ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ብሕታውን ህዝባውን ጨንፈራት ወይ ክፋላት ይኽፈል።

ሕጽረት ሞያ - ኣብዚ ስራሕ ኣሎ።

እቶም ንመጻኢ እናተሳእኑ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም ዝብሃሉ ሞያታት፡ "ሕጽረት ሞያ" ይብሃሉ።

ብዙሕ ትምህርቲ ወይ ስለጠና ናይ ካልኣይ ደረጃ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ድማ፡ ስራሕ ንምርካብ ዓቢ ተኽእሎ ይህበካ። ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ትምሃሮ።

ኣብ ሃገረ ሽወደን ስራሕ ንምርካብ፡ ትምህርቲ ወሳኒ ተራ ይጻወት። ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ትምህርቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰፊሕ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላት ይኸፍተልኩም። መብዛሕትኦም ኣስራሕቲ፡ እቶም ምስኣቶም ስራሕ ክረኽቡ ዘመልክቱ ሰባት ብዉሑዱ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘጠናቐቑ ክኾኑ ይጠልቡ። እዚ ማለት ከኣ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ማለት ጂምናስየት ዲፕሎም ክህልወኩም ኣለዎ። ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ክትቅጽሉ ምስ እትደልዩ'ውን እዚ ናይ ጂምናስየት ዲፕሎም ክህልወኩም ኣለዎ።

ኣብዚ ታሕቲ፡ ብቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ ዝቐረበ፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ዝጥለቡ ሞያታት ተዘርዚሩ ኣሎ። (ማዕከን ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ Arbetsförmedlingen)።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ብዙሕ ሰብ ዘይመረጾም ሞያዊ ስልጠናታት፡ ኣብ ዓመተ 2017 (ብቐሊሉ ስራሕ ክትረኽበሎም እትኽእል) 

  • ናይ ዕደናን ስነ-ሜታልን፡ መሃንዲስን ተክኒሻንን፡
  • ሓኪም(ዶክተር)
  • ሶፍትወይር - ናይ ኢንተርነት ኣማዕባሊ
  • ማሕበራዊ ሰክረታሪ
  • ገምጋሚ ገንዘባዊ ደገፍ
  • ኣለይቲ ሕሙማን ኣብ መዳይ ስነ ኣእምሮኣዊ ፍወሳ፡ ህጹጽ ክንክን ሕሙማን፡ ክንክን ኣረጋውያን፡ ህጻናትን ኤክስረይን፡ ከምኡ'ውን ናይ መጥባሕቲ ኣለይቲ ሕሙማንን ከባብያዊ ኣለይቲ ሕሙማንን።
  • ፍሉይ መምህር
  • ሲቪል ኢንጂነር፡ ህንጻን ትሕተ ቕርጽን፡ ኤለክትሮኒክን ተሌ ተክኒክን
  • ናይ ህንጻ መሃንዲስን ተክኒሻንን
  • ናይ ኢንተርነት ኣርኪተክት
  • VVS-መሃንዲስ
  • መምህር ህጻናት
  • ኣብ መባእታ ትምህርቲ፡ ናይ መወዳእታ ዓመታት(ክፍሊ) መምህር

ኣብ ካልእ ደረጃታት ትምህርቲ ዝወሃቡ፣ ሰብ ክመሃሮም ዘይመርጾም ሞያታት፣ (ብቐሊሉ ስራሕ ክትረኽቡሎም እትኽእሉ ሞያታት) ኣብ ዓመተ 2017

  • ከሸንቲ
  • ነዳቓይ
  • ተሓጋጋዚ ነርስ
  • ጸጋኒ ናሕሲ
  • ካብ ስታኛ (ታኒካ) ዝተሰርሑ ነገራት ዘለሓሕም
  • መካኒክ ናይ ገዛን ናይ ጽዕነትን መካይንን
  • ኣውቲስታ ናይ ጽዕነት መኪና
  • ዓብዓቢ ማለት ዓሻጊ ነገራት፡ ለጣፋይ/ Isoleringsmontörer
  • ማቶነላ ኣንጻፋይ
  • ናይ ምግጥጣም ቴክኒሻን
  • ኢድራውሊኮ
  • ሰራሕተኛታት ናሕሲ
  • ሰራሕ ኮንክሪት
  • ጽርበት ዕንጸይቲ/ካርፔንተር
  • ለማጻይ
  • ሰራሕ መሳርሒታት
  • ሰራሕተኛ ህንጻ
  • ሰራሕተኛ ህንጻ፡ ምድር ቤትን መንደቕን
  • ናይ ስርዓትን ምቊጽጻርን ተክኒሻን
  • ሰክረታሪ ሕክምና

ኣብ መጻኢ ግዜ፡ ስራሕ ኣበይ ዝርከብ?

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ኣብ ዘውጽኦ ንሞያታት ዝምልከት ናይ ሓምሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመታት ትንቢት፡ ኣብ ብዙሕ ሞያታት ሕጽረት ሓይሊ ሰብ ከጋጥም ምዃኑ ይሕብር። እዚ ከጋጥም ዝብሃል ዘሎ ሕጽረታት፡ በቶም ናብ ሽወደን ዝመጽኡ ዘለዉ ሰባት ብኸፊል ክትካእ ይኽእል። ኣብ ዝመጽእ 5 ክሳብ 10 ዓመታት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሕጽረታት ሓይሊ ሰብ ዘጋጥመሎም ሞያታት፡ ቀጺሎም ተዘርዚሮም ኣለዉ። 

ኣብ ዝመጽእ 5 ክሳብ 10 ዓመታት፡ ዝዓበየ ሕጽረት ሓይሊ ሰብ ዘጋጥመሎም ሞያታት፡

  • ሞያታት ሓበሬታዊ ተክኖሎጂ (ኣይቲ)
  • ናይ ህጻናት መምህርን ናይ ትርፊ ግዜ ፍሉይ መምህርን
  • መምህር መባእታ ቤት ትምህርቲ
  • መምህር ካልኣይ ደረጃ
  • ሓኪም(ዶክተር)
  • ነርሳት
  • ፍሉይ መምህር
  • ሓኪም ስኒ
  • ናይ ስኒ ነርሳት
  • ተሓጋገዝቲ ነርሳት
  • ሞያታት ምህንድስና
  • ናይ ገዛን ናይ ጽዕነትን መካይን መካኒክ
  • ኦፐሬተራት ማሺነሪ
  • ዘወርቲ ኣውቶቡሳት
  • ዘወርቲ ባቡር
  • ተቖጻጻሪ ናይ ብኮምፕዩተር ተደጊፈን ዝሰርሓ ማሺናት
  • ኮኮ (ከሻኒ)
  • ብርክት ዝበሉ ሞያታት ኣብ መዳይ ህንጻ

ምንጪ፣ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ

ማዕርነት ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ

ማዕርነት ክብሃል እንከሎ፡ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ኣገደስቲ መዳያት ህይወት፡ ማዕረ መሰላት፡ ግቡኣትን ዕድላትን ኣሎዎም ማለት እዩ። ጥርዚ ምዕሩይነት ንምብጻሕ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ንጹር ሽቶታት ኣቐሚጡ ይርከብ። (ነዚ ብዝምልከት ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ብዝርዝር ኣንብቡ)። ዓቕምታትን መሃዝነትን ናይ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብግቡእ ምጥቃም፡ ፍትሓውን ዕብየቱ ዘረጋገጸን ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣርን ወሳኒ እዩ።

ሽወደን፡ ብብዙሕ መዳያት ማዕርነት ዘሎዋ ሃገር እያ። ዳርጋ 80% ኣብ መንጎ20ን 64ን ዓመት ዝዕድሚአን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ካብ ገዝአን ወጻኢ ይሰርሓ። እዚ ኸኣ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ዓቢ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ከም ዝሽፍን ዘረድእ'ዩ። ግን ከኣ፡ ኣብ ስራሕ፡ ጉድለት ማዕርንት ይርአ እዩ። ደቀንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ እናሰርሓ እንከለዋ ትሕት ዝበለ ደሞዝ ይኽፈላ። ኣብ መሪሕነት ኩባንያታት፡ ብዝሒ ደቀንስትዮ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ናይ ስድራን ስራሕን ዝርአ ናይ ስራሕ ምክፍፋል'ውን ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ፍልልይ ኣሎ። ደቀንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ደገ እናሰርሓ እንከለዋ፡ ናይ ስድራቤት ዕዮ ድማ ይውሰኸን። ብዙሓት ደቀንስትዮ፡ ምስ ወለዳ፡ ንደቀን ክኣልያ ንብዙሕ ግዜ እየን ካብ ስራሕ ዝእለያ።

መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት፡ ማዕርነት ንምምሕያሽ ካብ ምጽዓር ደው ኣይበለን። እቲ ክብጻሕ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ኸኣ፡ ንኣብነት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣብ ጾታ ዘይኮነስ ኣብ ብቕዓት፡ ክእለትን ድልየትን ተመርኲሶም ሞያ ክመርጹ ኣለዎም። ኮይኑ ግን፡ ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ሞያዊ ፍልልያት ኣሎ። ንኣብነት ጽላት ምክንኻንን ምእላይን ብደቀንስትዮ ዝተዓብለለ ክኸውን እንከሎ፡ ጽላት ህንጻን ቴክኒክን ከኣ ብደቂ ተባዕትዮ ይዕብለል። ኣካየድቲ ስራሕ፡ ሓለቓታት፡ ከምኡ'ውን ናይ ውልቂ ትካል ዝጅምሩ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ማሕበራዊ ኮዳት ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ

ናይ ሽወደን ሕላገት ኮይኑ ዝረአ ሓድሓደ ማሕበራዊ ኮድ ናይ ዕዳጋ-ዕዮ ኣሎ።

ኣብ ቦታ ስራሕ፡ ልሙድ ዝኾነ ኣወዳድባ፡ ልሙጽ እምበር ጽፍሓዊ ኣይኮነን። እዚ ማለት ካኣ፡ መብዛሕትኦም ንስራሕ ዝምልከቱ ነገራት፡ ብሓለቓታትን ሰራሕተኛታትን ብሓባር እዩ ዝወሰን። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ውሳነ ኣብ ምውሳድ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፡ ንሰራሕተኛታት ግን ተሳታፍነትን ሓላፍነት ናይ ምውሳድ መንፈስን የስፍነሎም'ዩ።

ናይቲ ስራሕ ሃዋሁው፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምቕሉልነት ዝሰፈኖ እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ኣጸዋውዓ ሰብን ኣከዳድናን። ናብ ስራሕ፡ ኣብ ናይ ደገ ናይ ማዓልታዊ ህይወትና እንጥቀመሎም ክዳውንቲ ለቢስና ምምጻእ ልሙድ እዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ቦታ፡ ግዜ፡ ወሳኒ እዩ። ኣብ ሰዓትካ ክትርከብ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መዓልቲ ስራሕ፡ እታ ኣገዳሲት ክፋል ናይ መብዛሕትኡ ቦታታት ስራሕ፡ እታ ሰራሕተኛታት ሓቢሮም ሻሂ ቡን እናበሉ ዘዕልሉላ ግዜ እያ።

ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን

ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ወሃብቲ ስራሕን ተቐበልቲ ስራሕን።

ተቐበልቲ ስራሕ፡ ከም ሰራሕተኛታት ይፍለጡ። ናይ ወሃብቲ ስራሕን ተቐበልቲ ስራሕን ማሕበራት/ውድባት ኣሎዋ። ኣብዘን ማሕበራት እዚኣተን፡ ወሃብ ስራሕ ይኹን ተቐባል ስራሕ፡ ንሓድሕዶም ብምትሕብባር ብዛዕባ'ቲ ንድሌታቶምን ንጥቕሞምን ዘቐድም ነገራት ይሰርሑን ይነጥፉን። ኩላቶም ኣባላት ናይዚ ማሕበር ወይ ውድብ'ዚ ክነጥፉን ኣበርክቶ ክገብሩን ይግባእ።

ናይ ወሃብቲ ስራሕ ውድባት፡ ናይ ባዕላተን ድሌታትን ጥቕምታትን'የን ዘቐድማ።

እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ ውድባት፡ እዘን ዝስዕባ እየን፡

ሽወደናዊ ኮንፈደረሽን ዋኒን (Svenskt näringsliv) ንብሕታውያን ትካላት።
በዓል መዚ ኣስራሕቲ (arbetsgivarverket) ከምኡ'ውን ምትእኽኻብ ኮምዩናትን ዞባታትን ሽወደን (SKL) ንህዝባዊ መካነ-ስራሕ

ውድብ ማሕበረ-ሞያ፡ ንጥቕምታት ሰራሕተኛታት የቐደም።

እተን ዓበይቲ ውድባት "ማሕበረ-ሞያ" እዘን ዝስዕባ እየን

  • LO (ናይ ሽወደን ሃገራዊ ማሕበር)
  • TCO (ፈደረሸን ኣገልገልቲ ህዝቢ)
  • SACO (ናይ ሽወደን፡ ኣካዳምያዊ ኮንፈደረሽን)

እተን ሃገራውያን ማሕበራት፡ ንዝተፈላለየ ሞያን ክፍልን ዝውክላ ነኣሽቱ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ኣሎወን።

ኣብ ሽወደን፡ ካብ 1880ታት ጀሚሩ እዩ ውድባት "ማሕበረ-ሞያ" ቆይሙ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካኣ፡ ኣባላት ኮይኖም። ኣባል ምዃን ወለንታዊ ኮይኑ፡ ክትከውን ምስ እትደሊ ግን፡ ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ኣሎ። ኣብ ውድባት "ማሕበረ-ሞያ"ን ኣብ "ውሕስነት ንሽቕለት-ኣልቦነት" ወይ "ኣ-ካሳ"፡ ብሓደ ግዜ ኣባል ምዃን ይክኣል እዩ። ኣ-ካሳ፡ ቊጠባዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ኣባላቱ፡ ስራሕ ኣልቦ ምስ ዝኾኑ፡ ገንዘብ ይህቦም። ዝተፈላለያ ኣ-ካሳታት ኣለዋ። ዝበዝሕ ግዜ ድማ፡ ምስታ ኣባል ዝኾንካያ ውድብ ማሕበረ-ሞያ ዝተኣሳሰረት እያ።

ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበራትን፡ ውድባት ወሃብቲ ስራሕን፡ ቀጻሊ እናተራኸቡ ንዕዳጋ-ዕዮ ዘማእክል ሕግታት ኣመልኪቶም ኣብ ሓባራዊ ስምምዓት ይበጽሑ። እዚ ስምምዓት'ዚ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ደሞዝ፡ መሰላትን ኣብ ቦታ ስራሕ ክትግበሩ ዘለዎም ግቡኣትን ዝምልከት ክኸውን ይኽእል። እዚ ናይ ስምምዕ መሰል'ዚ፡ ኣብ ሓቢርካ ናይ ምውሳን መሰል ዝድህስስ ሕጊ (MBL) ሰፊሩ ይርከብ።

ሕጊ ዕዮ (Arbetsrätt)

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ንስራሕ ዝምልከት ብዙሕ ሕግታት ኣሎ። እቶም ኣብ መንጎ ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ዝጸንዑ፡ ሕግታትን ኩነታት ውዕልን፡ 'ሕጊ-ዕዮ' ተባሂሎም ይፍለጡ።

ሕጊ መሰል ተሳትፎ፡ ኣብ ሞያዊ ናብራ (lagen om medbestämmanderätt i arbetslivet, MBL)

ሕጊ መሰል ተሳትፎ ኣብ ሞያዊ ናብራ፡ ኣገዳሲ ክፋል ሕጊ-ዕዮ እዩ። ኣብዚ ሕጊ'ዚ፡ ንመሰል "ማሕበረ-ሞያዊ ውደባ ሰራሕተኛታት ኣብ ኣብያተ ዕዮ" ዝምልከቱ መምርሒታት ኣሎዉ። እዚ ሕጊ'ዚ "ወሃብቲ ስራሕ፡ ንኣብያተ ዕዮ ዝምልከቱ ኣገደስቲ ነገራት ንሰራሕተኛታቶም ግድን ክሕብሩ ኣለዎም" ይብል። ወሃብቲ ስራሕ፡ ኣብ ኣብያተ ዕዮኦም ለውጥታት ቅድሚ ምውሳኖም'ውን ምስ ውድባት ማሕበረ-ሞያ ክዛተዩ ኣለዎም።

ሕጊ ውሕስነት-ስራሕ (lagen om anställningsskydd, LAS)

ሕጊ ውሕስነት-ስራሕ (Lagen om anställningsskydd, LAS) ኣብ እዋን ስንብታ (uppsägning) ንሰራሕተኛታት ውሕስነት ይህብ።

እቲ ሕጊ፡ ብቐዳምነት፡ ነቶም ብቐዋሚ መንገዲ ዝተቖጽሩ ይምልከት። ኣብዚ ሕጊ'ዚ፡ "ሓደ ሰራሕተኛ ብዘይ ገለ ብቑዕ ምኽንያት ካብ ስራሕ ክሰናበት ኣይክእልን'ዩ" ዝብል ኣሎ። ብቑዕ ምኽንያት ክብሃል እንከሎ፡ ኣብቲ ቤት ዕዮ ሕጽረት ስራሕ ምስ ዝህሉ፡ ወይ ካኣ፡ ሓደ ሰራሕተኛ፡ ስርሑ ብዝግባእ ምስ ዘይዓምም ክኸውን ይኽእል።

ሕጊ ውሕስነት ስራሕ: ሕጽረት ስራሕ ምስ ዝህሉ: ፈለማ ኣየኖት ሰራሕተኛታት ከም ዝሰናበቱ'ውን ይውስን'ዩ። እዚ ኸኣ ናይ 'ቅደም ተኸተል ስርዓት' ይብሃል። እቲ ቀንዲ ትሕዝቱኡ፡ ነቶም ንሓጺር ግዜ ዝተቖጽሩ ሰራሕተኛታት፡ ቅድሚ'ቶም ንነዊሕ ግዜ ዝተቖጽሩ ሰራሕተኛታት ንምስንባት እዩ።

ሓባራዊ ውዕል (Kollektivavtal)

ሓባራዊ ውዕል (kollektivavtal) ዝብሃል ኣብ መንጎ ወሃብቲ ስራሕን ማሕበራት-ሞያን ዝእቶ ጽሑፋዊ ውዕል'ዩ። ኣብ ሓደ ሓባራዊ ውዕል፡ ንሳዓታት ስራሕ፡ ንዓመታዊ ዕረፍትን ንደሞዝ ሰራሕተኛታትን ዝምልከቱ መምርሒታት ኣሎዉ። ዝበዝሕ እዋን፡ መጠን ደሞዝካ ዝውስኖ፡ ሓባራዊ ውዕል ወይ ስምምዕ'ዩ።

ሓባራዊ-ውዕል፡ ነዞም ዝስዕቡ መምርሒታት ይጥርንፍ፡

  • ዓይነት ስራሕ
  • ትርፊ ሰዓት
  • ደሞዝን ካሕሳን
  • ሰዓታት ስራሕ
  • ዕረፍቲ
  • ስንብታ
  • ጡረታን ናይ ሓደጋ መድሕንን

እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክንደይ ክኸውን ከም ዘሎዎ፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕል ይውሰን። እቲ ውዕል፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕል ዘሎዎ ትካል ዝሰርሑ፡ ግን ካኣ ኣባላት ማሕበረ ሞያ ዘይኮኑ'ውን ይምልከት'ዩ። ኣብ ሽወደን፡ እቶም ዝተሓቱ ደሞዛት ክንደይ ክኾኑ ከም ዘሎዎም ውዕል እምበር ሕጊ የለን።

ወሃብ-ስራሕካ፡ ዋላ ናይ ስራሕ ውዕል ይሃሉዎ፡ ብዛዕባ ደሞዝካ ዝምልከት ምስኡ ክትመያየጥን ክትካታዕን ተኽእሎ ኣሎ። ደሞዝካ ኣብቲ ዓይነት ብርተዐ ስራሕን ኣብቲ እተርእዮ ብልሓትን ዝተመስረተ እዩ። ዝበዝሑ ዓበይቲ ውድባትን ዋኒናትን፡ ምስ ማሕበር-ሞያ እዮም ናይ ስራሕ ውዕል ዝገብሩ። ሓባራዊ ውዕል ዘይገብሩ ወሃብቲ ስራሕ'ውን ኣለዉ።

ኣብ ቦታ ስራሕ ዘጋጥሙ ግርጭታት

ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኽሰት ግርጭት ወይ ባእሲ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክፍታሕ ኣለዎ። እቲ ሓላፊ ስራሕ'ዩ ግርጭት ክፍታሕ ሓላፍነት ዝስከም። ኣብ ግርጭት እንተ ኣቲኻ፡ ምስ ሓላፊኻ ተዛረብ። ምስ ሓላፊኻ ግርጭት እንተለካ፡ እሞ ድማ ኣብ ሓደ ማሕበረ-ሞያ ኣባል እንተ ዄንካ: እቲ ዘለኻዮ ማሕበረ-ሞያ ደገፉ ክህበካ ይኽእል'ዩ። ወሃቢ ስራሕን ተቐባል ስራሕን ብሓደ ጒዳይ ተባኢሶም፡ ነቲ ጒዳዮም መዕለቢ ምስ ዝስእኑሉ፡ ነቲ ናይ ስራሕ ቤት ፍርዲ ክውከሱዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ስራሕ ቤት ፍርዲ 'AD' ድማ፡ ነቲ ጒዳይ ኣጽኒዑ ውሳነ ይህብ።