቢ፡ ልዕሊ100 ዓመታት ኣቢሉ ገይሩ፡ ክሳዕ ሕጂ'ውን ሓያል ምንቅስቓስ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ዜጋታት ሽወደን፡ ብህዝባዊ ትምህርቲ ተሓጊዞም: ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ሕብረትሰብ ንጡፋትን ተሳተፍትን ክኾኑ ዘኽእሎም ፍልጠት ይቐስሙ።

    ፈደረሽን ትምህርቲ (Studieförbund)

    ፈደረሽን ትምህርቲ፡ ነባጽሕ ትምህርቲ ዘዳሉ ውድብ'ዩ። ክበብ መጽናዕቲ (studiecirkel) ባህላዊ ፕሮግራምን (kulturprogram) ካልእ ትምህርትን ነባጽሕ ዘዳልዋ ሓያለ ፈደረሽናት ትምህርቲ ኣሎዋ። ክበብ መጽናዕቲ፡ ማለት ከም ስነ ጥበብ: ሙዚቃ: ቋንቋን ባህልን ብሓደ ኮይኖም ዘጽንዑ ጒጅለ ሰባት ማለት'ዩ። ኣበኤፍ (ABF): መድቦርያርስኩላን (Medborgarskolan): ፎልክኡኒቨርሺተት (Folkuniversitetet)፡ ማሕበር መጽናዕቲ ኣባጽሕ(Studieförbundet Vuxenskolan) ዝኣመሰላ፡ ገለ ካብ ፈደረሽናት ትምህርቲ እየን። እዘን ፈደረሽናት ትምህርቲ'ዚኣተን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ኣስታት 300 000 ዝኾና ክበባት መጽናዕቲ የዳልዋ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተሳተፍቲ ድማ ኣሎዉወን።

    ሓበሬታ ስደተኛታትን (Flyktingguide) ካልእ ተመሳሳሊ ኣገልግሎትን፡

    ብዙሓት ኮምዩናትን ወለንታውያን ውድባትን፡ ሓደስቲ ንዝመጹ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን፡ ምስ ሽወደናውያን ናይ ርክባት መስመር ከጥርዩ ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፋ። ዕላማ ናይዚ ኸኣ: ሽወደናውያንን ስደተኛታትን ኣብ ትርፊ ግዜኦም ተራኺቦም ክላለዩን ሕድሕድ ተመኲሮ ክለዋወጡን ዝዓለመ'ዩ። እዚ መደብ'ዚ፡ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ብምስራዕ፡ ንኣብነት፡ ቦውሊን፡ ስፖርታዊ ኣጋጣሚታት፡ ቤተመዘክርን ካልእ ኣገደስቲ ቦታታት ብምብጻሕን ክፍጸም ይኽእል። ኣብ እትነብሩሉ ከባቢ፡ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ወይ መደባት ክህሉ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ ንምምሕዳር ኮምዩንኩም ተወከሱ።

    ትርፊ ግዜ ንቖልዑን መንእሰያትን፡

    መዘናግዒ ማእከላት (Fritidsgårdar)፡

    ኣብ ኮምዩናት፡ ነቶም ካብ 12-16 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ዘገልግላ መዘናግዒ ማእከላት ኣሎዋ። ዕብይ ንዝበሉ መንእሰያት ተባሂሎም ዝተዳለዉ መዘናግዒ ማእከላት'ውን ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ'ዞም መዘናግዒ ማእከላት'ዚኣቶም፡ እቶም መንእሰያት፡ ፊልም ክርእዩን ምስ ኣዕሩኽቶም/መሓዙቶም ክራኸቡን ይኽእሉ። ኣብ ገለ ገለ እዋናት፡ እዘን ማእከላት'ዚኣተን፡ ነቶም መንእሰያት፡ ትምህርቲ ሳዕስዒት፡ ተዋስኦን ፎቶግራፍን የዳልዋ። ኣብ እትነብሩሉ ከባቢ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ወይ መደባት ክህሉ ከም ዝኽእል ንምፍላጥ፡ ንኮምዩንኩም ተወከሱ። ወይ ከኣ፡ ኣብ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም ኣንብቡ።

    ንመንእሰያት ዝግበሩ ጻዕርታት

    ብዘይካ መዘናግዒ ማእከላት፡ ብዙሓት ኮምዩናት፡ ንመንእሰያት ንምሕጋዝ ፍሉይ ተበግሶታት ይወስዳ እየን። ንኣብነት ማእከል መንእሰያት ወይ ካልእ መእሰያት ዝራኸቡሉ መኣዲታት እናረኣኻ፡ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ወይ ጒጅለታት ምድላው ከጠቓልል ይኽእል። ኣብ እትነብሩሉ ከባቢ፡ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ወይ መደባት ክህሉ ከም ዝኽእል ንኮምዩንኩም ክትውከሱ ወይ ኣብ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም ከተንብቡ ትኽእሉ።

    ማሕበራት ስፖርት

    ማሕበራት ስፖርት (Idrottsföreningar)፡ ንብዙሓት ኣብ ሽወደን ዘለዉ ቆልዑን መንእሰያትን ኣገደስቲ ማእከላት እየን። ኣብ'ዘን ማእከላት'ዚኣተን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክትሳተፉ ትኽእሉ። ንኣብነት ከም ኲዕሶ እግሪ፡ ምግላብ ፈረስን ምሕምባስን የጠቓልል። መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: ስፖርታዊ ንጥፈት ዘዘውትሩ መንእሰያት ካብ'ቶም ዘየዘውትሩ ዝበለጸ ኩነተ ጥዕና ኣሎዎም።