ትምህርቲ ንኣባጽሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ በጽሒ ኴንካ ክትምሃር ልሙድ እዩ። መብዛሕትኦም ድማ፡ ዝነበሮም ሞያ ንኸማዕብሉ ወይ ድማ ካልእ ሞያ ንኽሕዙ እዮም ዝምሃሩ። ገሊኦም ግን ሓድሽ ነገር ንምፍላጥ ኢሎም ይምሃሩ። ምሉእ ህይወትካ ምምሃር እወንታዊ ገጽታ ኣሎዎ። 'ናይ ምሉእ ዕድመ ምህሮ' ድማ ይብሃል።

    ማእከል ኣማኸርቲ ትምህርቲ (Vägledningscentrum)

    ዕድመኻ ትሕቲ 20 ዓመት እንተ ኾይኑ፡ ንትምህርቲ ዝምልከት ምኽሪ፡ ካብ ማእከል ኣማኸርቲ ትምህርቲ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ'ዞም ዝስዕቡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡

    • ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ስራሕ ክትመርጽ ከም እትደሊ ኣብ ምዝታይ፡
    • ንትምህርትን ስራሕን ዝምልከት ሓበሬታ ባዕልኻ ኣብ ምንዳይ፡
    • ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ትምህርቲ፡

    ሽወደንኛ ንስደተኛታት(SFI)

    ኤስኤፍኢ (Sfi)፡ ሽወደንኛ ቋንቋ ኣዲኦም ንዘይኮኑ ኣባጽሕ ዝውሃብ መባእታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን እዩ። ኤስኤፍኢ፡ ምሉእ ግዜ(ምሉእ መዓልቲ) ወይ ፍርቂ ግዜ(ፍርቂ መዓልቲ) ክትማሃሮ ትኽእል። እዚ ትምህርቲ'ዚ፡ ብናጻ እዩ ዝውሃብ።

    ኣብ ውሽጢ ኤስኤፍኢ(Sfi)፡ ኣብ ዝሓለፈ ትምህርትኻ ዝተመርኮሱ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ኣሎዉ። ንኣብነት ንሞያ ዘዳሉ ኤስኤፍኢ፡ ከምኡ'ውን ናብ'ቶም ኣካዳምያዊ ወይ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘሎዎም ዝዓለመ ኤስኤፍኢ ኣሎ።

    16 ዓመት ምስ መላእካ፡ ኣብ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታትክትሳተፍ መሰል ኣሎካ። ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኦም ዘበሉ፡ ናይ ቋንቋ ሽወደን ትምህርቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክምሃርዎ ብዝያዳ ልሙድ እዩ። መጀመርታኻ ናብ ኤስኤፍኢ ንኽትምዝገብ ክትከይድ እንከለኻ፡ ወረቐት መንነትካ፡ መምርሒ ፍቓድካ ወይ ፓስፖርትኻ፡ ምሳኻ ተማላኣዮ።

    ኮምዩናዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕ – (Komvux)

    ኮምቩክስ (Komvux)፡ ኣባጽሕ ዝማሃሩሉ፡ ብትሕዝቶ ትምህርቲ፡ ልክዕ ምስ መባእታ ደረጃ ዝመሳስል ቤት ትምህርቲ እዩ። መባእታዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕ(Grundläggande vuxenutbildning) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። ምስ ደረጃ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሽወደን ዝዳረግ ትምህርቲ ዘየጠናቐቕኩም ምስ እትኾኑ ኣብ መባእታ ትምህርቲ ኣባጽሕ (Grundläggande vuxenutbildning) ክትማሃሩ መሰል ኣሎኩም።

    ኣብ ኮምቩክስ፡ ከምቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን ዝውሃብ ዓይነታት ትምህርቲ ክትማሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኻኣ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ንኣባጽሕ (Gymnasial vuxenutbildning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምስ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሽወደን ዝመጣጠን ትምህርቲ እንተዘይብልኩም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ (Gymnasial vuxenutbildning) ክትማሃሩ መሰል ኣሎኩም።

    ኣብ ኮምቩክስ፡ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እትምሃሮም ኮርሳት'ውን ኣሎዉ። ንኣብነት፡ ትምህርቲ ድሕረ-ምረቓ (Påbyggnadsutbildning) ዝብሃል ኣሎ። እዚ ናብ ኣባጽሕ ዝዓለመ ሞያዊ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ኮምቩክስ፣ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ ተማሃርካ፡ ናብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ኮምቩክስ ዝውሃብ ትምህርቲ፡ ካብ'ቶም ኣብ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ዝውሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ ይቕልጥፍ። ትምህርትኻ በየናይ ኣገባብ ከም ትውጥን ባዕልኻ ክትውስን ኣለካ። ማዓልታዊ ወይ ምሸታዊ ትምህርቲ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኮምቩክስ ብናጻ ኢኻ ትማሃር። ንመጻሕፍትን ንኻልእ መሳርሒ ትምህርትን ዘድሊ ወጻኢታት ግን፡ ባዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ። ዕድመኻ ልዕሊ 20 ዓመት እንተ ኾይኑ፡ እሞ ድማ እንተ ወሓደ 50% ትማሃር እንተ ዄንካ፡ ካብ ሃገራዊ ቦርድ፡ ደገፍ ንትምህርቲ (Centrala studiestödsnämnden, CSN)፡ ትምህርታዊ ደገፍን ትምህርታዊ ልቓሕን (studiebidrag och studielån) ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።ናብ'ቶም ናይ ምግንዛብ ወይ'ውን ስነ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘሎዎም ተማሃሮ ዝቐንዐ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣሎ። ከምዚ ዝዓይነቱ ቤት ትምህርቲ፡ "ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ" ወይ (särvux) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

    ናብ'ቶም ናይ ምግንዛብ ወይ'ውን ስነ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘሎዎም ተማሃሮ ዝቐንዐ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣሎ። ከምዚ ዝዓይነቱ ቤት ትምህርቲ፡ "ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ" ወይ (särvux) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

    ህዝባውያን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ(Folkhögskolor)

    ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ (Folkhögskola)፡ ኣባጽሕ ተማሃሮ ዝማሃሩሉ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ መባእታን ካልኣይን ደረጃታት ትምህርቲ ዝውሃቡ ኮርሳት ወይ'ውን ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምጥንቓቕኩም ዝውሰዱ ሞያዊ ስልጠናታት ክትማሃሩ ትኽእሉ። ኣብ ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ወይ ኮርሳት ክትማሃሩ ትኽእሉ።

    ሓፈሻዊ ኮርስ(Allmänna kurser)፡ ኣብ ክንዲ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ስሕት ኢሉ ድማ ኣብ ክንዲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ትወስዶ። ዝተማሃርካዮ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከከም ኩነታቱ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ትምሃር። ኣብዚ፡ ካብ ትምህርቲ ኣባጽሕ (komvux) ህድእ ብዝበለ ኣገባብ ኢኻ ትማሃር።

    ፍሉያት ኮርሳት(Särskilda kurser)፡ ፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓዙ ኮርሳት እዮም። ንኣብነት ሓደ ፍሉይ ሞያ ጥበብ(ኣርት) ወይ ሙዚቃ ክትምሃር ትኽእል። ከም ናይ ትርፊ ግዜ መራሒ (fritidsledare) ወይ ናይ ኣተኣላልያ ተሓጋጋዚ (behandlingsassistent) ዝኣመሰሉ ዓይነታት ኮርሳት'ውን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

    ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፡ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኮርሳት ኤስኤፍኢ ክህልወን ይኽእል'ዩ።

    ነፍሲ ወከፍ ህዝባዊት ቤት ትምህርቲ፡ ንመን ከም ትቕበል ባዕላ'ያ ትውስን። ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ ነናተን ትምህርታዊ ኣገባብ ነጥቢ ኣሎወን። እቲ ኣብ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ እትቐስሞ ትምህርቲ፡ ናብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ 'መባእታዊ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብቕዓት ክትረክብ የኽእለካ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትማሃር ዘኽእለካ ብቕዓት ትምህርቲ ኣሎካ ማለት'ዩ።

    ኮለጅ ሞያዊ ትምህርቲ (Yrkeshögskoleutbildning, YH-utbildning)

    ሞያዊ ኮለጅ፡ ኣብ ፍሉይ ሞያ ዘድሃበ ናይ ሞያ ትምህርቲ እትቐስሙሉ ቤት ትምህርቲ እዩ። ንሱ፡ ኣብ ክንዲ'ቶም ኣብ ኮለጅን ዩኒቨርሲቲን ዝዋሃቡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወስዱ ዓይነታት ትምህርቲ ዝውሰድ ኣማራጺ እዩ። ኣብ እዋን ትምህርቲ፡ እቶም ተማሃሮ፡ 'ልምምድ ስራሕ(ፕራክቲክ)' ወይ 'ትምህርቲ ኣብ ስራሕ(Lärande i Arbete)' ስለዝገብሩ ምስተን ትካላት ጥቡቕ ርክባት ይህሉዎም።

    ናይ ሞያ ኮለጃዊ ትምህርቲ ስልጠና፡ ምስ ስራሕ ዝተታሓሓዘ እዩ። ዕላምኡ ኸኣ ትምህርቲ ዛዚሞም ብቐሊሉ ስራሕ ንምርካብ ክቐለሎም ብማለት እዩ። ገለ ካብቲ ስልጠናታት፡ ምስ ሞያ ዝተታሓሓዘ ቋንቋ ሽወደን ከም ተወሳኺ ደገፍ ገይሩ ይህብ።

    ኣብ ናይ ሞያ ኮለጃዊ ትምህርቲ ንምምሃር፡ ናብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ዘእቱ መባእታዊ ብቕዓት ክህልወካ ይግባእ። ከምዚ ክብሃል እንከሎ ድማ፡ ኣብ'ተን ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ንኽትምሃር ዘድልያ ዓይነታት ትምህርቲ ባጀላ ክህልወካ ይግባእ።

    ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን

    ኣብ ሽወደን፡ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ኣለዋ። እቲ ፍልልይ፡ ዩኒቨርሲቲታት፡ ግድን ትምህርቲ ምርምር ክህሉወን ኣለዎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ዝውሃቡ ትምህርትታት፡ ሓደ ዓይነት ነጥብን ምረቓን የውህቡ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ-ሽወደን፡ እንተ ወሓደ ሓንቲ ኮለጅ ወይ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ኣላ።

    ትምህርታዊ ፕሮግራም ወይ ንጽል ኮርስ (separata kurser)

    ሓደ ትምህርታዊ ፕሮግራም፡ ናብ ምረቓ ዝመርሑ ሓያለ ኮርሳት ይሕዝ። ብዲግሪ ምምራቕ ማለት፡ ፈተና ሓሊፍካ ትምህርትኻ ዛዚምካ ኣለኻ ማለት'ዩ። ኣብ ሓደ ትምህርታዊ ፕሮግራም ዝርከቡ ዝበዝሑ ኮርሳት፡ ግድን ክትማሃሮም ኣለካ። ይኹን'ምበር፡ ባዕልኻ ክትመርጾም እትኽእል ሓደ ሓደ ኮርሳት'ውን ኣሎዉ። ንኣብነት ከም ሓኪም፡ ኪኢላ ስነማሕበር (socionom)፡ ጠበቓ ወይ መሃንድስ ኴንካ ንኽትምረቕ፡ ነቲ ዘሎ ትምህርታዊ ፕሮግራም ግድን ተኸቲልካ ክትመሃር ኣሎካ። ኮርስ፡ ብንጽል ትማሃር እንተ ዄንካ: ኮርሳት ባዕልኻ ትመርጽ፡ ባዕልኻ ብዝደለኻዮ ቅደም ተኸተል ከኣ ትምሃሮም። እቶም ምሉእ ግዜ ዝማሃሩ፡ ኣብ ዓመት 60 ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ነጥብታት (högskolepoäng) ይማሃሩ።

    ንዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ዘድሊ ብቕዓት፡ እዚ ዝስዕብ እዩ፡

    ብመባእታዊ ጽፍሒ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትማሃር፡ ግድን መባእታዊ ብቕዓት ክህልወካ ኣለዎ። ስሕት ኢሉ፡ ፍሉይ ብቕዓት የድሊ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንኽትኣቱ፡ ገለ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኮርሳት ዝወሰድካ ክትከውን ኣለካ።

    መባእታዊ መእተዊ ፍቓድ(Grundläggande behörighet) ዘማልእ ሰብ፡ እዚ ዝስዕብ ክህሉዎ ኣለዎ፡

    • ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ መዛዘሚ ዲፕሎም ዝወሰደን እንተ ዋሓደ ኣብ 90% ናይቲ ዝወሰዶ ትምህርቲ ድማ፡ መሕለፊ ነጥቢ ዘረጋገጸን ክኸውን ኣለዎ።
    • ካብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ (ቩክሰን-ኡትቢልድኒንግ)፡ መዛዘሚ ዲፕሎም ዝወሰደን፡ እንተ ወሓደ ኣብ 90% ናይቲ ዝወሰዶ ትምህርቲ ድማ፡ መሕለፊ ነጥቢ ዘረጋገጸ ክኸውን ኣለዎ።
    • ምስ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ'ውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣባጽሕ ዝመጣጠን ናይ ሽወደን ወይ'ውን ናይ ካልእ ሃገር ትምህርቲ ዘለዎ። ንኣብነት፡-
    • ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ከም ዝተማህረ ዘርኢ ባጅላ ሃልዩዎ፡ ነተን መሰረታውያን ዓይነታት ትምህርቲ'ውን ዝተማህረን፡
    • ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ወይ'ውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣባጽሕ ዝመጣጠን ፍልጠት፡ ብኻልእ መገዲ ዘጥረየ።
    • ካብ ሃገረ ዴንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኣይስላንድ ወይ'ውን ኖርወይ፡ መሰረታዊ መእተዊ ነጥቢ (Grundläggande behörighet) ዘለዎ።
    • ብመገዲ ናይ ሽወደን ወይ ናይ ካልእ ሃገር ትምህርቲ፡ ወይ'ውን ብግብራዊ ተመኲሮ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝዋሃብ መባእታዊ ኮርስ፡ ከምህሮ ዘኽእል ፍልጠት ዘጥረየ ሰብ።

    ትምህርትኹም፡ ናይ ካልእ ሃገር ምስ ዝኸውን፡ ንቛንቋታት ሽወደንን እንግሊዘኛን ዝምልከት'ውን ፍሉይ ከተማልኡዎ ዝግባእ ጠለባት ኣሎ።

    ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ሓደ ፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ክትማሃሩ ምስ እትደልዩ፡ ከተማልኡዎ ዝግባእ ፍሉይ መእተዊ ረቛሒታት (Särskild behörighet) ክህሉ ይኽእል'ዩ። እዚ ፍሉይ ረቛሒታት'ዚ ከከም ዓይነታት ናይ'ቲ ትምህርቲ ክፈላለ ይኽእል'ዩ። ዝኾነ ዓይነት ትምህርቲ ንምምሃር እንታይ ዓይነት ረቛሒታት ከተማልኡ ትሕተቱ ንምፍላጥ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይታ 'ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ' ወይ'ውን ዩኒቨርሲቲ ኣቲኹም ኣንብቡ።

    ንላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘድልዩ ወጻኢታት

    ኩሉ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን፡ ዝዓበየ ክፋሉ፡ ብናይ መንግስቲ ገንዘብ እዩ ዝካየድ።

    ስለዚ ኩሉ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ናጻ እዩ። ንመጻሕፍትን ንኻልእ መሳርሒታት ትምህርቲ ዘድሊ ወጻኢታትን ግን፡ ባዕልኻ ክትሽፍን ግድን'ዩ።

    ንድሩት ግዜ ዝምሃሩን ካብ EU/EES ወጻኢ ዝመጹን ኣጋይሽ ተማሃሮ፡ ከፊሎም እዮም ዝምሃሩ።

    እንተወሓደ፡ ገለ ክፍለ-ግዜ፡ ዋላ'ውን 50% ትማሃር እንተ ዄንካ፡ ካብ ሲ.ኤስ.ኤን (CSN) ትምህርታዊ ደገፍን ትምህርታዊ ልቓሕን ክትሓትት መሰል ኣሎካ።

    ምምዛን ብቕዓት (Validering)

    ምምዛን ብቕዓት (ቫሊደሪን) ማለት፡ ንሓደ ብልክዕ ክትዕቅኖ ዘጸግም ነገር ምምዛን ማለት'ዩ። ዝቐሰምካዮ ትምህርቲ ወይ ኣብ ሓደ ፍሉይ ሞያ ዘለካ ብቕዓት ክምዘን እንከሎ 'ቫሊደሪን' ወይ 'ምምዛን ብቕዓት' ይብሃል። ናይ ዝሓለፈ ትምህርትኻ ወይ ሞያዊ ተሞክሮኻ ክምዘን እንከሎ፡ ምስቲ ኣብ ሽወደን ዝውሃብ ኮርሳት ዝዳረግ ኮይኑ ክርከብ ይኽእል እዩ። ንሞያዊ ፍልጠትካ ብዝርርብ ወይ ብተግባራዊ ፈተና ከተምዝኖ ትኽእል ኢኻ። ፍልጠትካ፡ ከም ህንጻ፡ ክንክን ጥዕና፡ ኢንዱስትሪ፡ መጓዓዝያን ኣደራሽን/ቤት መግብን ዝኣመሰሉ ሞያታት ከተምዝን ትኽእል ኢኻ።

    ግምገማ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ንዝተቐስመ ትምህርቲ

    ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ናይ ወጻኢ ሃገር እንተለካ: እቲ ትምህርቲ 'ብሃገራዊ ወኪል ኣገልግሎት ዩኒቨርሲቲን ላዕለዋይ ትምህርትን' ይምዘን። እቲ ምምዛን ኣይክፈሎን እዩ።

    ገለ ሞያታት፡ በቲ ንሞያዊ ስራሕ ዝምልከት ናይ ሽወደን ሕጊ ይምእዘዙ እዮም። ንኣብነት ምረቓን ሕጋውነትን ብዝምልከት። ኣብ ሓደ ውሱን ሞያ ንምስራሕ፡ ካብ ዝምልከቶ ብዓል መዚ፡ ፍቓድ የድሊ። ንናይ ሓኪም ሞያ ወይ ናይ ነርስነት ሞያ፡ ማሕበራዊ ምምሕዳር እዩ ዘፍቅድ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘድሊ ሞያ ድማ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ የፍቅድ።

    ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማሃርካዮ ትምህርታዊ ነጥቢ ምትርጓም፡

    ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝረኸብካዮ ነጥቢ ትምህርቲ ክምዘን፡ ፈለማ ናብ ሽወደንኛ ክትርጎም ኣለዎ። እቲ ትርጉም፡ ብክኢላ ተርጓማይ ዝተተርጎመ ክኸውን ኣለዎ። ሓድሓደ ግዜ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ፡ ነቲ ነጥቢ ኣብ ምትርጓም ክተሓጋገዝ ይኽእል'ዩ። እቲ ነጥቢ ብእንግሊዝኛ: ፈረንሳይኛ ጀርመንኛ: ስጳኛ ወይ ብቛንቋታት ኖርድ ዝተመዝገበ እንተ ኾይኑ ምትርጓም ኣየድልዮን'ዩ።

    ትምህርታዊ ልቓሕ (Studiemedel)

    እቶም ኣብ ትምህርቲ ዝሳተፉ ኣባጽሕ፡ 'ገንዘባዊ ሓገዝ ንትምህርቲ' (Studiemedel) ምእንቲ ክውሃቦም፡ ናብ 'ብዓል መዚ ደገፍ ትምህርቲ' (Centrala Studiestödsnämnden-CSN) ከመልክቱ ኣለዎም። "ደገፍ-ትምህርቲ"፡ ኣብ ሓገዝን ልቓሕን ዝተመርኮሰ እዩ። እቲ "ደገፍ" ናጻ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ "ልቓሕ" ግን ምስ ወለዱ ክምለስ ኣለዎ። ደገፍ ክውሃበኩም ከተመልክቱ ከለኹም፡ ልቓሕ ክትወስዱ ትደልዩ ዲኹም ኣይትደልዩን ናይ ምምራጽ መሰል ኣሎኩም። እቲ ንመምሃሪ ኢልኩም ዝተለቃሕኩሞ ገንዘብ ግን ዋላ ሃገር ቀይሩ፡ እቲ ዕዳ ኣብ ዝባንኩም ስለዝኾነ ግድን ክምለስ ኣለዎ። ካብታ ናይ መወዳእታ ደገፍ ዝወሰድኩምላ ወርሒ፡ 6 ኣዋርሕ ጸኒሕኩም ኢኹም ነቲ ልቓሕ ምኽፋል ትጅምሩዎ። ቆልዑ ምስ ዝህልውኹም እቲ ዝውሃበኩም ናጻ ሓገዝ ልዕል ይብል። እዚ ኸኣ ተወሳኺ ደገፍ (Tilläggsbidrag) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

    ኣብ ሽወደን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ (PUT) ምስ ዝህልወኩም፡ ካብ 'ብዓል መዚ ደገፍ ትምህርቲ(Centrala Studiestödsnämnden-CSN)' ገንዘባዊ ደገፍ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎኩም። ብብዓል መዚ ኢሚግረሽን፡ ከም ስደተኛ ወይ'ውን ብሰንኪ ፍሉይ ኩነታት መንበሪ ፍቓድ ዝወሰድኩም'ውን፡ እዚ ሓገዝ ይምልከተኩም እዪ። መንበሪ ፍቓድኩም ገደብ ግዜ ዘሎዎ ዋላ ይኹን፡ ይምልከተኩም እዩ። ካልእ ክማላእ ዝግበኦ ረቛሒ ከኣ፡ እቲ እትማሃሩዎ ትምህርቲ ወይ ኮርስ ደገፍ ትምህርቲ ዘውህብ ክኸውን ኣለዎ።

    ሓተትቲ ዑቕባ፡ ማለት ገና መንበሪ ፍቓድ ወይ ወረቐት ዘይሓዙ፡ ነዚ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን።